ኣብ እዋን ውልደት ዝተሸጣ ማናቱ ብቪድዮ ቲክቶክ ዳግማይ ተራኺበን

ኤሚ ኽቪትያ (ጸጋም) ምስ ኣኖ ሳርታንያ
መግለጺ ስእሊ, ኤሚ ኽቪትያ (ጸጋም) ምስ ኣኖ ሳርታንያ ክሳዕ ደቂ 19 ዓመት ዝኾና ማንታ ከምዘላተን ይፈልጣ ኣይነበራን
Published

ኤሚን ኣኖን ሕደ ማንታ እየን፤ እንተኾነ ውልድ ምስበላ ካብ ወላዲተን ተወሲደን ንዝተፈላለያ ስድራቤታት ተሸይጠን። ድሕሪ ዓመታት ግና ሳላ ሓደ ኣብ ቴለቪዥን ዝቐርብ ምርኢት ተውህቦን ናይ ቲክቶክ ቪድዮን ንሓድሕደን ክራኸባ ክኢለን። ሕሉፍ ታሪኸን ክፍትሻ ምስ ጀመራ፡ ካብ መንጐ ኣሽሓት ኣብ ሆስፒታላት ጆርጅያ ተሰሪቖም ዝተሸጡ ህጻናት ምዃነን እኳ እንተፈለጣ ጌና ዘይተመለሰለን ሕቶታት ኣለወን።

ኤሚ ኣብ ሌፕዚግ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ሆቴል ንየው ነጀው ትብል ኣላ። “ፈሪሐ ኣለኹ፡ ኣዝየ ፈሪሐ፡” ትብል ብፍርሒ እናዕለበጠት። “ምሉእ ሰሙን ኣይደቀስኩን። እንታይ ከምዘጋጠመና ክፈልጠሉ ዝኽእል ናይ መወዳእታ ዕድለይ እዚ እዩ።”

ማንታ ሓፍታ ኤኖ፡ ኣብ መንበር ኮፍ ኢላ ኣብ ቴለፎና ቪድዮታት ቲክቶክ ትርኢ ኣላ። “እታ ዝሸጠትና ሰበይቲ እዚኣ እያ ክትከውን እትኽእል፡” ከኣ በለት።

ኣኖ’ውን ተረቢሻ እያ ዘላ፡ ግና እቲ ኣሻቒልዋ ዘሎ እንታይ ዓይነት ግብረመልሲ ከምእትህብን ሕርቃና ክትቈጻጸሮ ትኽእል እንኾይናን እዩ።

መፈጸምታ ናይ ነዊሕ ጉዕዞ እዩ። መፍትሒ ናይቲ ሕንቅልሕንቅሊተይ ንምርካብ ካብ ጆርጅያ እየን ናብ ጀርመን ተጓዒዘን። ኣብ መወዳእታ ምስ ወላዲት ኣዲአን ይራኸባ ኣለዋ።

ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ነቲ ዘጋጠመ ንምፍላጥ ብዙሕ ኣእማን እየን ፈንቂለን። ሓደ ዝተገንዘብኦ ነገር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ጆርጅያ ብህጻውንቶም ካብ ሆስፒታላት ተወሲዶም ዝተሸጡ ብኣሰርተታት ኣሽሓት ዝቍጸሩ ሰባት ምህላዎም እዩ።

እንታይ ከምዝተፈጸመ ንምፍላጥ ወግዓዊ መርመራታት ንምግባር ፈተነታት እኳ እንተተካየደ ዛጊት ናብ ሕቂ ዝቐረበ ኣካል የለን።

ዛንታ ምርኻብ ኤሚን ኣኖን፡ ደቂ 12 ዓመት እንከለዋ እዩ ዝጅምር።

ኤሚ ኻቪታ ኣብ ከባቢ ጸሊም ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ገዛ እታ ዘዕበየታ ሰበይቲ ኮይና ‘ጆርጅያ’ስ ጐት ታለንት’ ዝተሰመየ መደብ ቴለቪዥን ትከታተል ኔራ።

