ቤትፍርዲ ሌሴቶ ንመሰል ዋሕስ ቀዳማዊት እመቤት ሌሴቶ ነበር: መሳያ ታባኔ: ሰሪዙ

መሳያ ታባኔ: ቶማስ ታባኔ

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

ቤትፍርዲ ጥርዓናት ሌሴቶ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ንበዓልቲቤት ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ነበር፡ መሳያ ታባኔ ተዋሂቡ ዝነበረ ዋሕስ ሰሪዙ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ ካብ መዝነቱ ወሪዱ።

ምክትል ኮምሽነር ፖሊስ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ፍርዲ ብጽሑፍ ኣብ ኢድና ምስ በጽሐ . . . ኣብ ቀይዲ ከነእትዋ ኢና" ኢሉ።

ንሳ፡ ኣብ 2017 ንቕትለት በዓልቲ ቤት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፡ ሊፖሌሎ ታባነ፡ ከም ዝኣዘዘት ትኽሰስ።

ኣብቲ እዋን፡ ሊፖሌሎ ምስ በዓልቤታ ሚስተር ታባነ ኣብ ናይ ፍትሕ መስርሕ እያ ነይራ።

ታባነን በዓልቲቤቱን ግና ኣብቲ ቅትለት ኢድ ከም ዘይብሎም እዮም ዝገልጹ።

እዚ ጉዳይ ኣብታ ንእሽቶ ንግስነት ህውከት ከለዓዕል ከሎ፡ ሚስተር ታባነ ብዝበጽሖ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ መዝነቱ ወሪዱ።