ግምት ጸወታታት ፕሪሚየር ሊግ ሎምን ጽባሕን

ኣርማ ሊቨርፑል ኣርሴናልን
Published

ተንታኒ ስፖርት ቢቢሲ ክሪስ ስቶን ነዚ ሎምን ጽባሕን ዝካየድ ጸወታታት ፕሪሜርሊግ ግምታቱ ሂብሉ ኣሎ፡

ሊቨርፑል ነታ ኣብ ቅድሚት ብምዃን ንጸወታታት ፕሪሜርሊግ ትቕልስ ዘላ ኣርሰናል ዓዲማ ተካይደ ጸወታ እቲ ዝያዳ ኣቓልቦ ስሒቡ ዘሎ ጸወታ ኮይኑ፡ ክሪስ ስቶን ነዚ’ውን ግምቱ ሂብሉ ኣሎ።

ንቐደም በሉ።

ቀዳም

ማንቸስተር ዩናይትድ ኣንጻር ኤቨርተን

ኣርማ ማንቸስተር ዩናይትድን ኤቨርተንን
መግለጺ ስእሊ, ኣርማ ማንቸስተር ዩናይትድን ኤቨርተንን

ብ53 ነጥቢ ራብዓይቲ ዘላ ማንቸስትር ዩናይትድ ነታ ብ27 ነጥቢ ኣብ መበል 16 ዘላ ኤቨርተን ዓዲማ ተካይዶ ጸወታ፡ ዋላ ድኣ ማንቸስተር ብረቡዕ ንብረንትፎርድ ስዒራ ምስ ፍናና ትሃሉ’ምበር ቀሊል ጸወታ ኣይክኾነላን’ዩ።

ማንቸስተር ራብዓይቲ ወይ ልዕሊኡ ደረጃ ሒዛ ጸወታኣ ንኽትዛዝም ዓቢ ግድል’ዩ ኣብ ቕድሚኣ ተኾይጡ ዘሎ።

ክሪስ ስቶን ንህሉው ብቕዓት እዘን ክልተ ጋንታታት ኣብ ግምት ብምእታው ግን እቲ ጸወታ ማንቸስተር ኣብ ሜድኣ ከም ምዃኑ መጠን ብዓወታ ከምዝዛዘም ግምት ሂቡ ኣሎ።

ግምት ክሪስ ስቶን ማንቸስተር 2 ኤቨርተን 1

ኣስቶን ቪላ ኣንጻር ኖቲንግሃም ፎረስት

ኣርማ ኣስቶንቪላን ኖቲንግሃም ፎረስትን

ኣብ መበል ሻውዓይ ዘላ ጋንታ ነታ ኣብ መበል 17 ዘላ ጋንታ ዓዲማ ተካይዶ ጸወታ’ዩ ኢልካ ንደረጀአን ጥራይ ብምርኣይ ግምት ክውሃብ ምተኸኣለ፡ ጸወታታት ፕሪሜር ሊግ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ካልእ መወሰኽታ ምኽንያታት ከተቕርብ ኣለካ።

ናብ ግምተይ ክምለስ ኖቲንግሃም ኣብዚ ወቕቲ ሒዛቶ መጺኣ ዘላ ትሑት ብቕዓት ናብ ሓደጋ’ዩ ኣውዲቕዋ ዘሎ፡ ነዚ ኸኣ ደጋጊመ ገሊጺዮ’የ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ኸኣ ዝኾነ ዓወት ኣየመዝገቡን፡ ሕጂ’ውን እታ ብኡናይ ኢመሪ እናትኣለየት ጽቡቕ ትግስግስ ዘላ ኣስቶን ቪላ ዕድል ኣይክትህቦምን እያ።

ግምት ክሪስ ስቶን ኣስቶንቮላ 2 ኖቲንግሃም ፎረስት 0

ብሬንትፎርድ ኣንጻር ኒውካስል

ኣርማ ብረይንትፎርድን ኒውካስልን
መግለጺ ስእሊ, ኣርማ ብረይንትፎርድን ኒውካስልን

ኒውካስል ኣብ ዝሓለፈ ዘካየደቶ ኣርባዕተ ጸወታታት ንኹሉ ብምዕዋት 12 ነጥቢ ክትግሕጥ ክኢላ’ያ፡ ኣብ ሰሌዳ ፕሪሜር ሊግ ከኣ ብ53 ነጥቢ ኣብ መበል ሳልሳይ ተሰሪዓ ትርከብ።

