እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕሪሚየር ሊግ፡ ሓያል ክትዕ ዘስዓበ ውሳነ ዳያኑ ግጥም ሊቨርፑልን ቶተንሃምን
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ መንጎ ክለባት ቶተንሃምን ሊቨርፑልን ዝተኻየደ ጸወታ ኣብ ፕሪሜርሊግ ቅልውላው ኣስዒቡ'ሎ።
በቲ ኩነታት ዝተቖጥዐ ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል የርገን ክሎፕ እቲ ግጥም ዳግማይ ክካየድ ጸዊዑ'ሎ።
እቲ ጉዳይ ቶተንሃም 2 ብ1 ምዕዋታ ኣይኮነን። ክልተ ተጻወቲ ሊቨርፑል ብቐይሕ ምውጽኦም ጥራይ'ውን ኣይኮነን።
እቲ ዘዛርብ ዘሎ ቀንዲ ነገር ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል ልዊስ ዲያዝ ኣንጻር ቶተንሃም ዘመዝገባ ግን ዘይተመዝገበት ሸቶ እያ።
እታ ሸቶ ብዘገርም ኩነታት ካብ መስመር ወጻኢ ወይ ኦፍሳይድ ተባሂላ'ያ ተሰሪዛ።
ዲያዝ ብሓቂ ካብ መስመር ወጻኢ ድዩ ነይሩ ወይስ ኣይኰነን ብዙሕ ክትዕ ኣበጊሱ ነይሩ።
ድሕሪ እቲ ጸወታ፡ ‘ፕሮፌሽናል ጌም ማች ኦፊሻልስ ሊሚትድ’ ብዝብል ዝጽዋዕ ማሕበር ዳያኑ፡ ዲያዝ ዘቑጸራ ሸቶ "እታ ሸቶ ብሓገዝ ቪ-ኤ-ኣር (ብቪድዮ ዝተሓገዘ ፍርዲ) ክትጸድቕ ነይርዋ" ብምባል ምስራዛ ዓቢ ጌጋ ከም ዝነበረ ተኣሚኑ።
"ዓቢ ጌጋ"፡ "ጋሕማጥ"፡ "ዘሰንብድ"፡ ከምኡ'ውን "ዘሕዝን" ክብሉ ፍሉጣት ተንተንቲን ተጻወትቲን ኩዕሶ እግሪ ፕሪሜርሊግ ነቲ ውሳነ ይገልጽዎ ኣለዉ።
ብድሕሪ እዚ ክለብ ሊቨርፑል፡ እቲ ፍጻመ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን እቶም ዳያኑ ዝገበርዎ ዝርርብ ዝሓዘ ቅዳሕ ድምጺ ክወሃባ ነቲ ማሕበር ዳያኑ ሓቲታ።
ነዚ ስዒቡ እቶም ዳያኑ እንታይ ከም ዝተበሃሃሉ ዘስምዕ ድምጺ ዕላዊ ኮይኑ።
ተሓጋጋዚ ዳኛ ቪድዮ ዳረን ኢንግላንድ፡ ተጻዋታይ ሊቨርፑል ዲያዝ ብጌጋ ካብ ሜዳ ወጻኢ ክበሃል እንከሎ፡ ነቲ ውሳነ ንምቕያር ኣይፈተነን።።
ኣብቲ ድምጺ፡ እቲ ተሓጋጋዚ ዳኛ እቲ ርእየት "ቅኑዕ" እዩ’ኳ እንተበለ፡ እታ ሸቶ ብጌጋ ካብ ሜዳ ወጻኢ ምስ ተባህለት ግን ክቁጣዕ ይስማዕ።
እቲ ማሕበር፡ ነቲ ድምጺ ብሰሉስ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ "ብሕጽረት ትኹረት" ዝተፈጸመ ጌጋ ከም ዝዀነ ገሊጹ።
ፕሪሚየር ሊግ ብወገኑ፡ እቲ ግጉይ ውሳነ "ኣብ መስርሕ ስርዓት ቫር ድኽመት" ከም ዘሎ ዘጉልሐ ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ ጸወታ ከምይ ነይሩ?