ኤሚ (ጸጋም)፡ ኣኖ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, BBC/ FREMANTLE / SICO LTD

መግለጺ ስእሊ, ኤሚ (ጸጋም)፡ ኣኖ (የማን) ኣብ ቴለቪዥን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ መደብ ሓንቲ ልክዕ ንዓኣ እትመስል ጓል ክትስዕስዕ ከኣ ርእያ። ምምሳል ጥራይ ዘይኮነ ንባዕላ ኣብቲ መደብ ዝተሰተፈት መሰላ።

“ኩሉ ሰብ ናብ ኣደይ ደዊሉ፡ ‘ንምንታይ እያ ኤሚ ብኻልእ ስም ትስዕስዕ ዘላ?’ ይሓታ ኔሩ፡” ትብል።

ኤሚ ነቲ ዝረኣየቶ ንስድራኣ እኳ እንተነገረት ኣይተገደሱላን። ኣዲኣ ግና “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናቱ ተምሳል ኣለዎ፡” ከምዝበለታ ትጠቅስ።

ድሕሪ ሸውዓተ ዓመታት፡ ኣብ ሕዳር 2021 ኤሚ ሽፋሽፍቲ ዓይና እናተሰቘረት ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ቲክቶክ ለጢፋ።

ካብኣ 320 ኪሜ ኣብ እትርሕቕ ርእሰ ከተማ ጆርጅያ፡ ትቢሊሲ፡ ንእትነብር ኣኖ ሳርታንያ ዝተባሃለት ጓል 19 ዓመት፡ እቲ ቪድዮ ካብ ሓንቲ መሓዝኣ ተላእከላ። ልክዕ ንዓይ ብምምሳላ “ተገሪማ እያ ልኢኻትለይ፡” ትብል።

ኣኖ ነታ ሽፋሽፍቲ ዓይና ዝተሰቝረት ጓል ኣብ ኦንላይን ክትእልሻ እኳ እንተፈተነት ክትረኽባ ኣይከኣለትን። በዚ ከኣ ክሕግዛ ዝኽእል ሰብ እንተረኸበት ንምፍታን ነቲ ቪድዮ ኣብ ሓደ ናይ ዩኒቨርስቲ ዋትስኣፕ ግሩፕ ለጢፋቶ። ሓደ ንኤሚ ዝፈልጣ ሰብ ነቲ መልእኽቲ ምስ ረኣየ ንኽልቲአን ብፌስቡክ ኣራኸበን።

ኤሚ፡ እታ ጓል ቅድሚ ዓመታት ኣብ ቴለቪዥን እናሳዕስዐት ዝረኣየታ ምዃና ቀልጢፋ እያ ዘኪራ።

“ንነዊሕ ግዜ እየ ክእልሸኪ ጸኒሐ!” ክትብል ጽሒፋትላ። ኣኖ ከኣ “ወላ ኣነ፡” ብምባል መሊሳትላ።

ኣብ ዝቐጸለ ሒደት መዓልትታት፡ ብዙሕ ዘመሳስለን ነገራት ከምዘሎ እኳ እንተፈለጣ ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ኣይነበረን።

ብመሰረት ናይ ልደት ወረቐት ምስክራተን፡ ክልቲአን ኣብቲ ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት ዘየለ ኣብ ምዕራባዊ ጆርጅያ ዝነበረ ሆስፒታል መወልዳን ኪርቲሽኪ እየን ተወሊደን፡ እቲ ዕለተ ልደተን ግና ናይ ሰሙናት ፍልልይ ኔርዎ።

