እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ፡ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንኽትምለስ ትጕስጉስ ኣላ
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ መበል 54 ስሩዕ ኣኼባኡ ካብ 11 መስከረም ጀሚሩ ክሳዕ 13 ጥቅምቲ 2023 የካይድ ኣሎ።
ኣብ 10 ጥቅምቲ ድማ ንኣባልነት እቲ ባይቶ መረጻ ክካየድ’ዩ።
እዚ ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ባይቶ፡ ብ193 ኣባላት ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝተመረጻ 47 ኣባላት ሃገራት ዝሓቘፈ እዩ።
እቲ ኣባልነት ኣብ ምዕሩይ ጂኦግራፍያዊ ምክፍፋል ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ 13፡ ሃገራት ኤስያ-ፓሲፊክ 13፡ ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ 6፡ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን 8፡ ከምኡ’ውን ሃገራት ምዕራባዊን ማእከላይን ኣውሮጳ 7 መናብር ኣለወን።
እተን ኣባላት ባይቶ ንሰለስተ ዓመት ዘገልግላ ኰይነን ንኽልተ ተኸታተልቲ እብረ ዘገልገላ ኣባላት ኣብ ቀጻሊ መረጻ ንምስታፍ ብቝዓት ኣይኰናን።
ሩስያ ኣብ ሓይልታታ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራሮም፡ ካብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ካብቲ ባይቶ ከም ዝተባረረት ይዝከር።
ኣብቲ እዋን 93 ኣባላት ነዚ ውሳነ ክድግፋ እንከለዋ፡ 24 ንክትጸንሕ ፈቲነን፡ 58 ድማ ጠቕሊለን ድምጺ ካብ ምሃብ ተቘጢበን።
ሩስያ፡ እቲ መረጻ "ዘይሕጋዊን ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎን" ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣባልነታ ከም ዘቋረጸት ኣፍሊጣ።
እንተዀነ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ እታ ሃገር ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ መረጻ ዳግማይ ናብቲ ቤት ምኽሪ ክትጽንበር ትጕስጉስ ከም ዘላ ቢቢሲ ዝረኸቦ ቅዳሕ ሰነድ የመልክት።
እዚ መርገጺኣ ዝገልጽ ሰነድ ኣብ መንጐ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ዝተዘርገሐ ኰይኑ ካብተን ሃገራት ደገፍ ንምርካብ ዝዓለመ’ዩ።
ኣብቲ ሰነድ፡ ሩስያ "ንጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት እኹል መፍትሒ ክትረክብ" ቃል ከም ዝኣተወት ይሕብር።
እቲ ባይቶ "ንፖለቲካዊ ድሌት ጕጅለ ሃገራት ዘገልግል መሳርሒ" ንኸይከውን ንምምካት ከም እትጽዕር’ውን ይገልጽ፤ እዚ ድማ መሳርሒ ምዕራባውያን ሃገራት ንኸይኸውን ንምባል ምዃኑ ምግማት ይከኣል።
ዲፕሎማሰኛታት፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይንን ኣብ ባዕላን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻም ድሕሪ ምኽሳሳ፡ ዓለምለኸ ተኣማንነት ዳግማይ ክትረክብ ተስፋ ከም ዝሰነቐት ይገልጹ።
ናይዞም ክስታት ናይ ቀረባ እዋን መርትዖ፡ ጸብጻብ ናይቲ ኣብ ዩክረይን ዝተመደበ መርማሪ ኮሚሽን ብሰኑይ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ቀሪቡ’ዩ።
ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ኤሪክ ሞሰ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ስቅያት፡ ዓመጽ፡ መጥቃዕትን ካልኦት ገበናት ኲናት ይቕጽሉ ከም ዘለዉ ዝሕብሩ መርትዖታት ምህላዎም ገሊጹ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ሩስያ ፍሉይ ወሃቢት-ጸብጻብ ወይ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ሩስያ ማርያና ካትዛሮቫ እውን ካልእ ጸብጻብ ኣቕሪባ ነይራ። እዚ ጸብጻብ፡ ኣብ ሩስያ ዘሎ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት "ኣዝዩ ከም ዝኸፍአ" ዝገልጽ’ዩ። ነቐፍቲ እቲ ወራር ብዘይ ፍቓድ ከም ዝእሰሩን ከም ዝሳቐዩን እውን ይሕብር።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ኰይኑ፡ 47 ኣባላት ዘለዉዎ፤ ነፍሲ ወከፎም ንሰለስተ ዓመት ክጸንሑ ይምረጹ።
ኣብቲ ዝቕጽል ወርሒ ዝካየድ መረጻ፡ ሩስያ ምስ ኣልባንያን ቡልጋርያን እያ ክትወዳደር።
ኣብቲ መረጻ ኵለን 193 ኣባላት ክሳተፋ እየን። ኣብኡ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ከም ዝብልዎ፡ ሩስያ ሓያል ጐስጓስ ትገብር ኣላ። እኽልን ኣጽዋርን ብምሃብ ድምጺ ድኻ ሃገራት ንምርካብ ትጽዕር ከም ዘላ ገሊጾም።
ብሰንኪ’ዚ ድማ ሩስያ ናብቲ ባይቶ ክትምለስ ምሉእ ብምሉእ ተኽእሎ ከም ዘሎ ሓቢሮም።
እቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዘርግሐ መርገጺ ሩስያ ዘመልክት ሰነድ "ንጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት እኹል ፍታሕ ንምርካብ ኣብቲ ባይቶ፡ መትከላት ምትሕብባር ብምትብባዕን ሃናጺ ሓድሕዳዊ ርክብ ብምህናጽን ምክብባር ዘለዎ ዘተ ከተስፋሕፍሕ" ከም እትደሊ ይገልጽ።
ዩኤን ዋች፡ ፋውንደሽን ሰብኣዊ መሰላትን ማእከል ሰብኣዊ መሰላት ራውል ዋለንበርግን ዝተበሃሉ ሰለስተ ጕጅለታት ጐስጓስ ኣብዚ ወርሒ ዘውጽእዎ ጸብጻብ፡ ሩስያ ንኣባልነት እቲ ባይቶ "ብቕዕቲ" ከም ዘይኰነት ደምዲሙ’ዩ።
"ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እትገብሮ ኲናት ገና ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ዳግማይ ናብቲ ባይቶ ክትምለስ ምምራጽ፡ ንሰብኣዊ መሰላት ዓንቃጺ ክኸውን'ዩ፤ ሕቡራት ሃገራት ድማ ንሩስያ ብገበናት ተሓታቲት ንምግባር ዕቱብ ከም ዘይኰነ ዝገልጽ መልእኽቲ'ዩ" ይብል እቲ ጸብጻብ።
ብሪጣንያ፡ ሩስያ ዳግማይ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ክትጽንበር እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ "ብትሪ ከም እትቃወሞ" ገሊጻ ኣላ።
ቢቢሲ ካብ ተልእኾ ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።