ክልቲአን ክለባት ኣብዚ ዓመት ዘርእይኦ ዘለዋ ብቕዓት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ጸወታ ብሃንቀውታ ትጽቢት ዝተግበረሉ’ዩ ነይሩ።
ኣብ መበል 26 ደቒቕ፡ ተጻዋታይ ሊቨርፑል ጆንስ ኣብ ልዕሊ ቢሶማ ብዝሰርሖ ጌጋ ቢጫ ተዋሂብዎ። ዳኛ ሳይሞን ሁፐር ነቲ ፍጻመ ኣብ ቫር ድሕሪ ምርኣዩ ግን ጆንስ ብቀይሕ ካርድ ካብ ሜዳ ክወጽእ ተገይሩ።
ሊቨርፑል 10 ተጻወትቲ ሓዛ’ኳ እንተተረፈት፡ ኣብ መበል 34 ደቒቕ ግን ዲያዝ ብዘመዝገባ ሸቶ መሪሕነት ዝረኸበት መሰላ። ይኹን’ምበር እቲ ተጻዋታይ ካብ መስመር ወጻኢ ተባሂሉ። እዚ ውሳነ ዘጠራጥር ስለዝነበረ ብቫር ክርአ ግድን ኰይኑ።
ነዚ ስዒቡ ድማ እታ ጎል ተሰሪዛ። ኰይኑ ግን ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ሜዳ ዝነበሩን ኣብ መቆጻጸሪ ክፍሊ ቫር ዝነበሩን ዳያኑ ዘይምርድዳእ ስለዝነበረ ድሕሩ እቲ ውሳነ ጌጋ ምዃኑ ተረጋጊጹ።
ተሓጋጋዚ ዳኛ ቫር ዳረን ኢንግላንድ፡ እታ ሸቶ ከም ዝተሰረዘት ስለዘየስተብሃለ ነቲ ኣብ ሜዳ ዝተወሃበ ውሳነ ኣብ ክንዲ ዝስርዝ “ቅኑዕ” እዩ ኢሉ ተዛሪቡ።
ኣብ ውሽጢ ክልተ ደቓይቕ ቶተንሃም ብሶን ሄንግ-ሚን ኣቢላ 1ን0 ክትመርሕ ጀሚራ።
ሊቨርፑል መልሲ ንምሃብ ብዙሕ ኣይተጸበይትን - ኣብ ቀዳማይ እብረ ተወሳኺ ሰዓት ኮዲ ጋክፖ ብዘመዝገባ ሸቶ ማዕረ ኰይና።
ኣብ መበል 69 ደቒቕ ንካልኣይ ግዜ ብጫ ዝረኣየ ጆታ ብቐይሕ ካብ ሜዳ ምውጽኡ ስዒቡ ሊቨርፑል ብ9 ተጻወትቲ ግጥማ ቀጺላ።
ብተጻወትቲ ብልጫ ዝነበራ ቶተንሃም ኣብ ካልኣይ እብረ ዝሓሸ ዕድላት ክትረክብ’ኳ እንተኸኣለት፡ ሓላዊ ልዳት ሊቨርፑል ኣሊሰን ብቕዓት ምክልኻል እታ ጋንታን ግን ቀሊል ኣይነበረን።
ኣብ መወዳእታ ግን ተኸላኻላይ ሊቨርፑል ማቲፕ ናብ ኩርናዕ ሓሲቡ ዝቐልዓ ኩእሶ ንኣሊሰን ሓሊፋ ናብ ናይባዕሉ ሸቶ ተደቕዲቓ- ኣብ ርእሲ ዘላ ተወሰኸታ ኮይና ኩነታት ሊቨርፑል ካብ ዝገደደ ናብ ዝባኣሰ ኣምሪሑ።
ካብ 2017 ንደሓር ቶተንሃም ንሊቨርፑል ክትስዕራ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።
ኣብቲ ድምጺ እቶም ዳያኑ እንታይ ክብሉ ይስምዑ?
