ቤተልሄም፡ ጽንብል ልደት ሓሪምዋ 'ምስ ጽላሎታ' ትበኣስ ዘላ ከተማ

ቤተልሄል ቤተክርስትያን
Published

ኣብ ቤተልሔም ዘሎ ሃዋህው ከቢድ እዩ።

ሎሚ ዓመት ጽምብል ልደት ኣብ ቤተልሄም ተሰሪዙ። እቶም ኣደባባይ ማንገር ክመልኡ ዝነበሩ ኣሽሓት በጻሕትን ፍጹም ኣይረኣዩን።

“ኣብታ ከተማ ሓጐስ የለ፡ ቈልዑ የለዉ፡ ሳንታ’ውን የለን፤ ሎሚ ዓመት ጽምብል ዝበሃል የለን” ትብል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም እትርከብ ቤተልሄም እትነብር ማድሊን።

እቲ ኵሉ ግዜ ኣብ ማእከል ኣደባባይ ዝትከል ጽሕዲ ልደት የለን፤ ዝዀነ ሃዋሁ ልደትን ዕዳጋኡን የለን።

ኣብ ክንድኡ፡ ነቶም ኣብ ቓዛ ዝቕዘፉ ዘለዉ ህጻናት ክብሪ ንምሃብን ንምዝካርን፡ ምስሊ ሓድሽ ዝተወልደ የሱስ ብዓበይቲ ኣኻውሕን ኣእሻኹን ተኸቢቡ ዘርኢ ምስሊ ልደት ተተኺሉ ኣሎ።

ኣብቲ ብዘይተለምደ መገዲ ፍጹም ባዶ ዝዀነት ቤተክርስትያን ቀሺ ዒሳ ታልድጅያ ከተማኦም፡ 'ጽላሎት ገዛእ ርእሳ' ጥራይ ሒዛ ከምዘተረፈት ይዛረቡ።

እቶም ካህን፡ “ኣብ ቤተልሄም እየ ተወሊደ፤ ኣብዛ ቤተክርስትያን ድማ ን12 ዓመታት ካህን ኰይነ ኣገልጊለ፤ ከምዚ ዓይነት ግን ርእየ ኣይፈልጥን - ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19'ውን እንተዀነ” ብምባል እቲ ዝተሰምዖም ይገልጹ።

“ኣብ ቓዛ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉና፤ እዚ እዩ ድማ ነቲ ጽንብል ዘይምቹእ ዝገብሮ፤ ጸሎት 'ሓድነት' ግን ጽቡቕ'ዩ።”

ጃውዳት ሚካኤል ኣብ ቤተልሄም እዩ ዝነብር። ስድራኡ ግን ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ተዓጽዮም ኣለዉ። ወለዱ፡ ሓዉን ካልኦት ኣዝማዱን፡ ኣብ ምብራቕ ቓዛ፡ ብደብዳብ እስራኤል ዝዓነወ ከባቢ፡ ኣብ ጥቓ ሸጃያ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅድስቲ ስድራ ተዓቚቦም ጸኒሖም ኣለዉ።

ጃውዳትን ጋዜጠኛ ቢቢሲን እናዕለሉ፡ ኣቦኡ ሃን'ና ሚካኤል ተሌፎን ደዊሉሉ።

ጃውዳትን ጋዜጠኛ ቢቢሲን እናዕለሉ፡ ኣቦኡ ሃን'ና ሚካኤል ተሌፎን ደዊሉሉ።
መግለጺ ስእሊ, ጃውዳትን ጋዜጠኛ ቢቢሲን እናዕለሉ፡ ኣቦኡ ሃን'ና ሚካኤል ተሌፎን ካብ ቓዛ ደዊሉሉ።

እቲ መስመር ተሌፎን ጽቡቕ ኣይነበረን፤ እንተዀነ ግን ሃን'ና ንወዱ፡ ስድራቤት ብሓፈሻ ደሓን ከምዘለዉ ነጊርዎ፤ ድሕሪ ልዕሊ ክልተ ሰሙን ንፈለማ እዋን ካብቲ ተዓቚቦምሉ ዘለዉ ቤተክርስትያን ወጺኡ ገለ መግቢ ንምርካብ ክፍትን ከምዝኸኣለ ነጊርዎ።

ኣብ ከባቢ እቲ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ኵሉ ከምዝዓነወ፡ ኵሉ ድኳናት ከምዝተቓጸለን ብምግላጽ፡ "ፍጹም ዓንዩ'ዩ” ይብል።

ርክባት ደው ኢሉ፡ ዝስተ ማይ የለን፡ መግቢ'ውን ውሑድ'ዩ - “ብህይወት ንኽትጸንሕ እምበር ከብድኻ ዝመልእ ኣይኰነን፡” ይብል።

ሃን'ና ብውሑዱ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልደት ክሳብ ክንደይ ፅቡቕ ምንባሩ ክዝክር እንከሎ ብኽያት ቀደሞ፤

