ብሰኑይ፡ 'ኣብዚ ዓመት ዝለዓለ ቝጽሪ' ዝተባህለ ብዝሒ ስደተኛታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ሰጊሮም

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ብሰኑይ ጥራይ ኣብ 14 ንኣሽቱ ጀላቡ ኣስታት 700 ስደተኛታት መትረብ ዓዲ እንግሊዝ [እንግሊሽ ቻነል] ብምስጋሮም፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝበዝሑ ስደተኛታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝሰገሩላ መዓልቲ ኰይና ተመዝጊባ ኣላ።
ሚኒስትሪ ምኽልኻል ዓዲ እንግሊዝ ብሰኑይ 696 ስደተኛታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝኣተዉ ብምሕባር፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ሓደ መዓልቲ ሰጊሮም ተባሂሉ ተመዝጊቡ ዝነበረ 651 ዝበልጽ ቍጽሪ ብሰኑይ ከምዝተመዝገበ ገሊጹ።
ሰብ መዚ ፈረንሳ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ነፍሲ ወከፈን 35 ስደተኛታት ጽዒነን ዝነበራ ክልተ ጀላቡ ክሕዙ ምኽኣሎም ገሊጾም።
ኣብዛ ገና ክትዛዘም ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተሪፍዋ ዘሎ ዓመተ 2022፡ ካብ ፈረንሳ ተበጊሶም፡ ነቲ መራኽብ ብብዝሒ ዝሰጋገራሉ ብርቱዕ ማዕበል ዘለዎ መትረብ ዓዲ እንግሊዝ ብምስጋር፡ ልዕሊ 17 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም ምህላዎም ሰነዳት ዓዲ እንግሊዝ ይሕብር።
ኣብ 2020፡ 8404 ስደተኛታት ካብ ገማግም ፈረንሳ ብንኣሽቱ ጀላቡ ገይሮም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ እንከለዉ ኣብ 2021 ግን እቲ ቝጽሪ ናብ 28526 ክብ ኢሉ።
መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2022፡ ብዘይሕጋዊ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ብምስዳድ፡ ኣብ ርዋንዳ ኰይኖም ሕቶ ዑቕባኦም ክሓቱ ዘገድድ ሕጊ ምጽዳቓ ይዝከር።
እንተዀነ እታ ትሕቲ ዓሰርተ ስደተኛታት ሒዛ ናብ ርዋንዳ ክትብገስ ተዳልያ ዝነበረት ነፋሪት፡ ነቲ ምግዓዝ ስደተኛታት ዝቃወም ሕጋዊ መስርሕ ስለዝተለዓለ፡ ካብ በረራ ደው ክትብል ምግዳዳ ዝዝከር እዩ።
“ዘየድልን ዘይሕጋውን”
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ “ቍጽሪ ናይቶም በዚ ሓደገኛ መስመር እዚ ዝሰግሩ ስደተኛታት ምውሳኹ ዘይቕቡል’ዩ” ኢሉ።
“ሰባት ኣክንዲ ንህወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ነቶም ኣስሓኮ ዘይብሎም ገበነኛታት ሰልዲ ከፊሎም ነዚ መትረብ ዝሰግሩ፡ ኣብታ መጀመርታ ዝረገጽዋ ድሕነታ ዝተሓለወ ሃገር’ዩም ዑቕባ ክሓቱ ዘለዎም፡” ይብል።
እቲ ወሃቢ ቃል ኣስዒቡ፡ መንግስቲ “ነዞም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብዚ ዝኣትዉ ዘለዉ ናብ ካልእ ሃገር ንምስግጋር ብቐጻሊ ይሰርሕ ኣሎ፣ ስለዚ እዚ ንዕሉላት ገበነኛታት ሰልዲ ከፊልካ ዝግበር ጕዕዞ ዘየድልን ዘይሕጋውን’ዩ” ኢሉ።
ኣባል ባይቶ ዓቓባዊ ሰልፊ ዝዀነት ናታልየ ኢልፒክ ብወገና፡ ነዞም ስደተኛታት ንምግታእ መንግስቲ ፈረንሳ ዝያዳ ኣብርቲዑ ክሰርሕ ጻውዒት ኣቕሪባ።
“ፈረንሳ ነዞም ስደተኛታት ናብቲ ህይወት ዝቐዝፍ ሓደገኛ ጕዕዞ ካብ ምእታው ክትገትእ፡ ነቶም ውዱባት ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ደው ከተብል ሞራላውን ዓለምለኻዊ ሕጋዊን ግዴታ ኣለዋ፡” ኢላ።
ኣስዒባ “እቲ ዝመጽእ ቀዳማይ ሚኒስተር ቀዳመነት ሂቡ ክሰርሓሉ ዘለዎ ጉዳይ ነዚ ቅልውላው እዚ ምፈታሕ ክኸውን ኣለዎ” ኢላ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
