ንስለ ደቃ 6 ዶላር ሓቲታ ልዕሊ 65 ሽሕ ዶላር ዝረኸበት ኣደ  

ሱብሃድራ (የማን) ምስ መምህር ጊሪጃ ሃሪኩማር

ምንጪ ስእሊ, GIRIJA HARIKUMAR

መግለጺ ስእሊ, ሱብሃድራ (የማን) ምስ መምህር ጊሪጃ ሃሪኩማር
Published

ደቃ ክተብልዕ ሓገዝ ዝሓተተት ህንዳዊት ኣደ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ካብ ዘይትፈልጦም ሰባት ብሚልዮናት ዝቝጸር ወፈያ ተቐቢላ።

ኣብ ደቡባዊ ክፍለ ግዝኣት ኬራላ እትነብር ጓል 46 ዓመት ሱባድራ፡ በዓል ቤታ ምስ ሞተ ንመግቢ ዝኸውን ተሸጊራ ንመምህር ወዳ 500 ሩፒስ (6 ዶላር) ክትህባ ሓቲታ ነይራ።

እታ መምህር በቲ ዘጋጠማ ኵነታት ተደሪኻ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይ ሓገዝ ወፍሪ ጀሚራ።

ክሳብ ሰንበት ድማ፡ እታ ስድራቤት 5.5 ሚልዮን ሩፒስ ወፈያ ረኺባ።

ሱብሃድራ፡ በዓል ቤታ ኣብ ነሓሰ ካብ ዝሞተሉ ኣትሒዛ፡ መነባብሮ እታ ስድራ ክትመልእ ክትቃለስ ጸኒሓ’ያ።

ካብ ሰለስተ ደቃ እቲ ዝነኣሰ ሕማም ሴረብራል ፓልሲ (ክእለት ምንቅስቓስን ምዕቃብ ሚዛንን ኣቃውማን ዝጸልዉ ምዝንባዓት) ስለዘለዎን፡ ዘይቋረጽ ክንክን ስለዘድልዮን ተቘጺራ ክትሰርሕ ኣይከኣለትን።

ብዓርቢ፡ ደቃ ዝብላዕ ስለዘይነበሮም፡ ናብታ እቲ ማእከላይ ውላዳ ዝመሃረላ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ካብ መምህር ጊሪጃ ሃሪኩማር ሓገዝ ሓቲታ።

መምህር ቋንቋ ሂንዲ ዝዀነት ጊሪጃ ሃሪኩማር፡ ነቲ ኣቢሸክ ዝተባህለ ተመሃራይ፡ ድሕሪ ሞት ኣቦኡ ስድራኡ ጸገማት እንተጋጢምዎም ክነግራ ሓቲታቶ ከም ዝነበረት ንቢቢሲ ገሊጻ።

እቲ ወዲ ወይ ኣደኡ ሓገዝ ክሓትዋ እዚ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ነይሩ።

"1000 ሩፒ ሂበያ፡ ገለ ዝዀነ ነገር ከም ዝገብር’ውን ነጊረያ።"

"ኣብ ክሽነ ብኣጻብዕ ዝቝጸር እኽሊ ጥራይ እዩ ነይሩ፡ እቶም ቈልዑ ዝበልዕዎ ነገር ኣይነበሮምን" ትብል እታ መምህር።

"ሓሓሊፉ ንሱባድራ ንእሽቶ ገንዘብ ምሃብ ነታ ስድራቤት ፍጹም እኹል ስለዘይከውን ትርጕም የብሉን ኢለ ሓሲበ" ክትብል ትውስኽ።

ዓርቢ ምሸት፡ መምህር ጊሪጃ ሃሪኩማር ብዛዕባ ጸገም እታ ስድራቤት ዝገልጽ ጽሑፍ ኣብ ፈይስቡክ ለጢፋ።

ሰባት ድማ ከም ዓቕሞም ዝዀነ ገንዘብ ከወፍዩ ሓቲታ። ብተወሳኺ ምእንቲ እቲ ገንዘብ ብቐጥታ ናብኣ ክሰጋገር፡ ኣብቲ ጽሑፍ ዝርዝር ናይ ባንክ ሕሳብ ሱባድራ ኣስፊራ።

እቲ ጽሑፍ ብብዙሕ ሰባት ተራእዩ፤ ክሳብ ትማሊ ሰኑይ ድማ ሱባድራ ካብ ሕያዎት ጓኖት 5.5 ሚልዮን ሩፒስ ተቐቢላ።

ገለ ካብቲ ገንዘብ፡ በዓል ቤት ሱባድራ ቅድሚ ሞቱ ክሃንጾ ዝጀመረ ገዛ ንምውዳእ ክውዕል እዩ።

ዝተረፈ ድማ ንመዓልታዊ ወጻኢታቶም ኣብ ባንክ ክቕመጥ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ጻውዒት ተዓጽዩ’ዩ።