"ተኣኪብና ቤተክርስትያን ንሸላልም ኔርና፤ ሕጂ ግን ካብዚ መዓት’ዚ ብህይወት ክንወጽእ ጥራይ ኢና ንጽሊ ዘለና፡” ይብል።

እታ ስድራቤት ኣመና ዘስካሕክሕ ክሳራ ኣጋጢምዋ ኣሎ።

ጀውዳት ስድራቤቱ ኣብ ቤተክርስቲያን ተዓቚቦም ጸኒሖም። ኣብኡ ድማ ንዝፈትውዎም ኣባላቶም  ቀቢሮምዎም።

ምንጪ ስእሊ, ANTON FAMILY

መግለጺ ስእሊ, ጀውዳት ስድራቤቱ ኣብ ቤተክርስቲያን ተዓቚቦም ጸኒሖም። ኣብኡ ድማ ንዝፈትውዎም ኣባላቶም ቀቢሮምዎም።

ካብ ምጅማር ኲናት ኣትሒዙ ስድራኡ፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ተዓቚቦም ጸኒሖም። ኣብኡ ድማ ንዝፈትውዎም ሰባት ቀቢሮምዎም ኣለዉ።

እዛ ስድራቤት ንኣማውታኦም ዝምልከት ንወተሃደራት እስራኤላውያን ትኸስስ፤ ሰራዊት እስራኤል ግን መርመራ ከካይደሉ ምዃኑ ይገልጽ።

ሃን'ና እናነብዐ፡ ክልተ ኣባላት ስድራኡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ከም ዝሞቱ ንወዱ ነጊርዎ፡ “ክጽወር ዘይከኣል ስንባደ እዩ ነይሩ...።"

ጸኒሑ ዓቢ ምፍንጃር ተሰምዐ፤ ድሕሪኡ ጃውዳት ንኣቦኡ ከይተሰናበቶ ካልኣይ ድምጺ ተሰምዐ።

ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተልሄም፡ ደወል ኣብያተ ክርስትያን እናደወለ፡ ገለ ደቂ ዓዲ ኣብ ዙርያ ምስሊ የሱስ ዝርከቦ ፍርስራስ ተኣኪቦም፡ ብመጕልሒ ድምጺ፡ ብቛንቋ ዓረብ ክዝምሩ ይስማዕ፤ 'ሰላም ንህጻናት - ሰላም!' እናበሉ’ውን ጸዊዖም።

ዓሰርተታት እውን፡ ኣብ ማእከል እቲ እኩብ ሰብ ባንዴራ ፍልስጤም ከንበልብሉ ተራእዮም።

ላቲናዊ ፓትርያርክ እየሩሳሌም ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ነቲ ልሙድ መደረኦም በዓል ልደት ንምስማዕ ኣብ ቤተልሄም ተረኺቦም።

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ላቲናዊ ፓትርያርክ እየሩሳሌም ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ነቲ ልሙድ መደረኦም በዓል ልደት ንምስማዕ ኣብ ቤተልሄም ተረኺቦም።

ላቲናዊ ፓትርያርክ እየሩሳሌም ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ነቲ ልሙድ መደረኦም በዓል ልደት ንምስማዕ ኣብ ቤተልሄም ተረኺቦም።

እቲ ህቡብ ጸሊምን ጻዕዳን ሽራጥ ዘለዎ ዑማ ፍልስጤማዊ ደሪቦም።

ናብቲ ቤተክርስትያን ቅድሚ ምእታዎም ድማ፡ “ኣዝዩ ዘሕዝን በዓል ልደት” ክብሉ ገሊጾምዎ።

“ኣብ ዘስካሕክሕ ኲናት ኢና ዘለና። ሓሳብና ቅድሚን ልዕሊን ኵሉ ናብ ቓዛ፤ ናብቲ ኣብ ቓዛ ዝሳቐ ዘሎ ክልተ ሚልዮን ህዝብና እዩ” ኢሎም።

ወሲኾም እቶም ካህን፡ “ተዅሲ ደው ምባል’ውን እኹል ኣይኰነን” ኢሎም።

"ዓመጽ ዓመጽ ጥራይ ስለዝወልድ፡ ነዚ ተጻብኦታት’ዚ ደው ኣቢልና እቲ ምዕራፍ ክንቅይሮ ኣለና።”

ካብ ኣደባባይ ማንገር ሒደት ስጉምትታት ርሒቐን፡ ገለ ድኳናት ተኸፊተን’ኳ እንተለዋ፡ እቲ ልሙድ ውዕዉዕ ዕዳጋ ግን የለን።

እቲ ፍሉጥ ኢደጥበባዊ ሻርፓታት ፍልስጤማውያን፣ ክሹኽን ገለ ቅርስታትን ኣብ ደገ ድኳናት ተንተልጢሉ ይርአ።

ድባብ ሎሚ ዓመት፡ ነቲ ዕሙር ወቕቲ ዕዳጋ ዘተኣናግድ ኣይኰነን።

“ኣብ ቓዛ ብዙሓት ሰባት እናተቐዝፉ፡ [ኣብዚ ልደት] ክንጽንብል ኣይንኽእልን ኢና” ይብል ዓቡድ ሱቡህ ዝተባህለ ወናኒ ድኳን።

ከተማኡን ንግዱን ብኸምዚ ኵነታት ምርኣዩ ከምዘሕዝኖ ብምግላጽ፡ ሎሚ ዓመት በዓል ልደት ምጽንባል ጌጋ ኰይኑ ከም ዝስምዓና ገይሩ፤።

“ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ኣይኰናን ዘላና፤ ኣብዚ ኣብ ፍልስጤም እናነበርና ክንሕጐስ ኣይንኽእልን።”