ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምግዓዝ ስደተኛታት ነጺጕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰራዊት ምክልኻል ኣሜሪካ ካብ ዶባዊ ግዝኣታት 'ታ ሃገር ናብ ከተማ ዋሺንግተን ዲሲ ዝጓዓዓዙ ሰነዳት ዘይብሎም ኣሽሓት ስደተኛታት ብዝተሓሓዝ ሓገዝ ክገብር ካብ ከንቲባ እታ ከተማ ንዝቐረበሉ ሕቶ ነጺግዎ።
ነቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዝሒ ንምቅላል ስደተኛታት ዝፀዓና ኣውቶቡሳት ናብ ርእሰ ከተማ ኣሜሪካን ከተማ ኒውዮርክን ይጓዓዛ ከምዘለዋ ግዝኣታት ኣሪዞናን ቴክሳስ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ሰበስልጣን ኒውዮርክ ብወገኖም፡ "ደቂ ሰባት ከም ፖለቲካዊ ትሕጃ" ይጥቀማሉ ኣለዋ ክብሉ ነተን ግዝኣታት ከሲሶም።
ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ዝሰግሩ ስደተኛታት ብዝሖም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከምዝበጽሐ ይግለጽ።
ዓቃባውያን፡ ንፖሊሲታት ኢሚግሬሽን ፕረዚደንት ጆ ባይደን ከምኡ'ውን ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ መብዛሕትኦም ሓተትቲ ዑቕባ ተቐባልነት ከይህልዎም ክገብር ንዝፀንሐ መምርሒ ክለዓል ንዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ይነቕፉ።
ብዓርቢ፡ ከንቲባ ዋሽንግተን ዲሲ ሙሪኤል ቦውሰር፡ ወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ ነቶም ስደተኛታት ንምጕዕዓዝ ኣብ ዝካየድ መስርሕ ክሕግዙ ዘቕረበቶ ሕቶ ብቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣሜሪካ ከምዝተነጽገ ተገሊጹ።
ዋና ጸሓፊ ምክልኻል ኣሜሪካ ሎይድ ኦስቲን፡ እቶም ሰራዊት ናብታ ከተማ ንዝኣትዉ ስደተኛታት ኣብ ምቕባል ክሕግዙ እንተድኣ ተንቀሳቒሶም፡ "ድልውነቶም" ክጽሎ ከምዝኽእል ምሕባሩ ሓደ በዓል ስልጣን ምክልኻል ኣሜሪካ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ተዛሪቡ።
ብዓርቢ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ከንቲባ ቦውሰር፡ እታ ከተማ ዳግማይ "ተወሳኺ ንፁር ዝዀነ ሕቶ ሓገዝ" ከም እተቕርብን፡ ንመኽዘን ኣጽዋር ዋሺንግተን ዲሲ ወይ ኣብ ቀረባ ንዝርከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ናብ ማእከላት መፈጸሚ ጉዳያት ስደተኛታት ንምቕያር ክትሰርሕ ምዃና ኣተሓሳሲባ።
እታ ከንቲባ፡ ስደተኛታት "ተታሊሎም" ነቲ ጕዕዞ ይገብሩ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ምምጻኦም ነታ ከተማ "ቅልውላው" ክትብል ገሊጻቶ።
ንሳ ኣባላት ሪፓብሊካን ንዝዀኑ ኣመሓደርቲ ግዝኣታት ኣሪዞናን ቴክሳስን “ጭካነ ዝተመልኦ ፖለቲካዊ ጸወታ" ዝጻወቱ ክትብል ዝነቐፈት ኰይና፡ "ተስፋ ንዝቘረጹ ሰባት ተጠቒሞም ፖለቲካዊ ነጥቢ ንምምዝጋብ ከምዝወሰኑ" ገሊጻ።
ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ግረግ ኣቦት ስደተኛታት ዝጸዓና ኣውቶቡሳት ናብ ከተማ ኒውዮርክ ምልኣኽ ከምዝጀመረ ብዓርቢ ገሊጹ ነይሩ። ካብ ሚያዝያ ጀሚሩ ድማ ብውሕዱ 5200 ስደተኛታት ናብ ዋሽንግተን ልኢኹ ኣሎ።
ካብ ቦሊቭያ፡ ኮሎምብያ፡ ኤኳዶር፡ ሆንዱራስን ቬንዙዌላን ዝመጹ ኣስታት 50 ስደተኛታት ኣብ መዕርፎ ኣውቶቡሳት ማንሃታን ወሪዶም ኣለዉ።
ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ኣቦት፡ ፕረዚደንት ባይደን "ዶብ ናይ ምኽፋት ፖሊሲታት ዘስዓቦ ቅልውላው ኣፍልጦ ክህብ ዘይምኽኣሉ፡ ማሕበረሰብና ንምውሓስ ዘይልሙድ ስጕምቲ ክንወስድ ኣገዲዱና” ኢሉ።
ሪፓብሊካን ኣመሓዳሪ ኣሪዞና ዳግ ዱሲ’ውን፡ ኣስታት 1000 ስደተኛታት ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ልኢኹ ኣሎ።
እቲ ጕዕዞ ስደተኛታት ብወለንታ ከምዝካየድ ዝሓበሩ ኣመሓደርቲ እተን ግዝኣታት፡ ኣብ ኣሜሪካ ንዝርከቡ ስድራቤታት ንምጥርናፍ ዝግበር ጻዕሪ ምዃኑ ይዛረቡ።
ብዓርቢ፡ ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሪን ዣን ፒየር፡ ነቲ ብኣውቶቡስ ዝተፈጸመ ምልኣኽ ስደተኛታት "ዘሕፍር"ን ብኽነት ዶላር ከፈልቲ ግብሪን ክትብል ገሊጻቶ።
ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ንጕዕዞ ኣውቶቡሳት ዝወጽአ ወጻኢ ንምግላጽ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ’ዩ ዘመልክት።
ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ሓደ መርበብ ኣብ ቴክሳስ ዝርከብ መደበር ቴሌቪዥን፡ ንሓደ ተጓዓዛይ ዝወፅአ ገንዘብ ኣስታት 1400 ዶላር (1150 ፓውንድ) ከምዝኸውን ገሊጹ ነይሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