ማናቱ ኣይኮነን ኣሓት’ውን ክኾና ኣይክእላን እየን። እቲ ምምስሳላት ግና ኣዝዩ ብዙሕ እዩ ኔሩ። ክልቲአን ተመሳሳሊ ሙዚቃን ምስዕሳዕን ይፈትዋ፡ ኣመሻሽጣ ጸጉረን’ውን ዝፈላለ ኣይነበረን። ዳይስፕላስያ ዝበሃል ሓደ ዓይነት ተወርሶኣዊ ሕማም ከምዘለወን እውን ተገንዘባ።

ብሓባር ኰይነን ሓደ ምስጢር ይገልሃ ዘለዋ መሰለን። “ወትሩ፡ ብዛዕባ ኣኖ ገለ ነገር ኣብ ዝፈለጥኩሉ፡ መሊሱ ይገርመኒ ኔሩ፡” ትብል ኣኖ።

ኣኖ (ጸጋም) ምስ ኤሚ
መግለጺ ስእሊ, ኣኖ (ጸጋም) ምስ ኤሚ ኣብ ሊፕዚግ ክራኸባ እንከለዋ ተመሳሳሊ ኣመሻሽጣ ጸጉሪ ርእሲ ኔርወን

ክራኸባ ተቋጺረን፤ ሽዑ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ኤሚ ኣብ ቲቢሊሲ ኣብ መደበር ባቡር ሩስታቬሊ ኣብ መደያይቦ እንከላ፡ ምስ ኣኖ ንፈለማ እዋን ፊት ንፊት ተራኸባ።

“ንርእሰይ ኣብ መስትያት ዝርኢ ዘለኹ እዩ መሲሉኒ፤ ገጽና ድምጽና ሓደ እዩ። ኣነ ንሳ፡ ንሳ ከኣ ኣነ ኢና” ትብል ኤሚ። ሽዑ ማናቱ ምዃነን ፈሊጠን።

“ምሕቋፍ ኣይፈቱን እየ፡ ንዓኣ ግና ሓቊፈያ፡” ትብል ኣኖ።

ንወለደን ከፋጥጣ ከምዘለወን ወሰና ሽዑ ከኣ እየን ነቲ ሓቂ ዝፈለጣ። ኣብ 2002 ብናይ ሰሙናት ኣፈላላይ ብዝተፈላለዩ ወለዲ ከምዝተወሰዳ ተረድኣ። ኤሚ ክትጕሂ እንከላ ምሉእ ህይወታ ሓሶት ኰይኑ ተሰምዓ።

ካብ ጸጕሪ ርእሳ ክሳዕ ጽፍሪ እግራ ጸሊም ዝለበሰት ኤሚ ዝኸበዳ ይመስል፤ ነቲ ዝውሕዝ ዝነበረ ንብዓት ካብ ምዕጉርታ እናደረዘት ከኣ “ክትኣምኖ ዘጸግም፡ ግን ከኣ ሓቂ እዩ፡” ትብል።

“ኣኖ ብስድራይ ጕህያን ተቘጢዓን እያ፡ ኣነ ግና እቲ ከቢድ ዝርርብ ተወዲኡ ናብ ዝቕጽል ክንሰግር እየ ዝደሊ።”

ኣዕሚቐን ምስ ፈተሻ፡ እተን ማናቱ እቲ ዕለተ ልደተን እውን ሓቀኛ ከምዘይነበረ ተረድኣ።

ክትወልድ ዘይከኣለት ኣደ ኤሚ፡ ሓንቲ ወለዳ ከዕብይዋ ዘይደልዩ ህጻን ኣብቲ ሆስፒታል ምንባራ ካብ ሓንቲ መሓዝኣ ከምዝሰምዐት ትዛረብ። ነቶም ሓካይም እንተከፊላ ነታ ህጻን ወሲዳ ክተዕብያ ከምእትኽእል ከኣ ፈለጠት።

