ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 50 ሰባት ንሓደ ወጻእተኛ ቀጥቂጦም ቀቲሎም

እቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ወጻእተኛታት ተቓውሞ ዘካይዱ፡ ኵሎም  ወረቐት ዘይብሎም ወጻእተኛታት ካብታ ሃገር ክወጽኡ'ዮም ዝጠልቡ ዘለዉ
መግለጺ ስእሊ, እቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ወጻእተኛታት ተቓውሞ ዘካይዱ፡ ኵሎም ወረቐት ዘይብሎም ወጻእተኛታት ካብታ ሃገር ክወጽኡ'ዮም ዝጠልቡ ዘለዉ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ደርባን ኣስታት 50 ዝዀኑ ሰባት ንሓደ ወጻእተኛ ቀጥቂጦም ከምዝቐተልዎ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ፡ እቲ መንነቱ ዘይተገለጸ ኣብ መወዳእታ 30ታት ወይ መጀመርታ 40ታት ዕድመ ዝርከብ ወጻእተኛ፡ ኣብ ወሰን ጽርግያ እንከሎ መጀመርታ ክልተ መንእሰያት ቀሪቦምዎ ጽንሕ ኢሎም ብዙሓት ሰባት ከቢቦም ምስ ሃረምዎ ኣብቲ ቦታ'ዩ ህይወቱ ሓሊፉ።

ፖሊስ ነቲ ፍጻመን ነቲ መጥቃዕ ዕስለን እንታይ ከምዘበገሶን መርመራ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዓመት ኣንጻር ወጻእተኛታት ዝቐንዐ ተቓውሞታት ክካየድ ጸኒሑ'ዩ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት'ውን እቲ ተቓውሞታት ክሳብ ሞት ዘስዓበ ዕግርግር ክበጽሕ ተራእዩ'ዩ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣብ ደርባንን ኣብ ጥቃ ጆሃንስበርግ ዝርከብ ሰወቶን ሓያለ ድኳናትን መካይንን ብሓዊ ተቓጺሉ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ እቲ ከባቢ ሮበርት ኔትሺንዳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መበገሲ ናይቲ ኣብ ደርባን ዝተፈጸመ ቅትለት ኣብ ሕጂ ኴንካ ክግመት ከምዘይክኣልን ምስተረጋገጸ ተወሳኺ ሓበሬታ ከምዘካፍልን ገሊጹ።

መንግስቲ ኣብ ኢመግረሽን ጽገናታት ከምዘድሊ ብምቕባል፡ እቶም ኣንጻር ወጻእተኛታት ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዘለዉ ሰባት ተቓውሞኦም ሰላማዊ ክገብርዎ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ብርቱዕ ተቓውሞታት ካብ ዝጅመርን መንግስቲ ኣብ ኢሚግረሽን ብዝገበሮ ጽገናታትን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ወጻእተኛታት ናብ ሃገሮም ከምዝተሰጎጉ ወይ ናብ ሃገሮም ከምዝተመልሱ ይግለጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ ካብቶም ነቲ ተቓውሞ ዝውድቡ ዘለዉ ጕጅለታት ዝዀነ 'ማርች ኤንድ ማርች'፡ ኣብ መጀመርታ ኵሎም ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክወጹ 30 ሰነ ናይ መወዳእታ ግዜ'ዩ ኣቐሚጡ ነይሩ።

ቅድሚ እቲ 'ማርች ኤንድ ማርች' ዘቐመጥዎ ናይ መወዳእታ መዓልቲ፡ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ሓያለ ተቓውሞታት ብምክያድ ኣብ ልዕሊ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ሰባት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እዚ ድማ ዚምባብወ፡ ናይጀርያን ጋናን ሓዊሱ ሓያሎ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዜጋታተን ተወሳኺ ዓመጽ ንኸየጋጥም ብምስጋእ ዜጋታተን ካብታ ሃገር ንምውጻእ ስጕምትታት ክወስዳ ደሪኹወን።

ናይጀርያ፡ ኣብታ ወርሒ ናይ ዝሞቱ ክልተ ዜጋታታ ሰብመዚ ደቡብ ኣፍሪቃ ተሓተትቲ ምዃኖም ከሲሳ።

ጋና'ውን ሓደ ባሺር ኢሳቅ ዝተበሃለ ኣቦ ሰለስተ ቈልዑ ዜጋኣ ኣብ ኬፕ ታውን ኣንጻር ወጻእተኛታት ዝዓለመ ተቓውሞታት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ብጥይት ከምዝተቐተለ ኣረጋጊጻ።

እዚ ከኣ ኣብ መንጎ ደቡብ ኣፍሪቃን ጋናን ዲፕሎማስያዊ ምውጣጥ ኣስዒቡ።

ሓንቲ ካብ መራሕቲ 'ማርች ኤንድ ማርች ዝዀነት ጃሲንታ ንጎብሰ ዙማ ፡ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዝዀነ ዓይነት ጽልኢ ከምዘይብላ'ያ ትሕብር።

ንሳ ምስ ቢቢሲ ፎካስ ኦን ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት "ምስዞም ሰባት እኮ ንነዊሕ ዓመታት ክንነብር ጸኒሕና ኢና፤ ሕጂ ግን ኣዝዩ በዚሑ ይኣክል ስለዝበልና ጽልኢ ወጻእተኛታት ኣለኩም ተባሂልና" ትብል።

ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝሓለፈ ኣስታት ዕስራ ዓመት በቲ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዘነጻጸረ መጥቃዕትታ ክትሕመስ ጸኒሓ'ያ።

ኣብ 2008 ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ብዝተለዓለ ተቓውሞታት ብውሕዱ 60 ወጻእተኛታት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ንኽፈናቐሉ ምኽንያት ኰይኑ'ዩ።

እዚ ኣብዚ ዓመት ዝተለዓለ ዕግርግር መበገሲኡ ኣዝዩ ሱር ዝሰደደ ድኽነት፡ ማዕርነት ዘይምህላውን ንሓደ ሲሶ ካብቶም ክሰርሑ ዝኽእሉ ወጻእተኛታት ዝጸሉ ሽቕለት ኣልቦነት ብምህላዉ'ዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ዜጋታት እታ ሃገር፡ ወጻእተኛታት'ዮም፤ ናይ ስራሕ ዕድላትና ዝወስድዎ ዘለዉ ዝብል መረረ'ዮም ዘስምዑ። ኣብዚ ዛዕባ ምርምር ዘካየዱ ተመራመርቲ ግን ነዚ መረረ ዘረጋግጽ ኣብ ባይታ መርትዖ ከምዘየለ'ዮም ዝገልጹ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ቍጠባዊ ጸገማት እኳ እንተሃለዋ፡ ስራሕ፡ ድሕነትን ዝሓሸ ዕድላትን ዝደልዩ ስደተኛታት ሓንቲ ካብተን ኣብታ ኣህጉር ዝርከባ መዕረፊ ዓይኖም ኰይና ትቕጽል ኣላ።