ክልቲአን ክለባት ጸወታአን ብዘይ ሸቶ እናቐጸላ እንከለዋ ከርቲስ ጆንስ ብቀይሕ ወጺኡ። እታ 10 ተጻወትቲ ሒዛ ዝተረፈት ሊቨርፑል ኣብ መበል 34 ደቓይቕ ክትመርሕ ዘኽእላ ሸቶ ብሉዊስ ተመስጊዛ።
ይኹን’ምበር ካብ ጸወታ ወጻኢ ምዃኑ ዳያኑ ብቫር ከረጋግጹ ነይርዎም።
ኣብ መቆጻጸሪ ክፍሊ ቫር ዝነበሩን ዳያኑ፡ ብዳረን ኢንግላድ ዝምርሑ እዮም። ኢንግላድ፡ ምስ ተሓጋጋዚኡ ዳን ኩክን ዳግመ-ጸወታ ዝቖጻጸር ክኢላን ብሓባር ዲያዝ ካብ ሳላሕ ኩዕሶ ዝተቐበለላ ሕሞት ክምርምሩ ጀሚሮም።
ኣብቲ ዕላዊ ዝተገበረ ድምጺ፡ እቶም ዳያኑ ብዝተፈላለየ ኩርናዕ ዝተቐረጸ ቪድዮታት እናረኣዩን እናተዘራረቡን መርመራኦም ይቕጽሉ።
ድሕሪ ዝተወሰነ ቃለ ምልልስ፡ ኢንግላድ ጸጋማይ እግሪ እቲ ተጻዋታይ ዘርኢ ቪድዮ ንከርእዮ ነቲ ዳግመ-ጸወታ ዝቖጻጸር ክኢላ ይሓቶ።
እቲ ክኢላ ነቲ ዝተሓተቶ ረኺቡ ምስ ኣርኣዮ “በዚ ሕጉስ ዲኻ?” ኢሉ ክሓትት ይስማዕ።
“እወ” ይብል ኢንግላንድ።
እቲ ክኢላ “ሕራይ” ኢሉ እግሪ እቲ ተጻዋታይ ከም ዝረአ ይዛረብ።
ብድሕሪ እዚ ኢንግላንድ “ኣብዚ ደው ኣብሎ” ክብል ይስማዕ።
ኣብዚ እዋን ኢንግላንድ ኣብ ሜዳ ንዝርከብ ዳኛ ሳይሞን ሁፐር እቲ መርመራ ከም ዝተዛዘመ ይነግሮ - እዚ ማለት ድማ እቲ ዲያዝ ካብ ጸወታ ወጻኢ’ዩ ዝብል ውሳነ ቅኑዕ ምዃኑን እቲ ጸወታ ብናጻ ቅላዕ ቶተንሃም ክቕጽል ከም ዝኽእልን ዘመልክት’ዩ።
ብድሕሪኡ ሁፐር፡ ዲያዝ ካብ ጸወታ ወጻኢ ምዃኑ ነቶም ተጻወትቲ ብምሕባር እቲ ጸወታ ክቕጽል ይገበር።
ሽዑ ግን እታ ጉጅለ ቫር ጌጋ ከም ዝተፈጸመ ኣስተብሂላ።
እቲ ክኢላ ንኢንግላንድ፡ ዲያዝ ካብ ጸወታ ወጻኢ’ዩ ተባሂሉ ድሕሪ ምውሳኑ፡ እቲ መርመራ ካብ መስመር ወጻኢ ዘይምዃኑ ንምርግጋጽ ከም ዝነበረ ይነግሮ። ተሓጋጋዚ ዳኛ ኩክ ድማ እቲ ውሳነ ጌጋ ምዃኑ የረጋግጽ።
እቲ ክኢላ “ጽናሕ፡ ጽናሕ፡ ጽናሕ፡ ጽናሕ። ኣብ ሜዳ ዝተዋህበ ውሳነ ካብ ሜዳ ወጻኢ ኢዩ ዝብል’ዩ። በዚ ሕጉስ ዲኻ?” ኢሉ ይሓትት።
ኢንግላንድ “እወ” ይብል።
እቲ ክኢላ “በዚ ሕጉስ ዲኻ?” ክብል ደጊሙ ይሓትት።
ተሓጋጋዚ ዳኛ “እወ ካብ ጸወታ ወጻኢ። ጌጋ እዩ” ክብል ይስማዕ።
“እንታይ?” ኢንግላንድ ይሓትት።
“ኣብ ሜዳ ዝተወሰነ ውሳነ ካብ ሜዳ ወጻኢ እዩ ዝብል’ዩ ነይሩ። በዚ ምስሊ እዚ ሕጉስ ዲኻ? እወ ካብ ጸወታ ወጻኢ ኣይኰነን። ኣብቲ ዝሃብናዮ ምስሊ ካብ ጸወታ ወጻኢ ኣይኰነን” ይብል እቲ ክኢላ።
እቲ ተሓጋጋዚ ዳኛ’ውን “ካብ ጸወታ ወጻኢ ኰይኑ ኣሎ” ይብል።
ነዚ ስዒቡ ኢንግላንድ “እዋይ [ጸርፊ]” ክብል ይስማዕ።
ኢንግላንድ ጌጋ ከም ዝተፈጸመ ኣብ ዝተረድኣሉ እዋን፡ ሊቨርፑል ብጸጋማይ ተኸላኻላይ ኣንዲ ሮበርትሰንን ዲያዝን ኣቢላ ኣብ ምጥቃዕ ነይራ።
