ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ነሓሰ ጥራይ እንተ ወሓደ 60 ኢትዮጵያውያን ምስ ዕጸ-ፋርስ ብዝተሓሓዝ ተታሒዞም

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ስዑዲ ዓረብ ምስ ምስግጋርን ንግድን ዕጸ-ፋርስ ተተሓሒዞም ጥፍኣተኛታት ኣብ ዝተባህሉ ሰባት እተመሓላልፎ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከም ዘሐየለቶ ተገሊጹ።

ብመሰረት ዝወጽኡ ጸብጻባት፡ ኣብዚ ወርሒ ነሓሰ 2026 ጥራይ ጫት ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ዕጸ-ፋርስ ዝተጠርጠሩ እንተ ወሓደ 60 ኢትዮጵያውያን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ውዒሎም ኣለዉ።

ዝሓለፈ ረቡዕ 26 ነሓሰ 2026፡ ተወሳኺ 15 ኢትዮጵያውያን ምስ 290 ኪሎ ግራም ጫት ተታሒዞም ከም ዘለዉ ተገሊጹ ኣሎ።

ጋዜጣ 'ስዑዲ ጋዜት' ንዋና ዳይረክተር ሓለዋ ዶብ ስዑዲ ብምጥቃስ ከም ዝሓበሮ፡ 12 ካብቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ግዝኣታት ጀዛንን ኣሲርን ኣብ ዝተኻየደ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ስርሒታት እዮም ተታሒዞም።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ግዝኣት ሪያድ ዝተኸልከሉ መድሓኒታት (ክኒናት) የከፋፍሉ ነይሮም ዝተባህሉ ካልኦት ሰለስተ ኢትዮጵያውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ጋዜጣ 'ኣል-ሪያድ' ጸብጺቡ።

ስግኣት ፍርዲ ሞትን ኵነታት እሱራትን

እዚ ሰፊሕ ናይ ማእሰርቲ ስርሒት ዝካየድ ዘሎ፡ ስዑዲ ዓረብ ብገበን ዕጸ-ፋርስ ተኸሲሶም ፍርዲ ሞት ኣብ ዝተበየነሎም ኢትዮጵያውያን ተኸታታሊ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣብ እትፍጽመሉ ዘላ እዋን ኰይኑ፡ እቲ ኵነታት ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ዝሓለፉ ኣዋርሕ ሰነን ሓምለን 2026 እውን ተመሳሳሊ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ተፈጺሙ እዩ።

ውድብ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት 'ሂውማን ራይትስ ዎች' ኣብ ሓምለ 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብ ጥሪ 2026 ጀሚሩ እንተ ወሓደ 17 ኢትዮጵያውያን ብሞት ከም ዝተቐጽዑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን እውን ኣስታት 200 ዝዀኑ ኢትዮጵያውያን ፍርዲ ሞት ተበይንሎም ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ስዑዲ ይርከቡ ከም ዘለዉ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም ኣለዉ።

ብመሰረት ጸብጻባት 'ስዑዲ ጋዜት'ን 'ኣል-ሪያድን'፡ ካብ 8 ነሓሰ 2026 ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ ትሽዓተ ዝተፈላለዩ ስርሒታት፡ እቶም 60 ኢትዮጵያውያን ተታሒዞም ኣለዉ።

እቶም ዜጋታት ከም ጫት፡ ሓሺሽን ሕክምናዊ ቍጽጽር ዝግበረሎም ክኒናትን ናብታ ሃገር ንምእታው ክፍትኑ እንከለዉ እዮም ተታሒዞም።

ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ጥራይ 290 ኪሎ ግራም ጫት፡ 33 ኪሎ ግራም ሓሺሽን 72,415 ዝዀኑ ሕክምናዊ ቍጽጽር ዝግበረሎም ክኒናታትን ከም ዝሓዙ ኣፍሊጦም።

ፍትሓውነት መስርሕ ፍርዲ

ካብቶም ፍርዲ ሞት ዝተበይነሎም ዜጋታት ገለ፡ እቲ ዕጸ-ፋርስ ኣብ ኢዶም ዝተረኸበ "ብተንኮል ተታሊሎም" ወይ ድማ ብኣዘዋወርቲ ዕጸ-ፋርስ ብዝተገብረሎም ናይ ገንዘብ ተስፋ ተደፋፊኦም ምዃኑ ይዛረቡ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ስዑዲ ዓረብ እትኽተሎ መስርሕ ፍርዲ ግቡእ ሕጋዊ ኣገባብ ዝተኸተለ ከም ዘይኰነ ይነቕፉ።

ኣብ ሂውማን ራይትስ ዎች ተመራማሪት ጉዳያት ስዑዲ ዓረብ ዝዀነት ጆይ ሼአ፡ ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ነቶም ዝተገለሉ ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን፡ ሓድሓደ ግዜ ጠበቓ ወይ ተርጓሚ ኣብ ዘይብሉን ንሒደት ደቓይቕ ጥራይ ኣብ ዝጸንሕ ናይ መጋባኣያ መስርሕን ሞት ይፈርድሎም ከም ዘለዉ ገሊጻ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝርከቡ ዜጋታት'ውን፡ ንዝቐረበሎም ክሲ ንምክልኻል ወይ ይግባይ ንምባል ዕድል ከም ዘይተዋህቦም የረድኡ።

ሓደ ኢትዮጵያዊ እሱር፡ "ቀዳማይ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ክትቀርብ ከለኻ፡ 'በዚ ገበን ተኸሲስካ ኣለኻ፤ ትእመን ዲኻ?' ኢሉ ጥራይ እዩ ዝሓተካ። ካልኣይ ግዜ ክትቀርብ ከለኻ ድማ ፍርዲ ሞት ይብየነልካ። ድሕሪኡ መከላኸሊ ወይ ይግባይ ዝበሃል ዕድል የሎን"፡ ክብል እቲ መስርሕ ጕድለት ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ጉዳዮም ኣብ መስርሕ ሕጊ ዘሎ ዜጋታት ብዝምልከት ምስ ሰበ-ስልጣን ስዑዲ "ብቐረባ ይዘራረብ" ከም ዘሎን ክሳብ ሕጂ 1,971 ኢትዮጵያውያን ንጉሳዊ ምሕረት ንክረኽቡ ምግባሩን ኣብ ሓምለ 2026 ኣፍሊጡ ነይሩ።