ሙሁዚ ካይነሩጋባ - ነቦኡ ብምትካእ ፕረዚደንት ንምዃን ዝህንጠ ዘሎ ጀነራል

Published

ኣብ ዙርያ ዓለም ክቡራት ኣብ ዝበሃሉ ወተሃደራዊ ኣካደሚታት ዝተማሃረ፡ ወዲ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቨኒ፡ በቲ ኣብ ትዊተር ዝዝርግሖ፡ ንሃገራውን ዞባውን ፖለቲካ ናብ ሓሸውየ ዘእቱ ተባራዒ ፖለቲካዊ ልጥፎታት ተፈላጥነት ዝረኸበ ወተሃደራዊ ጀነራል ኮይኑ ኣሎ። 

ጀነራል ሙሁዚ፡ ወተሃደራቱ ንርእሰ ከተማ ኬንያ፡ ናይሮቢ፡ ኣብ ትሕቲ ክልተ ሰሙን ክቆጻጸር ከምዝኽእል፣ ከምኡ’ውን ንተጻባእቲ ግብጺ ከጠንቅቕ ከሎ፡ ዩጋንዳ ኣብ ጎድኒ እታ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር ብምዃን ኣብ ዝኾነ ኲናት ከትሳተፍ ከም እትኽእል ሓቢሩ። 

ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ ሃገሩ ከኣ ነቲ 78 ዝዕድሚኡ ኣቦኡ ናይ ምትካእ ድልየታት ከምዘለዎ ኣርእዩ እዩ። 

ኣብ ትዊተር ኣዘራራቢ ዛዕባታት ከይልጥፍ ንዝተዋሃቦ መምርሒ ብምንጻግ “ኣነ በጽሒ እየ፡ ወላ ሓደ ከኣ ካብ ዝኾነ ነገር ኣይእግደንን እዩ” ኢሉ። 

ዩጋንዳዊ መርማሪ ጋዜጠኛ ሰለሞን ሰርዋንጃ፡ እቲ ልጥፎታት ትዊተር፡ እቲ ብሙሁዚ ዝፍለጥ ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ፡ ፖለቲካዊ ህርፋን ዘለዎ ንጡፍ ኣባል ሰራዊት ምዃኑ ዘርእይ እዩ ይብል። 

“ንደገፍቱ ከረጋግጸሎም ዝደለዮ ነገር፡ ነጻን ብገዛእ ርእሱ ክውስንን ከምዝኽእልን ምርኣይ እዩ። እንተኾነ ግና ጌና ንትእዛዝ ኣቦኡ ከኽብር ትጽቢት ዝግበረሉ ውሉድ እዩ።”

እቲ ካብ 1986 ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዝርከበ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቨኒ፡ ነቲ 48 ዝዕድሚኡ ጀነራል፡ ተካኢኡ ክኸውን ይምልምሎ ከምዘሎ ዝገልጹ ነቐፍቲ፡ እዚ ኣብ ዩጋንዳ ንጉሳዊ ግዝኣት ምትካል እዩ ብምባል ይቃወምዎ።

“እታ ስድራ ንዩጋንዳ ተቖጻጺራ ኣላ። ኣደኡ ኣባል ካቢነ እያ፡ ንሱ ከኣ ኣቦኡ ንምትካእ ልኡል ኮይኑ ኣሎ” ይብል ኣባል ናይቲ ኣብ ኬንያ ዝመደበሩ ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ኣፍሪቃ ዝኾነ ፒተር ካግዋንጃ።

ከምቲ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ሓደ ግዜ ዝገበሮ፡ እቲ ጀነራል ትዊተር ተጠቂሙ ስሙ ልዕል የብል ኣሎ። 

ንሱ፡ ነቲ ናይ ትዊተር ልጥፎታቱ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንምርኻብን ንፖለቲካዊ ዕላማታት ዩጋንዳ ንምስጓምን ዝጥቀም “ተተናኳዪ ልኡኽ” ጌሩ ከምዝርእዮ ፕሮፌሰር ካግዋንጃ ይዛረብ።

“ሙሁዚ ይተዃትኽ፡ ሽዑ ኣቦኡ ናብተን ሃገራት ክኸይድን ይቕሬታ ክሓትትን መገዲ የጣጥሓሉ፡ በዚ ከኣ ምስቲ ዓንኬል መራሕቲ ይላለ ኣሎ፡” ይብል። 

