ኢትዮጵያ፡ መብዛሕትኡ ኣብ ትግራይ ዝዀነ ልዕሊ 4 ሚልዮን ህዝቢ ተመዛቢሉ ከምዝርከብ ተሓቢሩ

ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ኢትዮጵያውያን፡ ዝበዝሑ ኣብ ትግራይ ዝርከብዎም፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም ከም ዘለዉ ሓድሽ ጸብጻብ ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ብመሰረት ገምጋም እቲ ትካል: ብሓፈሻ መላእ እታ ሃገር፡ ልዕሊ 4 ነጥቢ 38 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ተመዛቢሎም ከም ዘለዉ ተገሊፁ።
ጎንፅን ኲናትን ቀንዲ ምኽንያት ምምዝባል ከም ዝዀኑ ክግለጽ እንከሎ፡ ድርቅን ኣብ ሞንጐ ሕብረተሰባት ዝረአ ወጥሪን ምትፍናን እውን ይጥቀስ።
እቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ሃገራዊ ጸብጻብ፡ ካብ ዝሓለፈ ሕዳር ክሳብ ሰነ ዝሽፍን ኰይኑ፡ እታ በቲ ንኽልተ ዓመታት ዝፀንሐ ደማዊ ኲናት ዝተሃስየት ክልል ትግራይ ኣብቲ ጸብጻብ ተኻቲታ ትርከብ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ንኲናት ትግራይ ሓዊሱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ጎንፂታት ይካየዱ ኣለው።
ከም ሳዕቤኑ ብዙሓት ሰባት መረበቶምን ገዛውቶምን ገዲፎም ክመዛበሉ ተገዲዶም እዮም።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ካብቶም ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ዝተመዛበሉ ሰባት፡ እቶም 66 ሚእታዊት ብሰንኪ ግጭት ዝተመዛበሉ እዮም።
ካብ ክልላት እታ ሃገር፡ ብብዝሒ ብሰንኪ ኲናት ዝተመዛበሉ ዝርከቡላ ድማ ትግራይ ምዃና እቲ ፀብፃብ ወሲኹ ሓቢሩ።
ቅድም ክብሉ ዝወፅኡ ጸብጻባት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘመልክትዎ፡ ነቲ ኲናት ስዒቡ ኣብቲ ክልል ብሓፈሻ፡ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ዝተመዛበሉ ኰይኖም፡ መብዛሕትኦም ካብ ምዕራብ ትግራይ ብሓይልታት ኣምሓራ ብግፍዒ ዝፈለሱ እዮም።
ብሓፈሽኡ፡ ኩናት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ደው እንተበለ'ኳ፡ መስርሕ ምምላስ ተመዛበልቲ ዛጊድ ከም ዘይተኻየደ ይግለጽ።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ እቶም ኣስታት ክልተ ሚልዮን ዝኰኑ ኣብ ሕመቕ ኩነታት ዝርከቡ ተመዛበልቲ፡ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝፅውዕ ሰላማዊ ሰልፍታት ምክያዶም ዝዝከር እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ድርቅን ጥሜትን
ካብዚ ብዝሰገረ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት’ታ ሃገር፡ ንተኸታተልቲ ዓመታት ዘጋጠመ ድርቂ ምኽንያት ምምዝባል ብዙሓት ሰባት ኰይኑ ኣሎ።
ክልል ሶማል ድማ ብዙሓት ሰባት ብድርቂ ዝተመዛበልሉ እዩ።
ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ጸገማት ንጥሜት ተቓላዕቲ ዝዀኑ 20 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ሓገዝ መግቢ ከምዘድልዮም ሕቡራት ሃገራት ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ ነይሩ፡ ነዚ ድማ 4 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልዮ የረድእ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቕ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ስዒቡ ብዙሕ ህዝቢ ተመዛቢሉ ኣሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘጋጠመ ጎንፂ ድማ ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ማሕበራዊ ቅልውላው ከየስዕብ ስግኣት ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኩነታት ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ዝከታተል ሓደ ትካል ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓሙሽተ ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ነይሮም።
እዚ ድማ፡ ካብ ዓለም ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ዝተመዝገባሉ፡ ዝበዝሐ ኰይኑ ነይሩ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