ኣደ ኣኖ’ውን ተመሳሳሊ ዛንታ እዩ ተነጊርዋ።

ክልቲአን ስድራቤታት፡ ነተን ዕሸላት ንምውሳድ ብዙሕ ገንዘብ እኳ እንተከፈላ፡ እተን ህጻናት ማናቱ ምንባረን ኣይፈለጣን። ዘይሕጋዊ ምንባሩ’ውን ከምዘይፈለጣ ይዛረባ። ኣብቲ እዋን ጆርጅያ ኣብ ቅልውላው እያ ኔራ፤ እቲ መስርሕ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ዝተሓወስዎ ስለዝነበረ ከኣ ሕጋዊ እዩ መሲልወን።

ክንደይ ገንዘብ ከምዝኸፈሉ ግና ክልቲአን ስድራ ክገልጻ ኣይደልያን።

‘እታ ስድራ ንመኽሰብ ኢላ ዶ ሸይጣትና ትኸውን?’ እተን ማናቱ ዝሓትኦ ሕቶ እዩ።

ጋዜጠኛ ታሙና ሙሰሪድዝ
መግለጺ ስእሊ, ታሙና ሙሰሪድዝ ዝመስረተቶ ናይ ፌስቡክ ግሩፕ ዝጠፍኡ ኣሕዋት ወለዲን ቈልዑን የራኽብ

ኤሚ ንወላዲት ኣዲአን ክትእልሽ እኳ እንተደለየት ኣኖ ግና ርግጸኛ ኣይኮነትን። “ንዝጠለመና ሰብ ምርካብ እንታይ ይዓብሰልና?” ክትብል ከኣ ትሓትት።

ኤሚ ሓደ ንጆርጅያውያን ወለዲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ካልኦት ስድራ ምስ ዝተሰጋገሩ ደቈም ዘራኽብ ሓደ ናይ ፌስቡክ ግሩፕ ብምርካባ ነቲ ዛንታ ኣብኡ ኣካፈለት።

ኣብ ጀርመን እትርከብ ሓንቲ ኣብ ማእከላይ ዕድመ እትርከብ ሰበይቲ፡ ኣዲኣ ኣብ 2002 ኣብ ሆስፒታል መወልዳን ኪርትሽኪ ማናቱ ከምዝተገላገለትን እቶም ዕሸላት ከምዝሞቱን እኳ እንተተነገራ፡ ገለ ምጥርጣራት ከምዘለዋ ዝገልጽ ምላሽ ሂባ።

ናይ ዲኤንኤ መርመራታት ዝተገበረላ እታ ሰበይቲ ነተን ማናቱ ሓፍተን ምዃና ዘረጋግጽ ኮነ። ንሳ ምስ ወላዲታ ኣዛ እያ ኣብ ጀርመን ትነብር።

ኤሚ ንኣዛ ንምርካብ ዓቕላ ክጸባ እንከሎ ኣኖ ዝያዳ ተጠራጣሪት ነበረት። “እዚኣ እታ ዝሸጠትኪ ሰብ እያ፤ ነቲ ሓቂ ኣይትነግረክን እያ፡” ክትብል ኣጠንቀቐታ። እንተኾነ ግና ምስ ኤሚ ናብ ጀርመን ክትከይድ ተሰማምዐት።

እተን ማናቱ ዝተጠቀማሉ ናይ ፌስቡክ ግሩፕ ‘ቬደዘብ’ ዝብል ኮይኑ ብቋንቋ ጆርጅያ “ይእልሽ ኣለኹ” ማለት እዩ። ኣብኡ ብዙሓት ኣደታት፡ ደቈም ከምዝሞቱ ብሰራሕተኛታት ሆስፒታል ከምዝተነገረን፡ ድሒረን ግና እቲ ሞት ኣብ መዝገብ ከምዘይረኸብኦን ደቈም ብህይወት ክህልው ከምዝኽእሉን ዝገልጽ ጽሑፋት ኣስፊረን ኣለዋ።