ብረይንትፎርድ ብወገና ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ጸወታታት ክልተ ተሳዒራ፡ ክልተ ግዜ ማዕረ ወጺኣ ሓንሳብ ጥራይ’ያ ስዒራ።

እዚ ኸኣ ኣብ ናይ ጽባሕ ጸወታ ርኡይ ጽልዋ ክህልዎ’ዩ።

ኒውካስል ብዓወት ክወጽኡ’ዮም።

ግምት ክሪስ ስቶን ብሬንትፎርድ 1 ኒውካስል 2

ፉልሃም ኣንጻር ዌስት ሃም

ኣርማ ፉልሃምን ዌስትሃምን
መግለጺ ስእሊ, ኣርማ ፉልሃምን ዌስትሃምን

ፉልሃም ኣብ መበል 10 ዌስትሃም ከኣ ኣብ መበል 15 እየን ዘለዋ።

ፉልሃም ኣብ ዝሓለፈ ሰለስት ጸወታታት ብተኸታታሊ ክስዓሩ እንከለዉ፡ ዌስትሃም ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ጸወታታት ክልተ ግዜ ስዒሮም፡ ክልተ ግዜ ተሳዒሮም ሓንሳብ ማዕረ ወጺኦም።

ዌስትሃም ልዕሊ እዚ ጸወታ ኣብ ዝቕጽል ጸወተኦም ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ ምዃኑ’ውን ካልእ ጸቕጢ ዝፈጥረሎም ጉዳይ’ዩ።

ዌስትሃም ዋላ ድኣ ኣብ መበል 15 ደረጃ ትሃሉ’ምብር ክሳብ መበል 18 ዘለዋ ንዓኣ ሓዊስካ ኣርባዕተ ጋንታታት ተመሳሳሊ 27 ነጥቢ ስለዘለወን ናብ ድሕሪት ናይ ምምላስ ደበና ኣብ ልዕሊኣ’ዩ ዝዝምቢ ዘሎ።

ክልቲአን ጋንታታት ምስ ብዙሕ ጸቕጢ ናብዚ ጸወታ ይኣትዋ ስለዘለዋ እቲ ጸወታ ክንደየናይ መሳጢ ከይከውን።

ግምት ክሪስ ስቶን ፉልሃም 1 ዌስትሃም 1

ሌስተር ሲቲ ኣንጻር በርንማውዝ

ኣርማ ለሲስተርን በርንማውዝን

ለሲስተር 25 ነጥቢ ጥራይ ኣዋህሊላ ካብ ቀዳማይቲ ዘላ ኣርሰናል ብ47 ነጥቢ ድሒራ ኣብ መበል 19 ክትስራዕ ናይ ማንም ግምት ኣይነበረን።

በርንዋዝ ከኣ ካብ ሌስተር ሲቲ ብክልተ ነጥቢ ጥራይ ተፈንቲታ ብ30 ጎል ዕዳ ዘቕቢባ ኣብ መበል 18 እያ ተሰሪዓ ትርከብ።

ሓቒ ንምዝራብ ነዚ ጸወታ ግምት ክትህበሉ ከቢድ’ዩ።

ግምት ክሪስ ስቶን ሌስተር ሲቲ 2 በርንማውዝ 1

ግምት ካልእ ጸወታታት

ቶቶንሃም 1 ብራይተን 2

ዎልቭስ 1 ቸልሲ 1

ሳውዝሃምፕተን ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ

ኣርማ ሳውዝሃምፕተንን ማንቸስተርሲትን
መግለጺ ስእሊ, ኣርማ ሳውዝሃምፕተንን ማንቸስተርሲትን

ሳውዝሃምፕተን ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዋንጫ ካራቦኣ ንማንቸስተር ሲቲ ስዒራታ ነይራ’ያ፡ ነዚ ኸኣ ፔፕ ጓርድየላ ዝርስዖ ኣይኮነን።

