እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኔይማር ብብልሽውና ተኸሲሱ ናብ ቤት-ፍርዲ ክቐርብ እዩ
ስሙይ ብራዚላዊ ተፃዋቲ ኵዕሶ እግሪ ኔይማር ጁኒየር፡ ምስ ዝውውር ብዝዛመድ ብምትላል ተኸሲሱ ናብ ቤት-ፍርዲ ከምዝቐርብ ተገሊፁ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ንፈረንሳዊ ጋንታ ፓሪ ሴን ዠርመን (ፒኤስጂ) ዝፃወት ኔይማር፡ ንዓመታት ኣብ ዝቐፀለ ከይዲ ቤት-ፍርዲ፡ ክሲ ብልሽውናን ምትላልን ቀሪብሉ ኣሎ።
ጉዳይ ኔይማር ድማ፡ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ጥቅምቲ ፀዋታ ዋንጫ ዓለም ኣብ ኳታር ቅድሚ ምክያዱ ኣብ ቤት-ፍርዲ ክረኣይ እዩ።
ካብ ኔይማር ብተወሳኺ ካልኦት ሰባት እውን ናብ ቤት-ፍርዲ ክቐርቡ ትፅቢት ይግበር።
ቅድሚ ሕዚ ፕረዚደንታት ጋንታ ባርሴሎና ዝነበሩ ጆሴፍ ማሪያ ባርቶሙን ሳንድሮ ሮሴልን፡ ከምኡ እውን ወለዲ ኔይማር ብተመሳሳሊ ክሲ ናብ ቤት-ፍርዲ ከምዝቐርቡ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ ስፔን ፀብፂበን።
ኣብዚ ክሲ ስሞም ዝተልዓሉ ውልቀሰባት ኩሎም ነቲ ዝቐረበሎም ክሲ ከምዘይወዓልዎ እዮም ዝገልፁ።
ነዚ ክሲ ዝኸፈተ ትካል፡ ቅድሚ ዓመታት ኔይማር ካብ ብራዚላዊ ጋንታ ሳንቶስ ክዘዋወር እንከሎ 40 ሚእታዊ ገንዘብ ይግበኣኒ ኢሉ።
ኔይማር ዝተዘዋወረሉ መጠን ገንዘብ ወግዓዊ ከይኸውን ስለዝተገበረ፡ እቲ ከሳሲ ትካል ክረኽቦ ካብ ዝግባእ ገንዘብ ውሑድ ከምዝተቐበለ ገሊፁ።
ናይቲ ብልዑል ገንዘብ ከምዝዘዋወር ዝዝረበሉ ኔይማር፡ መጠን ዝተዘዋወረሉ ገንዘብ ብሕጋዊ ምስሕሓባት ዝተኸበበ ምዃኑ እዩ ዝዝረብ።
ንባርሴሎና ዝተሰናበተ ኔይማር ካብ ቤት-ፍርዲ ስምምዕ ወፃኢ ብ222 ሚልየን ዩሮ ናብ ፒኤስጂ ከምዝተፀንበረ ይፍለጥ።
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበረ ሞጎት ቤት-ፍርዲ፡ ባርሴሎና ንኔይማር ካብ ሳንቶስ ዘዘዋወረሉ ከይዲ ሕጋዊ መስርሓት ተጣሒሶም እዮም ብዝብል፡ ባርሴሎና 5.5 ሚልየን ዩሮ ክኸፍል ተበይንዎ ነይሩ።