ኣብ 22 ሰሙን ዝተወልዱ ማናቱ ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ሰፊሮም

ኣድያህን ኣድሪያልን

ምንጪ ስእሊ, GUINNESS

Published

ኣብ መበል 22 ሰሙን ዝተወልዱ ካናዳውያን ሓውን ሓፍትን፡ ቅድሚ ግዜኦም ዝተወልዱ ማንታ ብዝብል ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ዓለም [ጊነስ] ሰፊሮም።

ኣድያህን ኣድሪያልን 126 መዓልታት ምስተረፎም ዝተወልዱ ኰይኖም፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብ2018 ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኣዮዋ ብማንታ ቈልዑ ዝተመዝገበ ክብረወሰን 125 መዓልታት ኣመሓይሾምዎ ኣለዉ።

እቶም ህጻናት ካብ 22 ሰሙን ዋላ ሓደ ሰዓት ኣቐዲሞም እንተዝውለዱ ነይሮም በቲ ሆስፒታል ህይወት ናይ ምድሓን ጻዕሪ ኣይምተፈተነን ይብል ጊነስ።

ምሉእ ግዜ ጥንሲ ዝበሃል መብዛሕትኡ እዋን 40 ሰሙን ስለዝዀነ 18 ሰሙን ቅድሚ ግዜኦም እዮም ተወሊዶም ዘለዉ።

ኣደኦም ሻኪና ራጀንድራም፡ ኣብ 21 ሰሙንን ሓሙሽተ መዓልትን ሕማም ሕርሲ ምስ ጀመረት ሓካይም እቶም ዕሸላት "ብህይወት ክተርፉ ዘይክእሉ" ምዃኖምን "0 ሚኢታዊት ናይ ምድሓን ዕድል" ከም ዘለዎምን ከም ዝነገሩዋ ትዝክር።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ጥንሲ ካብ ዝኸዳ ንኻልኣይ እዋን ድሕሪ ምጥናሳ እዩ።

ኣቦ እቶም ማናቱ ኬቪን ናዳራጃህ፡ እቲ ሆስፒታል ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ብኣጋኡ ዘጋጥም ሕርሲ ክሕግዝ ከምዘይክእል ስለዝነገሮም፡ ምሉእ ለይቲ፡ "ገጹ ንብዓት እናተሓፀበ" ይጽሊ ምንባሩ ይዛረብ።

መብዛሕትአን ሆስፒታላት ቅድሚ 24 ክሳብ 26 ሰሙን ኣብ ዘሎ ግዜ ንዝውለዱ ህጻናት ንምድሓን ኣይፍትናን እየን። ዕድል ኰይኑ ግን እዞም መጻምድቲ ናብቲ ኣብ ቶሮንቶ ዝርከብ ስፔሻሊስት ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ህጻናት ዘለዎ ሆስፒታል ማውንት ሲናይ ክኸዱ ክኢሎም።

ወይዘሮ ራጀንድራም ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ሕርሲ ናይቲ 21 ሰሙንን ሽዱሽተ መዓልትን ዘቝጸረ ጥንሲ፡ እቶም ቈልዑ ካብ 22 ሰሙን ዋላ ሒደት ደቓይቕ ኣቐዲሞም እንተተወሊዶም ብህይወት ንምትራፎም ዝግበር ጻዕሪ ከምዘይህሉ ብዶካትር ተነጊርዋ ነይሩ።

ንሳ ብወገና ዋላ ከቢድ ምፍሳስ ደም እናጋጠማ ንተወሳኺ ሒደት ሰዓታት፡ "ነቶም ዕሸላት ሒዛ" ክተጽንሖም [ከይተወለዱ] ዝከኣላ ከምዝፈተነት ተዛሪባ።

ኣብ መወዳእታ እቶም ማናቱ ዝዓብዩሉ ማይ፡ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ፡ ድሕሪ 15 ደቓይቕ ፈሲሱ። ኣብ ውሽጢ ማህጸን 22 ሰሙን ካብ ዘቝጽሩ ክልተ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ተወሊዶም።

ኣድያህን ኣድርያልን ቅድም ክብል ካብ ዘጋጠሞም ከቢድ ፀገማት ጥዕና ወጻእ ዛጊት ሓደ ዓመት መሊኦም ይነብሩ ኣለዉ።

"እቶም ዕሸላት ዳርጋ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ክሞቱ ብዙሕ ግዜ ሪአናዮም" ትብል ሚስስ ራጀንድራም።

ሕጂ'ውን ሓካይም ብቐረባ ክትትል ይገብሩሎም’ኳ እንተሃለዉ፡ እቶም ማናቱ ግን "ኣብ ጽቡቕ ኵነታት" ኣለዉ።