ሓደ ወተሃደር ንዝሕልዎ ዝነበረ ሚኒስተር ብጥይት ቀቲሉ

Published

ሓደ ኣባል ሰራዊት ዩጋንዳ ዝኾነ ወተሃደር ነቲ ዝሕልዎ ዝነበረ ሚኒስተር ተኲሱ ቀቲልዎ።

ምክትል ሚኒስተር ጾታን ዕዮን ዝነበረ ጥሮተኛ ኮለነል ቻርለስ ኦኬሎ ኢንጎላ ብሰሉስ'ዩ ኣብ ገዝኡ ተቐቲሉ።

ኣብ መንጎ'ቲ ኣባል ካቢነ ሚኒስተራትን እቲ ዝሕልዎ ዝነበረ ወተሃደርን ምስሕሓብ ምንባሩን ዘይንባሩን ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የለን።

እቲ ወተሃደር ነቲ ኮለነል ድሕሪ ምቕታሉ፡ ርእሱ ከምዝቐተለ ተፈሊጡ'ሎ።

ርእሰቅትለት ቅድሚ ምፍጻሙ፡ እቲ ወተሃደር ኣብቲ ከባቢ ንላዕሊ እናተኮሰ ክንቀሳቐስ ከምዝተራእየ መሰኻኽር ዓይኒ ሓቢሮም።

ሓያለ ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣፈናዊ ጸብጻባት ኣሚቶም ኣለዉ። ኣብ ቦታ ፍጻመ ዝተኣከቡ ሰባት በቲ ኩነታት ከምዝሰንበዱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጹ ቪድዮታት ይገልጹ።

ኮለነል ኢንጎላ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ኣገልጊሉ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣፈኛ ፓርላማ ዩጋንዳ፡ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃበቶ ሓጺር መግለጺ፡ ንሞት ናይቲ ምክትል ሚኒስተር ኣረጋጊጻ።

"ሎሚ ንጉሆ፡ ሞት ክቡር ኢንጎላ ብሓላዊኡ ከምዝተቐትለን፡ እቲ ሓላዊ ርእሱ ከምዝቐተለ ዝገልጽ ዘሕዝን ዜና በጺሑኒ። ነፍሱ ብሰላም ይዕረፍ። ውጥን ኣምላኽ'ዩ ነይሩ። ንቕይሮ ነገር የለንእ" ክትበል ኣኒታ ኣሞንግ ሎሚ ንባላት ባይቶ ተዛሪባ።