ካልኦት ከኣ ከም ኤሚን ኣኖን ንወለደን ዝእልሻ ኣለዋ።

እቲ ልዕሊ 230,000 ኣባላት ዘለዎ ግሩፕ ብጋዜጠኛ ታሙና ሙሰሪድዝ ኣብ 2021 እዩ ተመስሪቱ። ንሳ ነቲ ግሩፕ ዝመስረተት ዘዕበይዋ ስድራ ወለዳ ከምዘይኮኑ ድሕሪ ምፍላጣ እዩ። ኣዲኣ ምስ ሞተት ነቲ ገዛ እናጸራረየት እንከላ እያ፡ ነቲ ሓቀኛ ናይ ትውልዲ ምስክር ወረቐታ ዝረኸበት።

ወለዳ ንምርካብ እኳ ነቲ ግሩፕ እንተጀመረቶ፡ ዓብዩ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ዝጸለወን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለን ጕድ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ህጻናት ከቃልዕ ተራእዩ።

ንሳ ብኣማኢት ዝቍጸሩ ስድራቤታት ንምርኻብ እኳ እንተሓገዘት ስድራኣ ጌን ኣይረኸበትን ኣላ።

ታሙና፡ ካብ ፈለማ 1970ታት ክሳዕ 2006 ዝቐጸለ ኣብ መላእ ጆርጅያ ዝዝርጋሕ ጸሊም ዕዳጋ ምስግጋር ህጻናት ምንባሩ ተረዲኣ።

እዚ ብዝተወደቡ ገበነኛታትን ካብ መራሕቲ ታክሲ ክሳዕ ሰበስልጣን መንግስቲ ካብ ኵሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ሰባት ዝሳተፉሉን ምንባሩ ትኣምን።

“ክትኣምኖ ዘጸግም እዩ፤ ክሳዕ 100,000 ህጻናት እዮም ተሰሪቖም። ዝተራቐቐ እዩ፡” ትብል።

ብዙሓት ወለዲ ንኣስከሬን ዝሞቱ ደቈም ክርእዩ ምስ ሓተቱ፡ ድሮ ኣብ መቓብራት እቲ ሆስፒታል ምቕባሮም ይሕበሮም ምንባሩ ብዙሓት ወለዲ ከምዝነገርዋ ታሙና ትገልጽ። እንተኾነ ግና ኣብ ሆስፒታላት ጆርጅያ መቓብራት ከምዘይረኸበት ትዛረብ። ገሊኦም ፍሪጅ ከኣ ኣብ መጽንሒ ሬሳ፡ ናብ በረድ ዝተቐየሩ ሬሳታት ከምዘርኣይዎም ይገልጹ።

ኣይሪና ኦታራሺቪሊ
መግለጺ ስእሊ, ኣይሪና ኦታራሽቪሊ ኣብ 1978 ማናቱ ኣወዳት ኣብ ሆስፒታል ተገላጊላ፤ እንተኾነ ግና እቶም ዕሸላት ከምዝሞቱ እዩ ተነጊርዋ

እቶም ህጻናት፡ ወዲ ብ1,500 ጓል ከኣ 1,400 ዶላር ይሽየጡ ምንባሮምን እዚ፡ ናይ ሓደ ሰብ ዓመታዊ ደሞዝ ምንባሩን ታሙና ተረድእ። ገለ ካብቶም ህጻናት ክሳዕ ኣሜሪካ፡ ካናዳ፡ ቈጵሮስ፡ ሩስያን ዩክረይንን ከምዝተወሰዱ’ውን ትሕብር።

ጆርጅያ ኣብ 2006 ንዘይወለድካዮ ቈልዓ ብዝምልከት ዝጸንሓ ሕጊ ክትቅይር እንከላ፡ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ተሪር ሕጊ ኣውጺኣ፤ እዚ ከኣ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝግበር ምስግጋርን ምዕባይን ቈልዓ ዝያዳ ኣጸጋሚ ዝገብር ነበረ።

