ኣብ ምዕራብ ሸዋ ሓያሎ ሰራሕተኛታት ስሚንቶ ዳንጎቴ ብዕጡቓት ከምዝተጨውዩ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ክልል ኦሮምያ: ዞባ ምዕራብ ሾዋ: ወረዳ ኣደኣ በርጋ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ስሚንቶ ዳንጎቴ ብኣባላት ዕጡቓት ጉጅለ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከምዝተጨውዩ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቶም ልዕሊ 30 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት እቲ ፋብሪካ ሲሚንቶ ትማሊ ረቡዕ 21 ሕዳር 2015 ወጋሕታ ከምዝተጨወዩ ቢቢሲ ካብ ነበርትን ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ካብ ዘለዎም ምንጭታትን ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ስግኣት ጸጥታ፡ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነባሪ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ብናይቲ ኩባንያ መጓዓዝያ ኣውቶቡስ ናብ ሓደ ቦታ ዕደና ሲሚንቶ እናተጓዕዙ እንከለዉ በቲ ዕጡቕ ጉጅለ ከምዝተጨውዩ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቶም ሰራሕተኛታት ብኣውቶቡስ ናብ "ናብ መጥሓኒ እምኒ ዝርከቦ በረኻ" እናተጓዕዙ ከለዉ ጅሆ ከምዝተታሕዙ እቲ ነባሪ ገሊጹ።
እቲ ነባሪ ከምዝብሎ፡ እቶም ዕጡቓት ነታ መኪና ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ነተን ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን ፈሊዮም ነቶም ዝተረፉ ጨውዮሞም።
ዳንጎተ ሲሚንቶ ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ሓደ ኢንቨስተር ብዝኾነ ናይጀርያዊ ኣሊኮ ዳንጎቴ ዝውነን ኮይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዋ ዓበይቲ ፋብሪካታት ሲሚንቶ ሓደ እዩ።
እዚ እቶም ሰራሕተኛታት ብኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝተጨውዩሉ ፋብሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንምዕራብ ኣስታት 100 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ይርከብ።
እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ነቶም ዝማረኾም ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ሲሚንቶ ንምፍታሕ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዙሕ ገንዘብ ከምዝሓትት ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ፋብሪካ ሲሚንቶ ዳንጎተ ብዛዕባ ማእሰርቲ እቶም ሰራሕተኛታት ይኹን እቲ ተሓቲቱ ዝተባህለ ክፍሊት ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ነገር ኣይገለጸን።
ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ዝተሓተተ ወሃቢ ቃል እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብወገኑ መልሲ ኣይሃበን። ቅድሚ ሕጂ፡ "ኣብቲ ዕጡቓት ዝንቀሳቐሱሉ ቦታታት ሰባት እናጨወዩ ገንዘብ ዝሓቱ ኣባላት ሰራዊተይ ኣይኮኑን" ኢሉ ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ ኣብተን ፋብሪካታት ስሚንቶ ዝርከበለን ዞባ ምዕራብ ሽዋን ሰሜን ሽዋን ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተሓተቲ ዝኾንሉ ቅትለትን ማእሰርትን ይሰማዕ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ዝተኣሰሩ ሰባት ንምፍታሕ ገንዘብ ከምዝሕተት ብሰፊሑ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ሓደ ካብቲ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብሰፊሑ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢታት እቲ ብዙሓት ፋብሪካታት ሲሚንቶ ዝርከቦ ወረዳ ምዕራብ ሾዋ ኣዳኣ በርጋን ከባቢኡን እዩ።
ኣብዚ ዓመት መስከረም 23/2015 ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሲሚንቶ ሙገር ዝጸዓነት ኣውቶቡስ ብዝኸፈቶ ተዂሲ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱን ሓያሎ ድማ ከምዝቖሰሉን ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን፡ ወጻእተኛታት ዝርከብዎም ኣስታት 30 ሰራሕተኛታት ስሚንቶ ኢትዮ ተጨውዮም ድሕሪ ሰሙናት ተፈቲሖም ነይሮም።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝፈጸሞም መጥቃዕቲታት ሓዊሱ፡ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣስሩ ከምዘለዉን ንኽፍትሑ ድማ ብዙሕ ገንዘብ ይጠልቡ ከምዘለዉን ሓቢሩ።
እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ፡ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ፋሕ ኢሉ ኣብ ነንሕድሕዱ ይጋጮ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እቶም ዕጡቓት ዝኾነ "ፖለቲካዊ ኣጀንዳ" ከምዘይብሎም ገሊጹ።
ገለ ሰባት፡ መንግስቲ፡ ከምቲ ምስ ሓይልታት ትግራይ ተዛትዩ ነቲ ክልተ ዓመት ዝገበረ ኲናት ንምቁራጽ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምስዚ ጉጅለ’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንክወስድ ሓሳብ እኳ እንተቕረቡ፡ በዓል ስልጣን ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሃይሉ ኣዱኛ ግን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ መንግስቲ ምስቲ ጉጅለ ኮፍ ኢሉ ከምዘይዛተ ምግላጹ ይዝከር።
![ኣቦመንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል [ዶ/ር] ፡ ምክትሉ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ህወሓት ወ/ሮ ፈትለ ወርቅ ገ/ሄርን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/799f/live/0f041500-6b1f-11f1-8546-8f19e4fe30f4.jpg.webp)





![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
