ቱር ላቫኔር፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውን ኣብ ሓንቲ ጋንታ ኮይኖም ዝወዳደርሉ ቅድድም ብሽክለታ

ዓወት ኣማን [ጸጋም] ኪያ ሮጎራ [ማእከል] ኣኽሊሉ ኣረፋይነ [የማን]

ምንጪ ስእሊ, BBC/Getty images

መግለጺ ስእሊ, ዓወት ኣማን [ጸጋም] ኪያ ሮጎራ [ማእከል] ኣኽሊሉ ኣረፋይነ [የማን]
Published

ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ቱር ዲ ፍራንስ ተባሂሉ ዝግለጽ ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ ቱር ዲ ላቫኔር፡ ካብ 20 ክሳብ 27 ነሓሰ ክካየድ’ዩ።

ኣብዚ ሸሞንተ መድረኻት ዘለዎ ውድድር ኣብ ትሕቲ ዩስኢኣይ ኮይና እትወዳደር 'ሴንተር ሞንድያል ዲ ሳይክሊስም' ብምዃን ክልተ ኤርትራውያን፡ ሓደ ኢትዮጵያዊ፡ ክልተ ኣልጀርያንን ሓደ ደቡብ ኣፍሪቓውን ብሓባር ሓንቲ ጋንታ ሒዞም ክወዳደሩ’ዮም።

ኣብ ናይ ዩሲአይ ጋንታ ተሓቒፎም ካብ ዘለዉ ቻምፕዮን ኤርትራ 2023 ዓወት ኣማን፡ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ቻምፕዮን ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፡ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ትሕቲ 23 ዓመት ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2023 ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ኪያ ሮጎራን ብሓባር ኮይኖም ንሓንቲ ጋንታ ክወዳደሩ’ዮም።

እቶም ካልእ ምስ ናይ ዩሲኣይ ጋንታ ብምዃን ኣብ ጎኒ ዓወት፡ ኣኽሊሉን ኪያን ኮይኖም ዝወዳደሩ ኣልጀርያውያን ሓምዛ ኣማሪን ዓብደልከሪም ፈርኮስን ከምኡ ከኣ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ትራቪስ ስተድማን’ዮም።

ኣብዚ ውድድር ቤልጂም፡ ኣውስትራልያ፡ ኦስትርያ፡ ካናዳ፡ ኮሎምብያ፡ ስጳኛ፡ ፈረንሳ፡ ብሪጣንያንን ዝርከብኣን 25 ሃገራውያን ጋንታታት ክሳተፋ’የን።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቱር ዲ ላቫኔር ተሳቲፋ ምንባራ ዝዝከር እዩ።

ዓመታዊ ኣብ ካሜሮን ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ውድድራት ይካየድ እዩ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብቲ ውድድር ክልተ ግዜ ቀዳመይቲ ስለዝወጽአት ኣብ 2009 ከምኡ ኸኣ ኣብ 2012 ኣብ ቱር ዲ ላቫኔር ዘሳትፋ ትኬት ክትረክብ ክኢላ ምንባራ ይዝከር።

ኣብ 2021 ግን ዙር ካሜሮን ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስለዘይተኻደ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ብዘመዝገበቶ ነጥቢ’ያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቱር ዲ ላቫኔር ዘሳትፍ ኮታ ክትርከብ ክኢላ ነይራ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ 2022 ቱር ዲ ላቫኔር ተሸለምቲ ወርቅን ብሩርን መዳልያ ቻምፕዮን ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመት 2022፡ ንያት ርእሶምን ሚልክያስ ቅዱስን፡ ሴላ ወልደሚካኤል፡ ኤፍሬም ገብረህይወትን ናሆም ዘርኣይን መሓሪ ተወልደን ብምጥርናፍ’ያ ብሙሴ ኣስሄል እናተኣለየት ኣብቲ ውድድር ተሳቲፋ።

ኤርትራ ኣብ ቱር ላቫኔር ኣብ 2009 ብዳንኤል ተኽለሃይማኖት ክትውከል እንከላ፡ ኣብ 2012 ናትናኤል ብርሃነ፣ ኤልያስ ኣፈወርቂ፣ ሜሮን ኣማንኤል፣ መኽሰብ ደበሳይ፣ ተስፎም ዑቕባማርያምን እቶም ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምውካል ኣብ ቱር ላቫነር ዝተሳተፉ እዮም።