ካልእ ንሕቶኣ መልሲ ትደሊ ዝነበረት ኣይሪና ኦታራሽቪሊ እያ። ንሳ ኣብ ሆስፒታል ከቫረሊ ጆርጅያ ኣብ 1978 ማናቱ ኣወዳት ተገላጊላ።

ሓካይም፡ እቶም ህጻናት ጥዑያት ምንባሮም እኳ እንተነገርዋ፡ ንጹር ብዘይገበርዎ ምኽንያታት ካብኣ ፈልዮም ሒዞምዎም። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ክልቲኦም ሃንደበት ምማቶም ተነግራ። ሓኪም፡ ናይ ምስትንፋስ ሽግር ከምዝነበሮም ከኣ ነጊርዋ።

ኣይሪናን በዓልቤታን ክኣምንዎ ኣይከኣሉን፤ እንተኾነ ግና ኣብ እዋን ሶቭየት “ንሰብመዚ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ” ትብል። ዝበልዎ ኩሉ ኣሚናቶም።

ንኣስከሬን እቶም ህጻናት ወሲዳ ኣብ ድሕሪ ገዛኣ እትቀብረሉ ባልጃ ከተምጽእ ከኣ ተሓበራ። እቲ ሓኪም፡ ነቲ ባልጃ እንተከፊታቶ ክትሓምም ምዃና ብምንጋር ከይትኸፍቶ ኣጠንቀቓ።

ኣይሪና ከምቲ ዝተሓበረቶ እኳ እንተገበረት፡ ድሕሪ 44 ዓመታት ጓላ ኒኖ፡ ነቲ ናይ ታሙና ፌስቡክ ግሩፕ ብምርኣያ ክትጠራጠር ጀመረት።

“ኣሕዋተይ ብሓቂ እንተዘይሞይቶም ከ?” ኢላ ብምሕታት ምስ ሓፍታ ናና ብምዃን ነቲ ባልጃ ክትፍሕሮ ወሰነት።

“ምስ ከፈትናዮ ዓጽሚ ኣይጸንሓናን፡ እንጨይቲ ኢና ረኺብና። ክንስሕቕ ዲና ወላስ ክንበኪ እንታይ ከም እንብል ሓርቢቱና።”

እቲ ዕንጨይቲ፡ ጨናፍር ናይ ተኽሊ ወይኒ ምዃኑን ዝኾነ ኣሰራት ኣካል ናይ ሰባት ከምዘይነበረን ፖሊስ ከምዘረጋገጸ ትገልጽ።

ኒኖ ኤሊዝባራሽቢሊ
መግለጺ ስእሊ, ጓል ኣይሪና ኒኖ ኤሊዝባራሽቢሊ ወትሩ ብዛዕባ እቲ ዝተቐብረ ባልጃ ትሓስብ ምንባራ ትገልጽ

እቶም ዝጠፍኡ ኣሕዋታ ብህይወት ክህልው ከምዝኽእሉ ትኣምን።

ኤሚን ኣኖን ኣብ ሌፕዚግ ኣብ ሆቴል፡ ምስ ወላዲተን ክራኽባ ይዳለዋ ኣለዋ። ኣኖ ሓሳባ ከምዝቐየረትን ካብቲ ሆቴል ክትወጽእ ከምእትደልን ትገልጽ። ጸኒሓ ግና ብዓሚቕ ድሕሪ ምስትንፋስ፡ ክትጸንሕ ወሲና።

