ኢትዮጵያ፡ ዓንቀጽ 39 ጉዳይ ኣዲስ ኣበባን ስርዓተ-መንግስትን ቀንዲ ሃገራዊ ኣጀንዳታት ምምኽኻር

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian News Agency
ኮምሽን ሃገራዊ ምምኽኻር ኢትዮጵያ፡ ኣብ 15 ሓምለ 2026 ንዝጅምር ሃገራዊ ዋዕላ ንምዝታይ ዘኽእሉ ሸሞንተ ጉጅለ-ኣጀንዳታት ብወግዒ ፈልዩ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
ካብዞም ኣጀንዳታት እቶም ቀንዲ ኣካታዕቲ ዝዀኑ ዓንቀጽ 39 (መሰል ርእሰ-ውሳነ)፡ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባን ኦሮምያን፡ ከምኡ'ውን ቅርጺ ስርዓተ-መንግስቲ ብቐዳምነት ተሰሪዖም ይርከቡ።
ዋና ኮምሽነር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ፡ ብረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምግላጽ ኣጀንዳታት ከም ዝሓበሮ፡ እዞም "ሸሞንተ ሃገራዊ ኣጀንዳታት" ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብደረጃ ሃገር ኣብ ዝካየዱ ኣኼባታትን ካልእ መንገድታትን ካብ ዝተኣከቡ ሓሳባት ዝተለልዩ እዮም።
እቲ ኮምሽነር ከም ዘብርሆ፡ እቲ ቀዳማይ ኣጀንዳ "ህንጸት ሃገር" ዝብል ኰይኑ፡ ኣብ ትሕቲኡ "መንነትን ዋንነት ሃገርን" ከምኡ'ውን "ሓባራዊ መንነትን ክብርታትን" ዝብሉ ንኡሳን ቴማታት ተኻቲቶም ኣለዉ።
ብተወሳኺ፡ ምምሕያሽ ቅዋም፡ መረጻን ኣማራጺ ፖለቲካዊ ስርዓታትን፡ ከምኡ'ውን ቅዋማዊ ኵነታት ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን፡ መንነትን ቋንቋን ኣብዚ ዋዕላ ብዕምቈት ክዝተየሎም እዩ።
ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣተኵሮ ዝስሕቡ ዘለዉ ነጥብታት፡ ኣብ ዓንቀጽ 39 ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቐመጠ "ቅርጺ ስርዓተ-መንግስቲ"ን "መሰል ርእሰ ውሳነ"ን እዩ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ነዊሕ ዝጸንሑ ፖለቲካዊ ምስሕሓባት ሓደ ዝዀነ ጉዳይ ርእሰ-ከተማ፣ ማለት ሕጋውን ምምሕዳራውን ኵነታት ከተማ ኣዲስ ኣበባን፡ "ምስ ክልል ኦሮምያ ዘለዋ ርክብን (ቅዋማዊ መሰል)" ኣብ ኣጀንዳታት እቲ ምምኽኻር ሰፊሩ ይርከብ።
ብተወሳኺ፡ "መጻኢ ዕጫ" ከተማ ድሬዳዋ፡ ጉዳይ ዋንነት መሬትን ሃገራዊ ዕርቅን ኣካል ናይቲ ሓፈሻዊ ዘተ ክዀኑ እዮም።
እዞም ናይ መወዳእታ ኣጀንዳታት ኣብ ደረጃ ፈደራልን ክልላትን ምስ ህዝቢ ብዝተኻየዱ ናይ ምምኽኻር ዋዕላታት ዝተዋጽኡ ኰይኖም፡ ኣብ ክልል ትግራይ ግን ብሰንኪ እቲ ዘይርጉእ ጸጥታዊ ኵነታት፡ "ኣጀንዳ ናይ ምትእኽኻብ ንጥፈት" ከይተኻየደ ተሪፉ እዩ።
ይዅን እምበር፡ ዝተወሰኑ ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተረኽብሉ መድረኽ ተዳልዩ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ኮምሽን፡ "ኣብ ኣዝዮም መሰረታዊ ጉዳያት ሃገር፡ ንዅሉ ዘሳትፍ ምይይጥ ብምክያድ ዝሓሸ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምህናጽ፡" ብዝብል ተልእኾ፡ ቅድሚ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ዝተመስረተ ሃገራዊ ትካል እዩ።
ጸገማት እታ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት ብዝካየድ ግጭታት ኣብ ወጥሪ እትርከብ ኢትዮጵያ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ዝገልጹ ወገናት፡ ብዛዕባ ኣገባባት ኣሰራርሓ እቲ ኮምሽን ሕቶታት ከልዕሉ ጸኒሖም እዮም።
ብፍላይ እቲ ኮምሽን ተሳተፍቲ ምልላይ ካብ ሕብረተሰብ ምጅማሩ "መፍትሕ እቲ ጸገም ከምዘለለየ" ክቝጸር እንከሎ፡ "ኣገባቡ ግን ንዕላማኡ ዘስሕቶ" እዩ ብዝብል ይንቕፉ።
ምንጪ ሓሳብን ዘይምርድዳእን መብዛሕትኡ ካብ ልሂቃን [ኤሊት] ዝብገሱ ምዃኖም ድማ ከም ምኽንያት ብምጥቃስ፡ እቲ ምይይጥ ካብ 'ወነንቲ እቲ ጸገም' ካብ ላዕሊ [ልሂቃን] ክጅምር ነይርዎ ዝብል ምጕት ይቐርብ።
ነዚ ኣመልኪቱ፡ ኮምሽነር ፕሮፌሰር መስፍን፡ ከምዚ ዓይነት ሕቶታት ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ከም ዝመጽእ ብምጥቃስ፡ እቲ ኮምሽን ነዚ እንተ ዝገብር "ስርሑ ምቐለለ" ክብል ርእይቶኡ ሂብሉ ምንባሩ ኣይርሳዕን።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