መርሃዊ ቅዱስ'ውን ኣብ 2013 ምስ ናይ ዩሲኣይ ጋንታ ብምዃን ኣብዚ ውድድር ተሳቲፉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ላቫኔር ሸሞንተ መድራት ዘለዎ ኮይኑ፡ ቀዳሞት ክልተ መድረኻት ጎልጎል፡ ሳልሰይቲን ሻውዓይትን መድረኻት 27 ኪሎሜተር ከምኡ ከኣ 11 ኪሎሜተር ዝሽፍን ናይ ጋንታን ናይ ውልቅን ናይ ግዜ ውድድር፡ ከምኡ ከኣ ሓሙሽተ ተረርቲ ዓቐበታትን ሓውሲ ዓቐበን ዝሓዘ መድረኻት ዘለዎ’ዩ።

ሻውዓይቲ መድረኸ ተቐዳደምቲ ናይ ንግሆ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ብምክያድ ናይ ምሸት ተረርቲ ዓቐበታት ዘለዎ 70 ኪሎሜተር ክሽፉኑ’ዮም። ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ሸሞንቲኡ መድረኻት 900 ኪሎሜተር ክዝውሩ’ዮም።

ኣብ 1961 ዝጀመረ ቱር ዲ ላቫኔር መድረኻቱ ምስ ቱር ዲ ፈራንስ ዝመሳሰል ኮይኑ፡ ንትሕቲ 23 ዓመት ዕድሚኦም ተቐዳደምቲ ዕድል ንምሃብ ዝካየድ ውድድር እዩ።

ተቐዳዳማይ ሕብረት ሶቬት ነበር ሰርጄ ሱኮርቸንኮቭ እቲ እንኮ ኣብዚ ውድድር ክልተ ግዜ [1978 ከምኡ ከኣ 1979] ዝተዓወተ ምዃኑ ሰነዳት ይሕብሩ።

ቱር ዲ ላቫነር 2023 ንመበል 59 ግዚኡ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ቱር ዲ ላቫነር ዝዕወትሉ ተቐዳደምቲ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ክዕወቱ ምርኣይ ዳርጋ ልሙድ’ዩ።

ንቱር ዲ ላቫኔር ካብ ዝተዓወትሉ ተቐዳደምቲ 15 ግዜ ተዓወትቲ ብጫ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ ክኾኑ ምኽኣሎም ከኣ መርኣያ ሓያልነት ናይቲ ውድድር ዘርኢ’ዩ።

ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻ ኣብ 2018 ንቱር ዲ ላቫኔር ተዓዊትሉ ኣብ 2020 ከምኡ ከኣ 2021 ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ ክኸውን ክኢሉ።

ኮሎምብያዊ ኢገቫን በርናል ኣብ 2017 ንቱር ዲ ላቫኔር ተዓዊትሉ ኣብ 2019 ከኣ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ ክኸውን ክኢሉ።

ፈረንሳዊ ላውረት ፊግኖን ኣብ 1988 ንቱር ዲ ላቫኔር ተዓዊትሉ ኣብ 1983 ከምኡ ከኣ 1984 ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ ኮይኑ።

ስጳኛዊ ሙጕየል ኢንዱረይን ኣብ 1986 ንቱር ዲ ላቫኔር ተዓዊትሉ ካብ 1991 ክሳብ 1995 ኣከታቲሉ ንሓሙሽተ ዓመታት ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ ኮይኑ።

ኣሜሪካዊ ክረግ ሊሞንድ ኣብ 1982 ንቱር ዲ ላቭንየር ተዓዊትሉ ኣብ 1986፡ 1989 ከምኡ ከኣ 1990 ተዓዋቲ ብጫ ምልያ ቱር ዲ ፍራንስ ኮይኑ።

ሆላንዳዊ ጁፕ ዞትመሊክ ኣብ 1969 ንቱር ዲ ላቫኔር ተዓዊትሉ ኣብ ዝተፈላለየ ዓመታት 10 ግዜ ተዓዊቲ መድረኽ ዙር ፈረንሳ ብምዃን ኣብ 1980 ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ዙር ፈረንሳ ኮእኑ።

ኢጣልያዊ ፈሊስ ጊሞንዲ ኣብ 1964 ንቱር ዲ ላቫኔር ተዓዊትሉ፡ ኣብ 1965 ተዓዋቲ ብጫ ምልያ ቱር ዲ ፍራንስ ኮይኑ።