ብዝጥሓለት ጃልባ 34 ስደተኛታት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ገምገም ባሕሪ ሶርያ፡ ስደተኛታት ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ ኣስታት 34 ስደተኛታት ሞይቶም።
ካልኦት 20 ውጻእ መዓት ኣብ ታርተስ፡ ደቡባዊት ከተማ ሶርያ ሕክምናዊ ክንክን ከም ዝተገብረሎም ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ።
ሰብ መዚ ነቶም ካብቲ ሓደጋ ንዝደሓኑ ስደተኛታት ተወኪሶም ከም ዝሓበርዎ፡ እታ ጃልባ ካብ 120 ክሳብ 150 ዝዀኑ ሰባት ጽዒና ኣብ ጥቓ ወደባዊት ከተማ ሊባኖስ ትሪፖሊ ካብ እትርከብ ሚንየህ ከም ዝተበገሰት ሓቢሮም።
መስርሕ ምድሓን ህይወት ግዳያት ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከም ዝነበረ’ውን ተዛሪቦም።
ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ሶርያ እትርከብ ታርተስ ካብ ሰሜናዊ ሸነኽ ወደባዊት ከተማ ሊባኖስ ትሪፖሊ 50 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ትርከብ።
ሊባኖስ፡ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ሶርያውያን ስደተኛታት፡ ከምኡ’ውን 14 ሽሕ ስደተኛታት ካልኦት ሃገራት ኣዕቝባ ከም እትርከብ ጸብጻባት ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ይዅን’ምበር፡ እታ ሃገር ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስን እቲ ኣብ 2020 ዘጋጠመ ምፍንጃር ወደብ በይሩትን ዝስዓቦ ጽልዋ፡ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ከምእትርከብ ይፍለጥ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ህዝባ መግብን መድሃኒትን ንምግዛእ ይጽገም ኣሎ።
እዚ ድማ፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ከቢድ ጽልዋ የሕድረሎም ኣሎ፤ መብዛሕትኦም ናብ ኣውሮጳ ንምኻድ ሓደገኛ መገዲ ይመርጹ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ስደተኛታት ሒዛ ካብ ሊባኖስ ናብ ኣውሮጳ ዝተበገሰት ጃልባ ኣብ ገማግም ቱርኪ ምስ ጠሓለት ህጻናት ዝርከብዎም ሽዱሽተ ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር።
ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ፡ ካብታ ጃልባ 73 ስደተኛታት ከም ዝድሓኑ ገሊጾም።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

