ዘተ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ድሕሪ መረጻ ኬንያ ክጅመር ከምዝኽእል ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, OFFICE OF THE PM
ኣብ ሞንጐ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ዝግበር ዘተ፡ ድሕሪ ወርሒ ነሓሰ ክጅመር ተስፋ ከም እትገብር ሓንቲ ላዕለወይቲ በዓልቲ መዚ ኣሜሪካ ተዛሪባ።
ሞሊ ፊ፡ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብሽምግልና ንምፍታሕ ወሳኒ እጃም ኣብ ዘለዋ ኬንያ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝካየድ ምርጫ ከም ዝጅመርን ንኮሚቴ ባይቶ ሃገራ ከም ዝተዛረበትን ሓቢራ።
ኣብ ኬንያ፡ 9 ነሓሰ 2022 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክካየድ እዩ።
ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኬንያን እቲ ኲናት ደውው ንምባል ድርድር ንኽጅመር ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ክገብሩ'ኳ እንተጸንሑ፡ እቲ ኲናት ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ኣስዒቡ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ምስ መራሕቲ ትግራይ ዝግበር ዘተ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ድልየት ከም ዘለዎ ክገልጽ እንከሎ፡ መራሕቲ ትግራይ ግን እቲ ድርድር ብመሪሕነት እቲ ግዜ መዝነቱ ዝውድእ ዘሎ ፕረዚደንት ኬንያ፣ ኡህሩ ኬንያታ ክካየድ ከም ዝደልዩ ክገልጹ ጸኒሖም።
ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ላዕለወይቲ ዲፕሎማት ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝዀነት ሞሊ ፊ፡ ንኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብ ኬንያ ዝካየድ መረጻ ግዜ ሰሌዳ እቲ ድርድር ከየዛብዖ ኣይተረፈን ኢላ።
ወሲኻ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ዝተፈላለያ ሃገር ምብጻሕ ዝጀመረ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ “እቲ ድርድር ንቕድሚት ንኽስጕም ኣሜሪካ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ምስ ክልቲኦም ወገናት ክዛተ’ዩ” ክትብል ተዛሪባ።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ጋዜጠኛታት መግለጺ ዝሃበ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ምስ መንግስቲ ንዝግበር ዝርርብ ቅድመ ዅነትን ግዜ ገደብን ከም ዝተቐመጠ ተዛሪቡ ነይሩ።
ቅድሚ እቲ ዝርርብ ምጅማሩ ድማ፡ ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ ከም ዘለዎም ብምግላጽ ኣብቲ ዝተቐመጠ ግዜ ገደብ እንተዘይጀሚሮም ግን ኲናት ክጅምር ከም ዝኽእል ገሊጹ።
ትማሊ ሓሙስ ምስ ልኡኻት ሕቡራት መንግስታት፡ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ዝተዘራረቡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጲያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ሚኒሰተር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቲዎስን፡ እቲ ዘተ ብዘይቅድመ-ዅነት ዘተ ክጅመር ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሮም።
ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣምባሳደራትን ጕጅለ ፍሉይ ልኡኽን ናብ መቐለ ንኽኣትው ከም ዘፍቀደ ኣምባሳደር ሬድዋን ገሊጹ።
ድሕሪ እዚ ግን መራሕቲ ህወሓት ዝሃብዎ ርእይቶ የለን።
ኣሜሪካ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ናይ ቪዛ እገዳ ክትገብር እንከላ፡ ንኢትዮጵያ'ውን ካብቲ ሃገራት ምህርታተን ብዘይ ቀረጽ ናብ ኣሜሪካ ከእትዋ ዝፈቅድ ተጠቃምነት ኣጐዋ ሰሪዛታ እያ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
