ኣብ ፍሎሪዳ ካብ መኪና ዝተኻዕወ ቢራ ጽርግያ ዓጽዩ

ምንጪ ስእሊ, FHP TAMPA TWITTER
Published
ኣብ ፍሎሪዳ፡ ሓሙሽተ ዓበይቲ መካይን ድሕሪ ምግጫወን ሓደ ቀንዲ መንገዲ ብታኒካታት ቢራ ከምዝተዓጸወ ተገሊጹ።
እቲ ሓደጋ ብረቡዕ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ‘ኩልስ ላይት’ ዝተባህለ ቢራ ጽዒና ዝነበረት ዓባይ መኪና፡ ኣብ ደረት ጽርግያ ተጸጊዐን ምስ ዝነበራ መካይን ድሕሪ ምግጫዋ እዩ ተኸሲቱ።
ምክትታል ጽርግያታት ፍሎሪዳ ዝዘርግሖ ስእሊ፡ እቲ ታኒካታት ቢራ ካብ ምብዝሑ ዝተላዕለ እቲ ጽርግያ ተሸፊኑ የርኢ።
ኣብ ሰብ ግን ዝበጽሐ ጉድኣት ቀሊል ምዃኑ ተገሊጹ።
ብመሰረት ጸብጻብ ‘ታምፓ ቤይ ታየምስ’፡ ኣብቲ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ዘለዎ መስመር፡ ክልተ ተሰሓቢ ዘለወን ዓበይቲ መካይን ረቡዕ ንግሆ ድሕሪ ምግጫወን ተጸጊዐን ነይረን።
ድሒረን ካልኦት ክልተ ዓበይቲ መካይንን ሓንቲ ፒክኣፕን ክውሰኽአን እንከለዋ፡ እታ ሓምሸይቲ፡ ነቲ ቢራ ጽዒና ዝነበረት ዓባይ መኪና፡ ኣቐዲማ ደው ክትብል ብዘይምኽኣላ ምስ’ተን ተጸጊዐን ዝነበራ መካይን ከምዝተጋጨወት ተፈሊጡ።
ብዘይካ እቲ ቢራ፡ ሓንቲ ካብተን መካይን፡ ባዕጢ ስሚንቶ ጽዒና ብምንባራ’ውን ኣብቲ ጽርጊያ ከምዝተኻዕወ ተገሊጹ።
እቲ ጽርግያ ድሕሪ ሰዓታት ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ’ውን ተገሊጹ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

