እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት ገሊጻ
ዩክረይን፡ ብዓርቢ ኣብ ክሪሚያ ኣብ ልዕሊ ዋና ቤት ጽሕፈት መራኽብ ጸሊም ባሕሪ ሩስያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሚሳይል ምስ ኣኼባ ሰበስልጣን ሓይሊ ባሕሪ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ገሊጻ።
ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ሞትን ጉድኣትን ከም ዘስዓበ እኳ እንተገለጸ፡ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።
ሩስያ፡ ብዓርቢ ሓደ ወተሃደራዊ ሰራሕተኛ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝጠፍአ ገሊጻ።
እዘን ኣብ ወደባዊት ከተማ ሰቫስቶፖል ዝመደበረን መራኽብ፡ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ እተን ዝበለጻ ከም ዝዀና ይንገር።
ዩክረይን ኣብቲ ብዓርቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ካብ ብሪጣንያን ፈረንሳን ረኸበቶም ‘ስቶርም ሻዶው’ ዝተብሃሉ ሚሳይላት ከም ዝተጠቐመት ሓደ ወተሃደራዊ ምንጪ እታ ሃገር ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ትማሊ ቀዳም ዝወጸ ወተሃደራዊ መግለጺ ዩክረይን፡ "ላዕለዎት ኣመራርሓ እተን ሓይሊ መራኽብ ዝርከብዎም ዓሰርተታት” ከም ዝሞቱን ከም ዝቖሰሉን ኣረጋጊጹ።
ሓላፊ ስለያ ዩክረይን፡ ኪሪሎ ቡዳኖቭ፡ ኣብቲ ብሚሳይል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ኣዘዝቲ ሩስያ ብኸቢድ ከም ዝቖሰሉ ገሊጹ።
ቢቢሲ ካብቲ ብኽልቲኡ ወገን ዝቐርብ ክስታት ዓውደ ኩናት ብነጻ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
ኣብ ከባቢ ሰቫስቶፖል ትማሊ ቀዳም’ውን ዳግማይ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙ’ዩ።
ብሩስያ ዝተመዘዘ ኣመሓዳሪ እታ ከተማ ሚካኤል ራዝቮዛየቭ፡ ብመከላኸሊ ኣየር ተመኪቱ ናይ ዝወደቐ ሚሳይል ቁርጽራጽ ኣብ ጥቓ ጽርግያ ከም ዝወደቐ ገሊጹ።
"ኹሉ ሰብ ከይስንብድን በዚ ድማ ንጸላእትና ከየሐጉስን ብትግሃት ንሓትት፤ ስንባደ ቀንዲ ዕላማኦም'ዩ" ክብል ኣብ ቴሌግራም ጽሒፉ።
ሓይልታት ዩክረይን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣብ ክሪሚያ ዝመደበሮም ሓይልታት ሩስያ ዳርጋ መዓልታዊ መጥቃዕቲ ከካይዱ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓይሊ ባሕሪ ዩክረይን፡ ባትሪ ናይቲ ኤስ-400 ዝበሃል ናይ ኣየር ምክልኻል ሚሳይል ከም ዘውደቐን፡ እዚ ድማ ሩስያ ሓድሽ መጥቃዕቲ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ክንክይ ከም ዝገበረን ምግላጹ ይዝከር።
ቅድሚኡ ድማ፡ ሚሳይላት ስቶርም ሻዶው ተጠቒማ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሓንቲ ዓባይ መዓርፎ ነፈርቲን ውስጠ-ባሕራዊን መርከብ ከም ዝተሃስየት ገሊጻ ነይራ።
ኣብ ልዕሊ ክሪሚያ ዝፍጸሙ ዘለዉ መጥቃዕቲታት ብመንጽር እስትራተጂን መርኣያን ኣገዳሲ እዩ።
መራኽብ ጸሊም ባሕሪ ኣብ ዩክረይን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ካብ ምሕጋዝ ብተወሳኺ፡ ቀንዲ ምልክት ናይቲ ኣብቲ ዞባ ንዘመናት ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ህላወ ሩስያ እዩ።
ሩስያ ኣብ 2014 ነታ ሓውሲ ደሴት ብሓይሊ ቅድሚ ምጉባጣ እውን እንተዀነ፡ መደብር እተን መራኸብ ብውዕል ክራይ ኣብ ክሪሚያ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።