ኣብ ክልል ኦሮምያ ቁጽሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጽበዩ ሰባት ወሲኹ - ሕቡራት ሃገራት

ተጸበይቲ ሓገዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ክልል ኦሮምያ እናተጋደደ ዝመጸ ጎንጺ፡ ቁጽሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጽበዩ ነበርቲ ክውስኽ ከምዝገበረ ቤት ጽሕፈት ኣወሃሃዲሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት (ዩኤን ኦቻ) ገሊጹ።

ኣብቲ ክልል ቁጽሪ ተፈናቐልቲ ካብ ምውሳኽ ሓሊፉ፡ ኣብ ቀረብ መሰረታዊ ኣገልግሎት እውን ጸቕጢ ከምዝተፈጠረ እዩ እቲ ጸብጻብ ዘመልክት።

በሰንኪ እቲ ተጋዲዱ ዝቐጸለ ጎንጺ፡ ዛጊድ ክንደይ ዝኣኽሉ ነበርቲ ከምዝተፈናቐሉ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ፡ ሰብ መዚ እቲ ክልል ከምዝሓበርዎ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ 106 ሽሕ ነበርቲ ኣብ ሆሮ ጉድሩ ድማ  116 ሽሕ ነበርቲ ተፈናቒሎም ኣለዉ።

“ኣብቲ ክልል ተደራረብቲ ጎንጺታት ምፍጣሮም ጠለብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክውስኽ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። ነቲ ጎንጺ ስዒቡ ድማ ነበርቲ ካብ ቤት ንብረቶም ይፈናቐሉ ኣለዉ ” ይብል ኦቻ  ኣብቲ ብ 28 ሕዳር 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ዘውጸኦ ጸብጻብ።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ብዝተፈጸሙ ዓሌት መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ሰላማውያን ሰባት ግዳይ ምዃኖም እናተገለጸ ጸኒሑ እዩ።

ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ወለጋ ኣብ ዝርከቡ ወረዳታት ጊዳ ኣያናን ኪረሙን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ብዙሓት ከምዝሞቱን ብምኢቲ ሽሕ ዝቑጸሩ ከምዝተፈናቐሉን ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም እዮም።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ 28 ሕዳር 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ብሰንኪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝተወለዑ ጎንጺታት ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ቅትለት፡ ጉድኣት ኣካልን ምፍንቓልን ከበድቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ።

ቀንዲ ተዋሳእቲ እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተወለዐ ጎንጺ መንግስቲ ሸኔ ኢሉ ዝጽወዖ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ዕጡቓት ኣምሓራን ከምዝኾኑ ዝሓበረ እቲ ኮምሽን፡ ኣብ ዞቦታት እቲ ክልል ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብዘሰቅቕ ኩነታት ብዕጡቓት ከምዝተቐተሉን ቁጽሮም ዘይተፈለጠ ድማ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከምዝበጸሖምን ገሊጹ።

ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብዚ ሰሙን ክንደይ ዝኣኽሉ ነበርቲ ከምዝተፈናቐሉ'ኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ቁጽሪ ናይቶም ዛጊድ ተፈናቒሎም ሓገዝ ዝጽበዩ ሰባት ከምዝወሰኸ ሓቢሩ።

እቲ ክልል ነቶም ካብ ገዝኦም ዝተፈናቐሉ ነበርቲ ተወሳኺ መጽለሊ የዳሉ ከምዘሎ እውን እቲ ጽብጻብ ኣመልኪቱ።

ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ቁጽሪ ሓገዝ ዝጽበዩን ዝመጣጠን ከምዘይኮነ ዝገለጸ ኦቻ፡ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ዝደልዩ 19 ሽሕ ስድራቤታት፡ እቶም 1100 ጥራሕ፡ ኣብ ምብራቕ ወለጋ ሓገዝ ካብ ዝደልዩ 30 ሽሕ ስድራቤታት ድማ 9337 ጥራሕ ሓገዝ ከምዝረኸቡ ገሊጹ።

እቲ ትካል፡ ብሰንኪ ሕጽረት በጀትን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘሳልጡ መንገድታት ምስኣንን፡ ኦሮምያ ሓዊሱ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዘብጸሐሎም ከባቢታት፡ ካብቶም ሓገዝ ዝደልዩ ነቶም ፍርቂ ዝኾኑ እኳ ከብጽሕ ከምዘይከኣለ ኣብ ጸብጻቡ ኣካቲቱ ኣሎ።

ብፍላይ ብድርቂ ኣብ ዝተጠቕዑ ከባቢታት እቲ ክልል ድማ ድዳኸ ህጻናት ከምዘጋጠመ ኦቻ ጠቒሱ።

ዛጊድ ምርመራ ካብ ዝተገበረሎም 563 ሽሕ ህጻናት፡ ኣብቶም 1.96 ምኢታዊት ዝኸፈአ ከምኡ ድማ ኣብ 18 ምኢታዊት ውሱን መጠን ድዳኸ ተራእዩ ኣሎ።

ሕማማት ኮሌራን ንፍዮን ከምኡ እውን ሕጽረት ምግቢ ንኩነታት ናይቶም ኣብቶም ብድርቂ ዝተጎድኡ ከባቢታት ዘለዉ ህጻናት ከምዘጋደዶ እውን ጸብጻብ ኦቻ ወሲኹ ሓቢሩ።