በዓል ልደት ንምኽባር ብዙሓት ቤተልሄም ኣትዮም

መእመናን

ምንጪ ስእሊ, SHUTTERSTOCK

Published

ሎሚ ዕለት 25 ዝኽበር በዓል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ንምኽባር ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝተበገሱ ብዙሓት ኣመንቲ ክርስትና ናብ ቤተልሄም ኣትዮም።

ብዓሰርተ ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣመንቲ ክርስትና ሎሚ ኣብ እስራኤል ቤተልሄም በዓል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ከኽብሩ’ዮም ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሰባት ናብታ ቅድስቲ ስፍራ ከምዝኾነት እትግለጽ ቤተልሄም ዝገበርዎ ጕዕዞ ተኣጓጕሉ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ቁጠባዊ ዓቕሚ እታ ከተማ ኣንቈሊቍሉ ጸኒሑ’ዩ።

ንኣስታት ክልተ ዓመታት ሰብ ሓሪምዎም ዝጸንሑ ጐደናታት ቤተልሄም ሎሚ ብምእመናን ተጨናኒቘም ኣለዉ።

እንተዀነ ቍጽሪ በጻሕቲ ምእመናን ሎምዘበን ምስ እቲ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምኽሳቱ ዝነበረ ብምንጽጻር ውሑድ ከምዝዀነ ተፈሊጡ።

ካብቶም ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመጽኡ ኣመንቲ ክርስትና ብተወሳኺ ካብ ፍልስጤም ዝመጽኡ ምእመናን’ውን ኣብታ ኣብ ራብዓይ ክፍለዘበን ዝተሃነጸት ቤተ ክርስትያን ኣብ ፍርቂ ለይቲ ዝካየድ ስርዓተ ቅዳሴ ክሳተፉ’ዮም።

ኣብታ ኣብ ትሕቲ ወራር እስራኤል እትርከብ ዌስት ባንክ ግን በዓል ልደት ብህውከትን ዕግርግርን ተዓጂቡ ይኽበር ከምዘሎ ተገሊጹ።

መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ዝተፈላለዩ ጣዕመ ዜማታት ብዝጻወቱ ጕጅለ ሙዚቃ ስካዉት ተዓጂቦም ካብ እየሩሳሌም ናብ ኣደባባይ መንገር በጺሖም። ኣብታ እየሱስ ክርስቶስ ከምዝተወለደላ ዝእመነላ ቤተልሄም ድማ ስርዓተ ቅዳሴ ኣካይዶም።

ቍጽሪ በጻሕቲ ኣመንቲ ዋላ’ኳ ካብቲ ናይ 2019 ዝነከየ እንተዀነ ጐደናታት ግን ብምእመናን ተጨናኒቘም ከምዘለዉን ሆቴላት ብብዝሒ ኣጋይሽ ከምዝመልኡን ተሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ኣብ ንግዲ ተዋፊሮም ዝርከቡ ነጋዶ በቲ ዘሎ ኵነታት ቍጠባ ክዓቢ’ዩ ዝብል ተስፋ ሰኒቘም'ኳ እንተለዉ በቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝጋደድ ዘሎ ጎንጺ ግን ስግኣት ኣለዎም።

ኣብ ታሪኽ እስራኤል ጥሩፍ የማናይ ጸግዒ ዝወሰደ ፖሊሲ ከምዝኽተል ዝተዘርበሉ ሓድሽ መንግስቲ ቤንጃሚን ነታንያሁ ናብ 6ይ ዘመነ ስልጣን ንኽምለስ ዘመላኸተ’ዩ ተባሂሉ።