ኢትዮጵያ፡ ምስ ኤርትራን ህወሓትን ወጥሪ ኣብ ዝሓየለሉ 66 ወተሃደራዊ መዓርግ ሂባ

ምንጪ ስእሊ, PMO/FB
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ምስ ኤርትራን ህወሓትን ዝጸንሐ ምትፍናን እናኸረረ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ን66 መኮንናት ወተሃደራዊ መዓርግ ሂቡ።
በዚ መሰረት ኣርባዕተ መዓርግ ሌተና ጀነራላት ዝነበሩ መኮንናት ምሉእ ጀነራልነት ተዋሂብዎም፤ እቲ ብ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ዝተኣመመ ሽመት ድማ ብኢድ ፕረዚደንት እታ ሃገር ታየ ዓጽቀስላሰ ተዋሂቡ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብቲ ብቐዳም 10 መስከረም 2018 [ግ] ዝተገብረ ጽንብል፡ እዚ ዕብየት መዓርግ ነቲ ዘርኣይዎ፡ተወፋይነት፡ ተኣማንነትን፡ ሓይልን ዝተዋህበ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣማኻሪ ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ዝዀነ ሌተናል ጀነራል ኣለምሸት ደግፌ ምሉእ መዓርግ ጀነራል ከም ዝተዋህቦ የመልክት።
ብተወሳኺ፡ ሓላፊ መምርሒ ምህንድስና ሰራዊት ምክልኻል ሌተናል ጀነራል ደስታ ኣብቼ፡ ሓላፊ መምርሒ ትምህርትን ስልጠናን ሌ/ጀነራል ይመር መኮንንን ሓላፊ ኢስፔክተር ምክልኻል ሌ/ጀነራል ድሪቦ መኮንንን ሰብ ምሉእ መዓርግ ጀነራልነት ኰይኖም።
ብተወሳኺ፡ ክልተ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ካብ ሜ/ጀነራል ናብ ሌ/ጀነራል ክዓብዩ እንከለው፡ 17 ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ድማ ካብ ብ/ጀነራል ናብ ሜ/ጀነራል ዓብዮም።
43 ወተሃደራዊ መኮንናት ድማ፡ ካብ ኮሎኔል ናብ ብርጋዴር ጀነራል ሓፍ ኢሎም ኣለው።
እዞም ብዙሕ ቍጽሪ ዘለዎም መኮንናት፡ በቲ ቀዳማይ ምኒስተር ተሓጽዮም በቲ ፕረዚደንት ዝጸደቐሎም ኰይኖም፡ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወተሃደራዊ ዓቕማ ዘሐይሉ ስርሓት ከም ዝወገነት ብተኸታታሊ ወግዓዊ ድሕሪ ምግባራ ዝመጽእ ዘሎ ምዕባለ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ዝዀኑ ወተሃደራት ኣሰልጢና ከም ዘመረቐት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ እታ ሃገር ኣባላት ሓይሊ ኣየር፣ ምድርን ባሕርን ዘደልድሉ ጸጋታት ቴክኖሎጂ ኣብ ምምዕባል ከም ዘላ እውን ክዛረብ ይስማዕ እዩ።
ንዓሰርተታት ዓመታት ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይብላ ኰይና ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዳግማይ ክትሃንጽን ከተሐይልን ጸኒሓ ኣላ።
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ቤት ጽሕፈት ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሃኒጹ ተመሪቑ።
ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ መልክዕ ቃናን እናሓየለ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ምስ ኤርትራ ናብ ቀጥታዊ ኲናት ከይእቶ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ።
እቲ ነዚ ድሌት ብቕሉዕ ዝዛረበሉ ቀዳማይ ምኒስተር እታ ሃገር፡ ብወገን ኤርትራ "ዝደጋገም መሰልከይን ፖለቲካዊ ዕሽነትን፡" ክትብል ብትሪ ምላሽ ምሃባ ይዝከር።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ምስ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ወጥሪ ኣትዩ ዝርከብ ህወሓት፡ ኣብቲ "ሰሙናዊ መልእኽቲ" ብምባል ብሰንበት ዝዘርግሖ መግለጹ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘወጣውጦ ዘሎ ኣዋጅ ዳግማይ ቅሉዕ ውግእ" ክቝጠብን ነቲ ዝኣተዎ ስምምዕ ሰላም ክትግብርን ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ ክልተ ግዜ ንላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ዕብየት መዓርግ ምሃቡ ይዝከር።
ኣብ ጥሪ 2012 ብድምር 65 ጀነራል መኮንናት ዕብየት መዓርግ ክረኽቡ እንከለዉ፡ ካብዚኦም እቶም ሽዱሽተ ሌተናል ጀነራላት፡ 19 ሜጀር ጀነራላት፡ 40 ድማ ብርጋዴር ጀነራላት እዮም።
ከምኡ'ውን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ ኣብ ታሕሳስ 2014፡ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ፈላማይ ዝዀነ ፊልድ ማርሻልነት ሓዊሱ ን100 ወተሃደራዊ መኮንናት ላዕለዋይ መዓርግ ተዋሂቡ።
ኣብዚ፡ ሓለቓ ስታፍ ዕጡቕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ናብ መዓርግ ፊልድ ማርሻል ክድይብ እንከሎ፡ ኣርባዕተ ጀነራላት፡ 14 ሌተናል ጀነራላት፡ 24 ሜጀር ጀነራላት፡ ከምኡ'ውን 58 ብርጋዴር ናብ ጀነራልነት ደይቦም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
