እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንማንቸስተር ሲቲ ገሊፍዋ
ኣሰልጣኒ ኒውካስል ኢዲ ሆወ፡ እታ ዓሚ ኣብ መዛዘሚ ዋንጫ ካራቦኣ ብማንቸስተር ዩናይትድ ዝተሰዓረት ጋንታኡ፡ ሎሚ ዓመት ዝሓሸ ብቕዓት ሒዛ ምህላዋ ትማሊ ምሸት ንማንቸስተር ሲቲ ድሕሪ ምስዓሩ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።
ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ጋንታኡ ኣብ ራብዓይ ዙር ጸወታታት ካራቦኣ ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ ኣብ መበል 53 ደቂቕ ብዘመዝገባ እንኮ ሽቶ’ዩ ነታ ዘይትስዓር ጋንታ ክትበሃል ዝጸንሐት ማንቸስተር ሲቲ ካብቲ ውድድር ገሊፍዋ።
ኒውካስል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጸወታታት ፕረሚየር ሊግ ንሸፊልድ ዩናይትድ ሸሞንተ ብ ባዶ ከምዝሰዓረት ዝዝከር ኰይኑ፡ ትማሊ ኣብ ቀዳማይ እብረ ናይቲ ጸወታ ብማንቸስተር ሲቲ ተዓብሊላ’ያ ነይራ።
እቲ ኣብ ሜዳ ኒውካስል ዝተኻየደ ጸወታ፡ ካልኣይ እብረ ሸሞንተ ደቓይቕ ጥራይ ምስ ተላዕሎ፡ ጆሊንቶን ከሽኑ ንዘቐበሎ ኵዕሶ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ናብ ሸቶ ስለዝቐየራ፡ ኒውካስል ንዝተረፈ ጸወታ ኣብ ምሉእ ምቍጽጻር ብምእታው ብዓወት ክትወጽእ ክኢላ።
ጸወታ ምስ ተወድአ ኣሰልጣኒ ኒውካስል ኢዲ ሆወ ንስካይ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ቃል፡ “ብሰንበት ዝተጐናጸፍናዮ ዓወትን ዓሚ ኣብ ፍጻመ ብማንቸስተር ዩናይትድ ዘጋጠመና ስዕረትን ኣብ ሓሳብና’ዩ ነይሩ” ድሕሪ ምባል፡ “ሽሕ’ኳ ዓሚ ኣብ ፍጻም ምስዓርና በሰላ እንተገደፈልና ብሓበን ኢና ንዝክሮ፡ ሎሚ ብዓወት ንኽንወጽእ ከኣ ሓጊዙና'ዩ” ኢሉ።
ኢዲ ሆወ ወሲኹ፡ “ኣብ ጸወታታት ካራቦኣ ናብ መዛዘሚ ክትበጽሕ ብዙሕ ጸወታታት ኢኻ ክትስዕር ዘለካ፤ ከምቲ ዓሚ ዝበጻሕናዮን ልዕሊኡን ንኽንበጽሕ ከኣ ኣብ ጕዕዞ ኣለና” ኢሉ።
ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ንጸወታ ብምዕብላል ንመንገዲ ጁልያን ኣልቫረዝ ዝረኸበተን ክልተ ዕድላት ጽቡቕ ፈተነ ኣካይዳ ነይራ’ያ፡ ሸቶ ግን ክዀናላ ኣይክኣላን።
ኣሰልጣኒ ማንቸስትር ሲቲ ፔፕ ጓርድዮላ ኣብዚ ጸወታ እዚ ንከም ኦስካር ቦብ ዝኣመሰሉ ሸውዓት ንኣሽቱ ተጻወትቲ ኣሰሊፉ’ዩ ተጻዊቱ።
ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ኩሉ ዓይነት ውድድራት ካብ ዘካየደቶ 38 ጸወታታት እዛ ናይ ትማሊ ጸወታ መበል ካልኣይቲ ስዕረታ ኮይና ተመዝጊባ ኣላ።
ኒውካስል ኣቐዲማ ሰለስተ ግዜ ብተኸታታሊ ድሕሪ ምስዓራ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ጸወታታት ተኸታታሊ ዓወታታት ከተመዝግብ ብምኽኣላ ርእሳ ኣቕኒዓ ትርከብ።
ኒውካስል ቀዳም ኣብ ፕሪሚየርሊግ ኣንጻር ቤርንለይ ጸወታ ድሕሪ ምክያድ ዝመጽእ ረቡዕ ንፓሪስ ሰይንት ጀርመይን ዓዲማ ጸወታ ቻምፕዮንስ ሊግ ከተካይድ’ያ።
እንተዀነ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ትማሊ ብዘጋጠሞ መጕዳእቲ ኣብ ክልቲኡ ጸወታታት ዘይክጻወት ይኽእል’ዩ።
ኣሰልጣኒ ኒውካስል ኢዲ ሆወ ነቲ ምስ ማንቸስተር ሲቲ ዝገበርዎ ጸወታ፡ ንኽልቲኡ እብረ ክልቲአን ጋንታታት ከምዝተማቐላኦ’ዩ ዝገልጽ፤ “ቀዳማይ እብረ ሲቲ ንጸወታ ተቘጻጺሮሞ ንሕና ከኣ ልዳትና ከየድፈርና ኣብ ምክልኻል ተጸሚድና ኔርና፣ ኣብ ካልኣይ እብረ ድማ ንሕና ከነጥቅዕ ጀሚርና ሲቲ ኣብ ምክልኻል ኣትዮም፡ ሸቶ ከነመዝገብ ብምኽኣልና ከኣ ዝግብኣና ዓወት ተጐናጺፍና” ኢሉ።
ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ እዛ ናይ ትማሊ ምሸት ሸቶ፡ እዚ ናይ ጸወታ ወቕቲ ካብ ዝጅምር ራብዓይቲ ሸቶኡ ኰይና ተመዝጊባ ኣላ።