ቸልሲ ንራሂም ስተርሊን ካብ ማንቸስተር ሲቲ ክተፈርም ተሰማሚዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቸልሲ ንእንግሊዛዊ ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ራሂም ስተርሊን ንምግዛእ ምስ ማንቸስተር ሲቲ ተሰማሚዓ።
እዚ ውዕል ክሳብ 50 ሚልዮን ፓውንድ ዝበፅሕ ኮይኑ፡ ስተርሊን ብናይ ሓሙሽተ ዓመት ውዕል ናብ ስታምፎርድ ብሪጅ ክኣቱ ምዃኑ ተገሊጹ።
ስተርሊን ቅድሚ እቲ ስምምዕ ምፍፃሙ ሕክምናዊ መርመራ ክገብር ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።
ወዲ 27 ዓመት ተጻዋታይ: ምስ ሲቲ ዝነበሮ ውዕሊ ገና ሓደ ዓመት እናተረፎ፡ ቀልቢ ዓበይቲ ጋንታታት ስሒቡ ነይሩ።
ሲቲ ንስተርሊን ኣብ 2015 ካብ ሊቨርፑል ብ49 ሚልዮን ፓውንድ ከምዘፈረመቶ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ዝተሰለፈሎም 339 ጸወታታት 131 ሸቶታት ኣመዝጊቡ።
እቲ ውዕል እንተተዛዚሙ፡ ኣብዚ ክራማት ብቶድ ቦይሊ ዝምራሕ ሕብረት ንቸልሲ ድሕሪ ምዕዳጉ፡ ስተርሊን ናብታ ጋንታ ክፅምበር ዝተሰማምዐ ናይ መጀመርታ ዓቢ ፈራሚት ክኸውን’ዩ።
ጋንታ ቸልሲ ቅድመ-ግጥማት ፕሪምየርሊግ ኢንግሊዝ ንዝህልዋ ፀዋታ ኣብ ዝመፅእ ሰሙን ናብ ኣሜሪካ ከይገሸት ከላ እቲ ውዕል ክዛዘም ትጽቢት ይግበር።
ከም ባርሴሎና፣ ርያል ማድሪድን ባየር ሙኒክን ዝበላ ካልኦት ጋንታታት'ውን ንስተርሊንግ ከፈርማ ድልየት ነይርወን። እንተኾነ ግን እቲ ተጻዋታይ ቸልሲ ክትፈርሞ ዘለዋ ድልየት ብዕልን ብውልቅን ምስሓበረትሉ ተሳሒቡ’ሎ።
ሲቲ ስተርሊን ክጸንሕ ድልየት ዝነበራ ኮይኑ፡ ንሱ’ውን ኣብ ልዕሊ እታ ጋንታ ይኹን ኣሰልጣኒ ፔፕ ጋርድዮላ ዝኾነ ሕማቕ ስምዒት የብሉን።
ይኹን እምበር ነዚ ኣብ ሂወቱ ከም ኣገዳሲ ውዕል ዝርእይ ስተርሊን ምስታ ንኹሉ ዓበይቲ ውድድራት ብዝለዓለ ብቕዓት እትወዳደር ጋንታ ተሰሊፉ ክፃወተላ ድልየት ኣለዎ።
ስተርሊን ገና ክፍጽሞ ዝደሊ ናይ ጋንታን ፕሮፌሽናልን ሸቶታት ኣለዎ፤ ምዕዋት ‘ባሎን ዲኦር’ ድማ ሓደ ካብ ሸቶታት’ዩ።
ንኣማራጺታት ምጥቃዕ ቸልሲ ከዕብይ?
ኣሰልጣኒ ቸልሲ ቶማስ ቱኸል፡ ሮሜሉ ሉካኩ ንሓደ ዓመተ ብልቓሕ ናብ ኢንተርሚላን ድሕሪ ምጽንባሩ፡ ንክፍሊ ኣጥቃዕቱ ከጠናኽር ክፅዕር ፀኒሑ’ሎ።
ቤልጅየማዊ ኣጥቃዓይ ሉካኩ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኩሉ ውድድራት 15 ሸቶታት ብምምዝጋብ ናይታ ጋንታ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ነይሩ።
ስተርሊንግ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 30 ጸወታታት ፕረምየርሊግ 13 ሸቶታት ዘመዝገበ ኮይኑ፡ ንራብዓይ ግዜ ዋንጫ ፕሪምየርሊግ ብምዕታር፡ ምስ ሲቲ ኣብ ዘሕለፎ 7 ዓመታት ትሸዓተ ዓበይቲ ዓወታት ረኺቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ጃክ ግሪሊሽ ነታ ጋንታ ብምፍራሙ ግን ዕድል ስተርሊንግ ተደሪቱ። ኣጥቃዓይ ኤርሊን ሃላንድን ጁልያን ኣልቫረዝን ከኣ ኣብዚ ክራማት ናብ ስታድዩም ኢትሃድ ኣትዮም ኣለዉ።
ስተርሊንግ ጋንትኡ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ሻምፕዮንስ ሊግ ብርያል ማድሪድ ኣብ ዝተሳዕረትሎም ክልተ ግጥማት ከምኡ ድማ ኣንጻር ኣስቶንቪላ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ጸወታ ኣብ ተቐያሪ ወንበር ምንባሩ ይዝከር።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