እንተዀነ ተኸላኻላይ ቶተንሃም ከዕሶ ካብ ሜዳ ክትወጽእ ይገብር።
ኣብዚ እዋን ኣብ ካልእ ክፍሊ ዝነበረ ኣካያዲ ስርሒታት ቫር ኦሊ ኮሆውት፡ እቲ ጸወታ ክድንጉይን እቲ ውሳነ ክእረምን ይሕብር።
እቲ ክኢላ ብቕጽበት “ኦሊ እቲ ጸወታ ክድንጉይ ይሓትት ኣሎ” ብምባል ጸወታ ደው ክብል ይሓትት።
ይኹን’ምበር ኢንግላንድ “ጸወታ ቀጺሉ’ዩ፡ ክንገብሮ ንኽእል ነገር የለን” ይብል።
ንሊቨርፑል ናይ ኢድ ዳርባ ተዋኢብዋ እቲ ጸወታ ቀጺሉ፡ ድሕሪ ክልተ ደቓይቕ ድማ ሶን ሄንግ-ሚን ቶተንሃም ንክትመርሕ ዘኽኣለት ሸቶ ኣመዝጊቡ።
ድሕሪ እቲ ጸወታ ሊቨርፑል "ስፖርታዊ ቅንዕና ተዳኺሙ" ክትብል መረረኣ ኣስሚዓ።
"ንጹር ኣድላይነት ምዕባለን ፍታሕን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዘሎ ዝርዝር ኣማራጺታት ክትድህስስ” ምዃና ብሰንበት ኣብ ዘውፍአቶ መግለጺ ሓቢራ።
እቲ ማሕበር ዳያኑ ብወገኑ፡ እታ ሸቶ ዝተሰረዘትሉ ውሳነ "ዓቢ ሰባዊ ጌጋ" እዩ ኢሉ።
ኣብ መስርሕ ቫር ለውጢ ከስዕብ ይኽእል ድዩ?
እቲ ማሕበር፡ ድሕሪ’ቲ ጸወታ ነዊሕ ከይጸንሐ ደረጃታት "ካብ ትጽቢት ዝወረደ" ምዃኑ ገሊጹ’ዩ።
ነቲ ጌጋ ፈጺሞም ተባሂሎም ዓቢ ኩነኔ ወሪድዎም ዘሎ ደያኑ ቪ-ኤ-ኣር ኣብ ዝመጽእ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ዝካየዱ ግጥማት ኣይክሳተፉን'ዮም።
ኣብ ቀጻሊ ተመሳሳሊ ጌጋታት ከይፍጸሙ ዘኽእሉ ዝበሎም "ወሳኒ ትምህርትን ዝተወስዱ ቅጽበታዊ ስጉምትታትን" ዝሓዘ ጸብጻብ ኣውጺኡ፤ ንኩለን ክለባት ድማ ኣካፊሉ ኣሎ።
ንደያኑ ቪድዮ ዝወሃብ መምርሒታት ኣድማዒ ክኸውን ከም ዘለዎ ካብ ዘስመረሎም ለበዋታት ሓደ’ዩ።
ኣብ መንጎ ዳኛን ጉጅለ ቫርን ዝግበር ርክብ ንምምሕያሽ ሓድሽ መስርሕ ርክብ ክምዕብል’ውን ተላብዩ ኣሎ።
ብተወሳኺ ቫር፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ውሳነ ቅድሚ ናብ ሜዳ ንዝርከቡ ዳያኑ ምሕባሩ ምስ ተቖጻጸርቲ ቫር ነቲ ውጽኢት ከረጋግጽ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።
ፕሪምየር ሊግ ብወገኑ ነቲ ማሕበር ዝሃቦም ለበዋታት ከም ዝተቐበለ ገሊጹ። ብተወሳኺ "ብቐጻሊ ልዑል ደረጃታት ኣፈጻጽማ ቫር ንምድላው" ምስ ደያኑ ሰፊሕ ገምጋም ንምክያድ መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ።
እዚ ናይ ቀዳም ፍጻመ፡ ቫር፡ ኣብ ተጻወትን ደገፍትን ዘሕድሮ ጽልዋ ብዝምልከት ዝያዳ ሕቶታት ክለዓል ገይሩ ኣሎ።
ቫር ሓያሎ ጥንካረታት ኣለዎ ዝብሉ እውን ኣለዉ።