እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ ኣብ ዝተቖጻጸረቶም ከተማታት ዩክረይን ፓስፖርት ትዕድል ኣላ
ሩሲያ ኣብ ደቡባዊ ዩክረይን ኣብ ዝተቖጻጸረቶም ክልተ ከተማታት ኬርሶንን ሜሊቶፖልን ንዝርከቡ ነበርቲ ፓስፖርት’ታ ሩሲያ ምዕዳል ከምዝጀመረት ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ተዛሪቦም።
ዩክረይን ነቲ ኣብ ግዝኣታ ዝፍጸም ዘሎ ተግባር፡ ምጥማቕ ሩስያውያነት ወይ ድማ “ሩሲፊኬሽን” እዩ ክትብል ኮኒናቶ ኣላ።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ኣሰራርሓ ብቅልጡፍ ይከታተሎ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።
ዜና ወኪል ሩስያ ዝዀነ ታስ ከምዝበሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ ቀዳም ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀዳሞት 23 ነበርቲ ከተማ ኬርሶን ፓስፖርት ሩሲያ ረኺቦም ኣለዉ።
እቲ ወኪል ዜና ወሲኹ ከምዝበሎ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ከተማ ኬርሶን ፓስፖርት ሩስያ ክወሃቦም ሓቲቶም ኣለዉ።
እንተዀነ እዚ ብዘይሻራዊ ኣካል ኣይተረጋገጸን።
ኣብ ከተማ ኬርሶን ኣመሓዳሪ ዀይኑ ዝተሾመ ሩስያዊ ወተሃደራዊ መራሒ፡ ቮሎድሚር ሳልዶ፡ "ኩሎም ኣሕዋትና ኬርሶናውያን ብዝተኽኣለ ፍጥነት ፓስፖርትን ዜግነትን ሩስያ ክቕበሉ እዮም ዝደልዩ” ኢሉ።
ዩክረይን፡ ነዚ ስጉምቲ፡ ሉኣላዊ ግዝኣተይ ዝጠሓሰ ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ፤ ከምኡ’ውን፡ እዚ ኣዋጅ ፕረዚደንት ፑቲን "ሕጋውነት የብሉን” ክትብል ኮኒናቶ።
ሩስያ፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ብሓይሊ ዝተቖጻጸረቶ ክሬሚያን ንካልኦት ነበርቲ ኣብዝሓ ዶንባስ ግዝኣታት ዩክረይን ፓስፖርት ዝዓደለት ኰይና፡ እቲ ሕዚ እትገብሮ ናይዚ ፖሊሲ መቐጸልታ እዩ።
ሩስያ ክሬሚያን ናብ ግዝኣታ ምስ ሓወሰት፡ ኣብ ዶነትስክን ሉሃንስክን ብዓርሶም ዝመሓደሩ "ሪፐብሊክ ህዝቢ" ፈጢራ።
እዚ ተግባር ብዓለምለኸ ደረጃ ዝተዀነነ ስጉምቲ እዩ።
ዩክረይን፡ ሕዚ ወራር ኣብ ዝተፈጸመሉ ከባብታት ተመሳሳሊ ከይዲ ይፍጸም ኣሎ ዝብል ስግኣት ኣላዋ።
እቶም ነበርቲ ሓደ ግዘ ነበርቲ እንተዀይኖም፡ ክሬምሊን ንዐኦም ክንከላኸለሎም ኣለና ዝብል ሓሳብ ክተቕርብ ትኽእል እያ- ይብሉ።
ነበርቲ ከተማ ኬርሶን መተዓዳደጊ ገንዘብ ሩስያ ዝኾነ ሩብል ካብ ምጥቃም፡ ባጤራ ዩክረይን ‘ሂርቪንያን’ ምጥቃም ከምዝመርጹ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ምስ ሰበ ስልጣን ሩስያ ከምዝተፈላለዩ ጸብጻበት የመልክቱ።
ሜሊቶፖል ኣብ ደቡብ-ምስራቅ ኣብ ክልል ዛፖሪዝዝሂያ ዝርከብ ኮይኑ፡ እቲ ዝዓበየ ዝበሃል መመንጨዊ ኒኩሌር ሓዊሱ ኣብዝሓ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ሩስያ ወዲቑ ይርከብ።
ኣብ ቀይዲ መንግስቲ ሩስያ ዶንባስ (ብዶኔትስክን ሉሃንስክን ዝተሃንጸ ማእከል ኢንዱስትሪ) መተዓዳደጊ ገንዘቦም ናብ ባጤራ ሩስያ፡ ሩብል ዝቐየረ ዀይኑ፡ ከምኡ’ውን ስርዓተ ትምህርቲ ሩስያ ክኽተሉ ይግደዱ ኣለዉ።
ከምኡ’ውን፡ ኣብ ዩክረይን ዝተሾሙ ሓደሽቲ ሰብመዚ ካብ ስልጣን ብምእላይ ከምቲ ኣብ ካልእ ከባቢ ዝተገብረ ይድገም ኣሎ።