ርዋንዳ፡ ቀዳሞት ተመለስቲ ሓተትቲ ዑቕባ ዓሰርተ ከምዘይኣኽሉ ተገሊጹ

Published

ይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ፡ ነቲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተወሲኑ ዝነበረ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ናይ ምስግጋር መደብ ክጸንዕ ፈሪዱ።

 ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ጸባሕ ሰሉስ ኣስታት 11 ፈለምቲ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ክውሰዱ ተወሲኑ ነይሩ።

 ተሓለቕቲ መሰላት ስደተኛታት፡ ነቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ንምስራዝ ይግባይ ድሕሪ ምባሎም’ዩ እዚ ሓድሽ ፍርዲ ተዋሂቡ ዘሎ።

 ‘ዲተንሽን ኣክሽን’ ከምኡ’ውን ኤ-ፒ-ሲ ዝተባህሉ ክልተ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ዝወሰዱ ማሕበራት በቲ ውሳነ ከምዝሓዘኑ ገሊጾም።

 ኣካል ናይቲ መስርሕ ዝነበረ ‘ኬር4ካለ’ ዝተባህለ ካልእ ማሕበር ብወገኑ፡ 8 ሓተትቲ ዑቕባ ጥራይ በቲ ፈላሚ በረራ ናብ ርዋንዳ ክሰጋገሩ ምዃኖም ጠቒሱ’ሎ።

ናብ ርእሰ ከተማ ርዋንዳ ኪጋሊ ክጥረዙ ዝሕሰብ ዘሎ ቁጽሪ ሓተትቲ ዑቕባ ብቕጽበት እናንቈልቈለ ይኸይድ ከምዘሎ ይግመት።

ሓደ ምንጪ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብቶም ፈለማ ክምለሱ መደብ ተታሒዝሎም ዝነበረ 37 ሰባት፡ ‘ክሲ ዘመናዊ ባርነትን ኣንጻር ሰብኣዊ መሰላትን ብዝተኣሳሰር ሕጋዊ ብድሆታት’ እቲ ቝጽሪ ኣዝዩ ክጐድል ምኽንያት ከም ዝዀነ ገሊጹ።

 

ኣሰናዳኢ ቢቢሲ ማርክ ኢስተን’ውን፡ እታ ነፋሪት ቅድሚ ምብጋሳ እቲ ቝጽሪ "ናብ ዜሮ ክወርድ" ትጽቢት ይግበር ይብል።

ክሳብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝነበረ ሓበሬታ፡ 130 ዝዀኑ ሰባት ክጥረዙ ከም ዝኽእሉ ዝገልጽ’ዩ ነይሩ።

ብሪጣንያ፡ ገለ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ መሬታ ዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ምልኣኽ፡ ነቲ ውሕስነት ብዘይብለን ጃላቡ ዝግበር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ከዳኽም ከም ዝኽእል እያ ክትገልጽ ጸኒሓ።  

እቲ ንፖሊሲ ​​ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ዝቐረበ ናይ ይግባይ ጻውዒት፡ 80% ኣባላት ሓይሊ ዶብ ብዝውክሉ ማሕበር መንግስታውን ንግዳውን ኣገልግሎታት (PCS) ምስ ትካላት ግብረ ሰናይ ‘Care4Calaisን Detention Action’ን ብምትሕብባር ዝቐረበ እዩ።

‘ኣሳይሉም ኤይድ’ ዝተባህለ ካልእ ትካል ግብረ ሰናይ ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ’ቲ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር መስርሕ ምጥራዝ ብምቅዋም ኣቤቱታኡ ከስምዕ ድሕሪ ምሕታቱ’ውን፡ እቲ ጉዳይ ሎሚ ሰኑይ ብፍሉይ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክስማዕ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ፖሊሲ ሩዋንዳ ብማሕበራት ግብረ ሰናይ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ተቓወምቲ ውድባት፡ ከምኡ'ውን ብልኡል ዌልስ፡ "ዘስካሕክሕ" ተባሂሉ ብተሪር ክንቀፍ ከም ዝጸንሐ መጽሔት ታይምስ ሓቢሩ።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሩዋንዳ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ጆንስተን ቡሲንግየ ንጋዜጣ ዳይሊ ቴሌግራፍ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሃገሩ ንስደተኛታት "ውሑስቲ መዕቈቢት" ክትከውን ምዃና ገሊጹ።

ጸሓፊት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል፡ "መብዛሕትኦም፡ ካብቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ በተን ዘይሕጋውያን ጀላቡን መካይን ጽዕነትን” ናብታ ሃገር ዝኣተው ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ክግዕዙ ከም ዝተወሰነ ትዛረብ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሰበስልጣን ብሪጣንያ፡ እቶም ኣብዚ መደብ ቀዳምነት ዝወሃቦም መንእሰያት ኰይኖም፡  እቶም ሰበስልጣን ስድራቤታት ንኸይመቓቐሉን ይጽዕሩ ከምዘለዉ የረድኡ።

ኣብቲ ብዓርቢ ዝወዓለ መስርሕ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ጀስቲስ ስዊፍት ከም ዝበሎ፡ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ፖሊሲ፡ ምርግጋጽ "ንዋታዊ ህዝባዊ ረብሓ" ብምባል ክትገልጾ ክኢላ እያ። ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ርዋንዳ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ክግበረሎም ከም ዝኽእል ዝረጋግጽ ዝዀነ መርትዖ ከም ዘየለን፡ ኣብ ግምት ከምዘየእተወን ድማ ገሊጹ።