ወላዲተን ኣዛ ኣብ ካልእ ክፍሊ ብሻቕሎት ትጽበ ኣላ።

ኤሚ እናተጠራጠረት ነቲ ማዕጾ ክትከፍቶ እንከላ፡ ኣኖ ደድሕሪኣ ዳርጋ እናደፍኣታ ናብቲ ክፍሊ ኣተወት።

ኣዛ ዘሊላ ሓኒቓ ክትስዕመን ጀሚራ። ደቓይቕ ሓሊፉ ዝዛረብ ኣይነበረን።

ኤሚ ብንብዓት ጠልቅያ፤ ኣኖ ግና ጸኒዓ ስቕ በለት።

ቍሩብ’ውን ዝነደረት ትመስል ኔራ።

ሰለስቲአን ብሕት ኢለን ክዘራረባ ኮፍ በላ።

ኣዲአን ድሕሪ ምሕራሳ ሓሚማ ሓለዋታ ኣጥፊኣ ምንባራ ከምዝነገረተን እተን ማናቱ ይዛረባ። ሃለዋታ ምስፈለጠት፡ እቶም ቈልዑ ውልድ ምስበሉ ከምዝሞቱ ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ነጊሮምዋ።

ምስ ኤሚን ኣኖን ድሕሪ ምርኻባ ኣብ ህይወታ ሓድሽ ትርጉም ከምዝረኸበት ትዛረብ።

ብሓደ እኳ እንተዘይኮና ሕጂ’ውን ይራኸባ እየን።

ኣኖ (ጸጋም)፡ ኣዛ (ማእል)፡ ኤሚ (የማን)
መግለጺ ስእሊ, ኣኖ (ጸጋም)፡ ኣዛ (ማእል)፡ ኤሚ (የማን) ንፈለማ እዋን ኣብ ሌፕዚግ ተራኺበን

መንግስቲ ጆርጅያ ኣብ 2022 ነቲ ታሪኻዊ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ህጻናት መርመራ ኣበገሰ። ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንልዕሊ 40 ሰባት እኳ እንተኣዘራረበ፡ እቲ ጉዳያት “ኣዝዩ ዝደንጐየን ታሪኻዊ ሰነዳት ከምዝጠፍአን” ሓቢሩ።

ጋዜጠኛ ታሙና ሙሰሪድዝ ግና ሓበሬታ እኳ እንተሃበት፡ መንግስቲ ነቲ ጸብጻብ መኣስ ከምዘውጽኦ ከምዘይሓበረ ትገልጽ።

መንግስቲ ነቲ ተግባር ንምምርማር ኣርባዕተ ፈተነታት እዩ ኣካዪዱ።

ኣብ 2003 ኣብ ዘካየዶ መርመራ ዓለምለኻዊ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ህጻናት ብዙሓት ሰባት እኳ ኣብ ቀይዲ እንተኣተው፡ ንህዝቢ እኹል ሓበሬታ ኣይተዋሃበን።

ኣብ 2015 መራኸቢ ብዙሓን ጆርጅያ፡ ዳይሬክተር ጀነራል ሆስፒታል መወልዳን ሩስታቪ፡ ኣሌክሳንድረ ባራቭኮቪ ከምዝተኣሰን ጸኒሑ ግና ከምዝተፈትሐን ናብ ስርሑ ምምላሱን ጸብጺበን።

ቢቢሲ፡ ውልቃዊ ጉዳያት ብምጥቃስ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ንሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ጆርጅያ እኳ እንተተወከሰ፡ ውልቃዊ ሓበሬታታት ክዝርግሕ ከምዘይክእል እዩ መሊሱ።

ታሙና ምስ በዓልቲ ሞያ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ሊያ ሙኻሻቭርያ ብምዃን ንገለ ጉዳያት እቶም ግዳያት ናብ ቤትፍርዲ ጆርጅያ ንምውሳድ ትሰርሕ ኣላ። ናይ ትውልዲ ሰነዳቶም ክርእዩ ክፍቀደሎም ይጠልባ።

“ወትሩ ኣብ ህይወተይ ገለ ነገር ወይ ገለ ሰብ ዝጐደለኒ ይመስለኒ፡” ትብል ኣኖ።

“ሓንቲ ጸሊም ዝተኸደነት ንእሽቶ ቈልዓ ደድሕረይ እናኸደት ምሳይ ክትጻወት እሓልም ኔረ።”

እዚ ስምዒት ግና ንኤሚ ምስረኸበታ ጠፊኡ እዩ።