ነዚ ዘርእየና፡ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ግድብ ህዳሴ ምስ ግብጽ ኣብ ሓያል ምስሕሓብ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ጀነራል ካይነሩጋባ ንግብጺ ብትሪ ብምድጋፍ ርእይቶ ድሕሪ ምሃቡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቖጥዓሉ ግዜ ነይሩ እዩ። 

ደሓር፡ እቲ ጀነራል ነቲ “ዘየጸዓድ መንፈስ” ናይ’ቶም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዘለው ሓይልታት ትግራይ ብምድጋፍ “እቶም ንተጋሩ ኣሓትና ዝደፈሩን ኣሕዋትና ዝቐተሉን ክቕጽዑ ኣለዎም ኢሉ!”

እዚ ርእይቶታት፡ በብዙሓት ኢትዮጵያውያን ክንቀፍ እኳ እንተገበሮ፡ ናብታ ሃገር ክጓዓዝን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝትን ክራኸብን መገዲ ከፊቱሉ እዩ። 

ብድሕሪኡ ቃንኡ ብምቕያር ነቲ 46 ዓመት ዝዕድሚኡ መራሒ ኢትዮጵያ “ሓወይ” ኢሉ ክጽውዖን “ንጸገማት ኣፍሪቃ፡ ኣፍሪቃዊ መፍትሒ ክህሉ ከምዘሎ ኢና እንኣምን” ብምባል ምስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ብተደጋጋሚ ዝብሎ ርእይቶ ክሰማማዕን ተራእዩ። 

‘ኣቦን ወድን ብሓባር እዮም ዝሰርሑ’

ጀነራል ካይነሩጋባ ንመራሕቲ ኣፍሪቃን ምስኦም ዘለዎ ዝምድና እንታይ ከምዝመስልን ንምግላጽ፡ ስድራቤታዊ ቃላት ብብዝሒ ክጥቀም ይርአ እዩ። 

ንፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋሜ “ሓወቦይ” ኢሉ ክገልጾ እንከሎ፡ ኣብ ሕርሻኡ በጺሕዎ እዩ። 

ብሰንኪ ምስሕሓብ ርዋንዳን ዩጋንዳን ዶባተን ምስተዓጽወ፡ ንኣቦኡን “ሓወቦኡን” ብምርኻብ ነቲ ዝምድና ንምምሕያሽ ፈተነታት ኣካይዱ። 

ጀነራል ካይነሩጋባ ንኬንያ ኣመልኪቱ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ስልጣኑ ምስ ኣረከበ ኣብ ነሓሰ ከምዝረኸቦ ክገልጽ እንከሎ፡ “እቲ እንኮ ምስ ዓቢ ሓወይ ዘለኒ ጸገም፡ ንሳልሳይ እብረ ዘይምውድዳሩ እዩ። ብቐሊሉ ምተዓወትና ኔርና!” ኢሉ። 

እዚ ኣብ ኬንያውይን ተጠቀምቲ ትዊተር ቁጥዐ ከለዓዕል እንከሎ፡ “ዴሞክራሲ ሃገርና ንምንእኣስ ይፍትን ኣሎ” ብምባል ከሲሶምዎ። 

ፕሮፌሰር ካግዋንጃ ከምዝበሎ፡ ናይቲ ጀነራል መግለጺታት፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዝነበረ ዝምድና ኣብ ዝሓረፈፈሉ እዋን'ዩ መጺኡ። ኣብ መስርሕ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኬንያ፡ ኡሁሩ ኬንያታ ንመራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ ምድጋፉ ባህ ዘይበሎ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮወሪ ሙሰቨኒ፡ ንራይላ ከም "እምብራጦርያዊ ፕሮጀክት" ምዕራባውያን ሃገራት'ዩ ዝርእዮ።

ሙሰቨኒ ነቲ ደሓር ኣብቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝተዓወተ ዊልያም ሩቶ እዩ ዝድግፍ። 

“እቲ ናይ ትዊተር ልጥፎ፡ ኬንያታ ኣብ ፖለቲካ ኬንያ ