ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ ኮሚሽን ምምኽኻር ዛጊት እንታይ ኣሳሊጡ?

ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ

ምንጪ ስእሊ, DIALOGUE COMMISSION/FB

መግለጺ ስእሊ, ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ
Published

"ኣብ ኣዝዮም መሰረታዊ ጉዳያት ሃገር፡ ንዅሉ ዘካትት ምይይጥ ብምክያድ ዝሓሸ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምህናጽ" ብዝብል ተልእኾ ዝተመስረተ ሃገራዊ ኮሚሽን ምምኽኻር ኢትዮጵያ ካብ ዝምስረት ክልተ ዓመት ሓሊፉ ኣሎ።

ኣብዞም እዋናት እቲ ኮሚሽን ስርሑ ኣብ 'ምዕራፍ ቅድመ ምድላው፡ ምድላውን ምምኽኻርን' ብምኽፋል ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ እዩ።

ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢን ኣብተን ብጐንጺ ዝተዓብለላ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዝርከቡ ከባቢታት ከይሓወሰ ካብ ኣብ 10 ክልላትን ምምሕዳራት ከተማታትን ኣብቲ ምይይጥ ዝተሳተፉ ኣካላት ከምዘለለየ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ኮሚሽን፡ ኣብቶም ምንጪ ፍልልይን ዘይምርድዳእን እዮም ዝተበሃሉ ጉዳያት ንዘካይዶ ምምይያጥ ተሳተፍቲ ካብ ኣብ ትሑት ክፋላት ሕብረተሰብ እዩ ክመርጽ።

ይዅን እምበር ኣብታ ሃገር መበገሲ ዝበዝሑ ግጭታትን ጸገማትን፡ 'ኤሊት' ስለዝዀኑ እቲ ምይይጥ ካብኦም ክጅምር ኣለዎ ዝብሉ ኣለው።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝካየድ ዘሎ ዕጥቃዊ ንጥፈታት ድማ ከም ምኽንያት ብምጥቃስ ነዞም ጕጅለታት ከየሳተፈ ዝግበር ዘተ ዕንቅፋት ክፈጥር ይኽእል እዩ ይብሉ።

እቲ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኵነታት ስርሑ ዝተደናጐየ ኮሚሽን ግን፡ ምስ መንግስቲ ኣብ ዕጥቃዊ ግጭት ዝርከቡ ዕጡቓት ጕጅለታት "ኣጽዋሮም ንጐድኒ ገዲፎም" ክዛተዩ ይላቦ ኣሎ።

እቲ ኮሚሽን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ድሕነት ናይቶም ክዛተዩ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ዕጡቓት ንምሕላው "ሰላማዊ መንገዲ" ከም ዘመቻችእ ሓቢሩ።

‘እቲ ዘተ ምስቶም 'ልሂቃን' ክኸውን ነይርዎ’

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንገለ ጸገማት ኢትዮጵያ ዝተሓላለኸ ክብሉ ዝገልጹ ወገናት ብዛዕባ ኣገባብ እቲ ኮሚሽን ሕቶታት የልዕሉ። ብፍላይ እቲ ኮሚሽን ተሳተፍቲ ምልላይ ካብ ሕብረተሰብ ምጅማሩ "መፍትሕ እቲ ጸገም ከምዘለለየ" ክቝጸር እንከሎ፡ "ኣገባቡ ነቲ ዕላማኡ ዘስሕቶ" እዩ ብዝብል ይንቀፍ።

ምንጪ ሓሳብን ዘይምርድዳእን መብዛሕትኡ ካብ ልሂቃን [ኤሊት] ዝብገሱ ምዃኖም ድማ ከም ምኽንያት ብምጥቃስ እቲ ምይይጥ ካብ ‘ወነንቲ እቲ ጸገም’ ካብ ላዕሊ [ልሂቃን] ክጅምር ነይርዎ ይብሉ።

ከምዚ ዓይነት ሕቶታት ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ከምዝመጽእ ዝጠቐሰ ዋና ኮሚሽነር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ፡ እቲ ኮሚሽን ነዚ እንተዝገብር "ስርሑ ምቐለለ" ይብል።

ወሲኹ እውን፡ እቶም ልሂቃን ምንጪ ጸገማት ምዃኖም “ከይተሓልመ ዝተፈትሐ” እዩ’ኳ እንተበለ፡ እቲ መመስረቲ ኣዋጅ ግን ነቲ ምይይጥ ምስ ልሂቅ ጥራይ ንኸይግበር ከምዝድርቶም ገሊጹ።

"ኣብ ሽዱሽተ ኣጀንዳታት ሓይሊ ዘለዎም፡ ልሂቃን ኢና፡ ምሁራት ኢና ዝብሉ መሪጽካ ኣኪብካ ብዛዕባ’ዚ ተዛተዩ ምባል ይከኣል እዩ። ንዓና’ውን ኣዝዩ ምቐለለና ነይሩ። ክሳዕ ሕጂ ብዙሕ ምተጓዓዝና ነይርና።"

እቲ ቀንዲ ዕላማ [መመስረቲ] ኣዋጅ 1265/2014 ግን፡ እቶም መትከላት ንዅሉ ዝሓቍፍ፡ ግልጺ፡ ተኣማንነት፡ ተጻዋርነት፡ ምክብባር፡ ርትዓውነት፡ ዘይሻራዊ ምምችቻእ...ከምዘጠቓልል ብምጥቃስ ምኽንያት ትዅረቶም ኣብሪሁ።

"ስለዚ ንዅሉ ዝሓቍፍን ግልጺ ወይ ኣሳታፊ እንተተባሂሉ፡ እቲ ኣዋጅ ንምሁራትን ንልሂቃን፡ ፖለቲከኛታትን ጥራይ ኢሉ ስለዘየቐመጠ ንዅላትና ኢትዮጵያውያን [ማለት] እዩ” ዝብል መልሲ ሂቡ።

እቲ ዝተሃሰየ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣጀንዳ ኣለዎ ዝብል እቲ ዋና ኮሚሽነር፡ ልሂቃን ምስ ካልኦት ደርብታት ይዛተዩ ምባል "ዲሞክራስያዊ ኣቀራርባ" ምዃኑ ገሊጹ።

". . . እቲ ህዝቢ ኢትዮጵያዊ እየ እናበለ ክቕጽል እንተዀይኑ ኣብ ውሳነ እቲ ዝህሉ ማሕበራዊ ውዕል ምሉእ ተሳትፎ ክህልዎ ኣለዎ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

ካብ ኵሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ዝመጹ፡ ኣብቲ ሃገራዊ ዋዕላ ምይይጥ "ብማዕረ" ኣብ ዝተመርጹን ቀዳምነት ዝወሃቦምን ኣጀንዳታት ብሓባር ክዛተዩ ምዃኖም እውን ኣፍሊጡ።

“ኣብ ዶብ ሶማል ዝርከብ ጓሳ፡ ምስቲ ኣብ ዛላምበሳ ዘሎ ሓረስታይ ማዕረ ተመያይጡ፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ እትበሃል ሃገር ኣብ ሓባራዊ ርድኢት ምብጻሕ ማለት እዩ” ብምባል ኣካይዳ እቲ ኮሚሽን "ንዅሉ ዝሓቁፍ" እምበር ንኤሊታት ዘግልል ከምዘይኰነ ፕሮፌሰር መስፍን ኣስሚሩ።

ዕጡቓት ሓይልታትን ምይይጥን

ኮሚሽን ሃገራዊ ምምኽኻር ኢትዮጵያ፡ ኵሉ “ዕዉት ዝዀነሉ እዩ” ንዝበሎ ምይይጥ ምስ ዕጡቓት ሓይልታት ንምዝታይ ድሌት ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ እኳ እንተገለጸ፡ ዕጡቓት ግን ነዚ ዘተ 'ዕጥቆም ከቐምጡ' ኣለዎም ይብል።

"ሓደ 'ክላሽኒኮቭ' ሓደ ድማ 'ማካሮቨይ' ሒዝካ ሽማግለ ኣዳሊኻ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ኮፍ ምባል ኣይከኣልን። እዚ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ኣጽዋርና ንጐድኒ ገዲፍና ንምርድዳእ ድሉዋት ኴንና ናብቲ ምይይጥ ዝካየደሉ ቦታ ንመጽእ።"

እቲ ዋና ኮሚሽነር፡ ምይይጥ መጀመርያ "ሰላማዊ መንፈስ" ከምዘድልዮ እውን ኣስሚሩ። ንውጽኢት እቲ ምይይጥ ድማ ተሳትፎ ዕጡቓትን ካልኦት ኵሎም ወገናት ወሳኒ ምዃኑ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

እንተዀነ እቶም ዕጡቓት ኣጽዋሮም ኣቐሚጦም ንምዝታይ ካብ መንግስቲ ዝመጽእ ስግኣት ከምዘሎ እዮም ዝዛረቡ።

እቲ ኮሚሽን ብወገኑ ነቲ ጻውዒት ክሳብ ሕጂ ዝተቐበሎ ዕጡቕ ሓይሊ ከምዘየለ ገሊጹ። እንተዀነ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ መንግስቲ ኣብ ስምምዕ በጺሑ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝንቀሳቐስ ጕጅለ (ጉህደን) ከምዝተዘራረቡ ጠቒሱ።

"ኣዲስ ኣበባ ኮፍ ኢልካ ዕጡቓት ምርካብ ዝከኣል ነገር ኣይኰነን። ነዚ ንምግባር ድማ ካብቶም ዕጡቓት ቍሩብነት ክህሉ ኣለዎ። ብወገንና ኵሉ ግዜ ድልውነት ኣለና። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ኣበይ ክንራኸብ፡ ኣበይ ክንዛራረብ፡ ብኸመይ ናብ ምይይጥ ክንመጽእ ንኽእል፡ ምስ መንግስቲ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ደረጃ ብደረጃ ክንፈትሖም ኢና” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ፕሮፌሰር መስፍ፡ እቲ ኮሚሽን ምስቶም ዕጡቓት ተራኺቡ፡ ነቲ ስግኣት ንምፍታሕ "መገዲ ሰላም" (ውሕስነት ጸጥታ) ከመቻችእ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።

"ብሰላም ናብቲ ምይይጥ መጺኡ፡ ተሳቲፉ ናብ ምርድዳእ ዝኽየደሉ ኣገባብ ብወገን መንግስቲ ብሕጊ ኣቢሎም ዝግበሩ ጸቕጥታት እንተሃልዮም፡ በቲ ኣዋጅ ብዝተወሃበና ስልጣን መሰረት ምስ መንግስቲ ተዘራሪብና መንገዲ ሰላም ዝበሃል ከነመቻችእ ንኽእል ኢና" ኢሉ።

‘ሃገር እንታይ ክሳዕ ትኸውን እዩ ዝጽበ?’

ሃገራዊ ኮሚሽን ምምኽኻር ክምስረት እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ማእከል "ደማዊ" ኲናት እያ ነይራ። ሕጂ’ውን እንተዀነ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ገና ዕጥቃዊ ግጭት ይካየድ ኣሎ።

እቲ ኮሚሽን ቅድሚ ሕጂ እቲ ሃገራዊ ምምይያጥ ዝጅመረሉ ዕለት ኣፍሊጡ እኳ እንተነበረ፡ ከምቲ ዝተሓሰበ ግን ኣይሰለጠን።

ዝቕጽሉ ዘለዉ ግጭታት ስርሑ ንኸይፍጽም ዕንቅፋት ምዃኖም እቲ ኮሚሽን ብተደጋጋሚ ጠቒሱ እዩ።

ምይይጥ ካብ ዘድልዮም ምኽንያታት ሓደ ጉድለት ሰላም ንምፍታሕ ምዃኑ ዝጠቐሰ ፕሮፌሰር መስፍን፡ “ሃገር እንታይ ክሳዕ ትኸውን እዩ ዝጽበ ዘሎ?” ንዝብል ሕቶ ብዙሕ መልሲ ኣለዎ።

እቲ ዋና ኮሚሽነር እቲ ምይይጥ ከምዝተደናጐየ ይኣምን፤ "ብመደብና እንተንኸይድ ነይርና፡ እቲ ሃገራዊ ምይይጥ ሎሚ ዓመት ምተኻየደ ነይሩ፤ ኣብ ብዙሓት ኣጀንዳታት ስምምዕ ተበጺሑ እዩ። ኣብቶም ስምምዕ ዘይተበጽሓሎም ድማ ካልእ ኣገባባት ክጽበዩ ብምግባር ምኻድ ይከኣል ነይሩ፡ ግን ደንጉዩ'ዩ።"

"ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝዀኑ ጉዳያት ኣለዉ፡" ብምባል ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ግጭታት ዕንቅፋት ከምዝዀኑ ኣመልኪቱ። እቲ ኵነታት ውሳነ ዘድልዮ ምዃኑ እውን ጠቒሱ።

እቲ ፕሮፌሰር ከምዝብሎ፡ ህሉው ኵነታት እታ ሃገር፡ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሃገራዊ ምይይጥ ዝካየደሉ ዕለት ንምቕማጥ በዳሂ ገይርዎ ኣሎ።

“ኣብዚ እዋን’ዚ ክንጅምር ኢና እንተተባህለ፡ [ኵነታት እታ ሃገር] ኣዝዩ ተለዋዋጢ’ዩ። እዚ ብጥንቃቐ ክረአን ክምርመርን ኣለዎ።"

‘እቲ ተቓውሞ ኣብ ጸግዒ ደው ኢልካ ምርኣይ እዩ’

ሃገራዊ ኮሚሽን ምይይጥ ገና ካብ መጀመርታ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ነይሩ። መረጻ ኮሚሽነራት ኣካታዒ ዝነበረ ኰይኑ ብፍላይ ድማ ዘይሻራዊነት ዝምልከት ሕቶ ሕጂ’ውን ይለዓል እዩ።

እቲ ኮሚሽን ምስ ተመስረተ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ውሑዳት ፖለቲካዊ ውድባት "ኮሚሽን ተቓወምቲ ሰልፍታት" ብምቛም፡ ነቲ ኮሚሽን ካብ ምምስራቱ ክሳብ መስርሑ ኰኒኖሞ እዮም።

ዋና ኮሚሽነር ፕሮፌሰር መስፍን፡ ሕቶ ዘይሻራዊነት ከምዝለዓል ብምግላጽ እዚ ግን ካብ ቃላት ንላዕሊ ብጭቡጥ መረድኢታት ክቐርብ ኣለዎ ይብል።

ከም በዓል ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ኮንግረስ ፈደሬሽን ኦሮሞን ዝኣመሰሉ ውድባት ዘልዕልዎም ተቓውሞታት፡ ኣብ ቅቡልነትን ኣድማዕነትን መስርሕ ምይይጥ ዘሕድሮ ጽልዋ እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ እቲ ፕሮፌሰር፡ እቲ ጽልዋ ከይሓብአ ኣብ ህዝቢ ከምዘተኰሩ ገሊጹ።

"ይትረፍ’ዶ እዞም ዓበይቲ ውድባት፡ ንእሽቶ ክፋል ሕብረተሰብ እውን እንተዀነ ኣብዚ ምይይጥ ዘይምክታቶም፡ ዘይምስታፎም ጽልዋ ኣለዎ" ኢሉ። እቶም ውድባት ተገዳስነት እንተዘይሃልዩዎም ክሳተፉ ምግዳድ ከምዘይክእሉ እውን ሓቢሩ።

"ኣብ ዝኸድናዮ ኵሉ 'ሰላም ንደሊ ኢና፤ ፖለቲከኛታትና ግን ከመይ ኢሎም ናብቲ መድረኽ ይመጹ?’ ዝብል ሕቶ ንሕተት ኢና። እዚ ሕቶ መሊስና ንኣታቶም ኢና ንሓቶም። ንምንታይ? ኣብቲ ኮሚሽን ተጸንቢሮም ብሓባር ብምግልጋል እቲ ምይይጥ ንዅላትና ማዕረ ውጽኢት ከምጽእ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም" ይብል እቲ ዋና ኮሚሽነር፤ ወሲኹ መርገጺ ፖለቲከኛታት "ኣብ ጸግዒ ደው ኢልካ ምርኣይ" እዩ ኢሉ።

ሓሙሽተ ኣባላት ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ምሳና ክሰርሑ ድሉዋት እዮም ብምባል እቲ ኮሚሽን ምስ ልዕሊ 40 ውድባት ብቐረባ ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።

ኮሚሽን ስርሑ ኣብ ግዚኡ ክዛዝም ድዩ?

ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ ሃገራዊ ኮሚሽን ምምኽኻር፡ ዕድመ ስልጣኑ ሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ምዃኑ መመስረቲ ኣዋጁ ይገልጽ።

ካብ 14 ለካቲት 2014 [ግ] ዝጀመረ ዕድመ ስልጣኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካልኣይ ዓመቱ ደፊኑ እዩ። ስለዚ እቲ ኮሚሽን ኣብቲ ዘለዎ ግዜ ዝተረፉ ዕማማቱ ክዛዝም ይኽእል ድዩ ዝብል ካልእ ዝለዓል ሕቶ እዩ።

ፕሮፌሰር መስፍን፡ እቲ ኮሚሽን ትጽቢት ዝግበረሉ ስራሕ ክፍጽም እዩ ይብል።

“ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ስራሕና ዛዚምና ክንወጽእ ኢና ንሰርሕ ዘለና። ስለዚ ኣብ ዝተረፈ ግዜ ኣጀንዳ ምእካብ ክንጅምር ኢና” ኢሉ።

ኣተሓሒዙ ነቲ ዝተረፈ ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣድማዕነት ናይቲ ሓሳባት ምይይጥ ንምክትታል ግዜ ከምዝሓጽሮም ኣመልኪቱ።

"ከምቲ ኣብቲ ኣዋጅ ዝተገልጸ፡ ሓሳባት ምይይጥ ንፈጸምቲ ኣካላት ኣቕሪቡ፡ ኣተግቢሩ ንህዝቢ ጸብጻብ እነቕርበሉ ግዜ ግን ኣዝዩ ሓጺር ስለዝዀነ ነዚ ስራሕ ክንትግብር ኢና ዝብል እምነት የብለይን።”

ካብቶም ብኣዋጅ ዝተወሃብዎ ግቡኣትን ሓላፍነታትን ሓደ፡ “. . .ካብ ምይይጥ ዝተረኸቡ ለበዋታት ከምኡ እውን እቶም ለበዋታት ኣብ ተግባር ክውዕሉ ዘኽእሉ መስርሓት ዝገልጽ ሰነድ ኣዳልዩ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ፈጸምቲ ኣካላትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን የቕርብ፤ ንህዝቢ እውን ዕላዊ ይገብር” ይብል።

ብተወሳኺ እቲ ኮሚሽን "ኣተገባብራ እቶም ለበዋታት ዝከታተል ስርዓት ምምዕባል" ሓላፍነት እውን ተዋሂብዎ እዩ።