ኢርሊንግ ሃላንድ ናብ ጸወታ ምስ ምምላሱ ንማንቸስተር ሓደ ድርዒ’ዩ።

እዚ ጸወታ እዚኣ ኸኣ ማንቸስተር ሲቲ ሕነ ዝፈድይሉ’ዩ።

ናይ ሎሚ ጸወታ ብምስዓር ከኣ ዋላ ድኣ ንሓደ መዓልቲ ይኹን ምስ ኣርሰናል ዘለዋ ፍልልይ ከተጽብቦ’ያ።

ግምት ክሪስ ስቶን ሳውዝሃምፕተን 0 ማንቸስተር ሲቲ 3

ሰንበት

ሊድስ 1 ክሪስታል ፓላስ 0

ሊቨርፑል ኣንጻር ኣርሴናል

ኣርማ ሊቨርፑልን ኣርሴናልን
መግለጺ ስእሊ, ኣርማ ሊቨርፑልን ኣርሴናልን

እዚ ጸወታ እዚ ኣብዚ ሰሙን እቲ ኣዝዩ ሰሓብን ሰባት ብሃንቀውታ ዝጽበይዎን’ዩ ኢልካ ክግለጽ ይክኣል’ዩ።

ኣርሰናል ብ72 ነጥቢ ነዚ ውድድር ትቕሎሶ ዘላን ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ጸወታታት ብተኸታታሊ ሓሙሽተ ጸወታታት ስዒራ 15 ነጥቢ ዝኣከበት ጋንታን’ያ ኮይና ዘላ።

ብሓደ ጸብለልታ ጸወታ ነታ ትስዕባ ዘላ ማንቸስተር ሲቲ ናይ ሸሞንተ ነጥቢ ፍልልይ ኣንጺፋትላ ኣላ።

ሊቨርፑል ብወገና ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ጸወታታት ሓንሳብ ማዕረ ወጺኣ፡ ክልተ ግዜ ተሳዒራ ክልተ ግዜ ስዒራ ብ43 ነጥቢ ኣብ መበል ሻሙናይ ትርከብ።

ኣብ ዝሐለፈ እዋን ምስ ቸልሲ ዝገጠመት ሊቨርፑል ማዕረ ዝኾነ ውጺት’ያ ኣመዝጊባ: ኣብ ጸወታ ግን ዓብላልነታ ኣርእያ እያ።

ሊቨርፑል ምስ ቀዳሞት ኣርባዕተ ኮይና ጸወታኣ ንምዝዛም ዝነበረ ውጥን ቕሂሙ’ዩ። ምኽንያቱ ምስታ ራብዓይቲ ዘላ ማንቸስተር ዩናይትድ ዘለዋ ናይ ነጥቢ ፍልልይ 10’ዩ ዘሎ።

ሊቨርፑል ኣብ መስመር መጥቃዕቲ ድሓን ኣለዉ ኢልካ ክግለጽ ይክኣል’ዩ ኣብ መስመር ምክልኻል ግን ሕጂ’ውን ብዙሕ ጽገናታት ከድልዮም’ዩ።

ኣርሰናል በዚ ሒዞሞ ዘለዉ ኣቃውማ ካብ ኣንፊልድ ክሳዶም ኣቕኒዖም ዘይወጽእሉ ምኽንያት ኣይርኣየንን’ዩ።

ኣርሰናል ካብ 2012 ጀሚሮም ኣብ ኣንፊልድ ዓወት ኣመዝጊቦም ኣይፈልጡን’ዮም፡ እቲ ኣብ 2012 ተጻዋታይ ኮይኑ ንሊቨርፑል ዝሰዓረ ሕጂ ንኣርሰናል ዘሰልጥን ዘሎ ሚከል ኣርቴታ፡ ነቲ ናይ 2012 ዓወቱ ኣሰልጣኒ ኮይኑ ሰንበት ክጽንብሎ’ዩ ግምተይ።

ግምት ክሪስ ስቶን ሊቨርፑል 1 ኣርሴናል 3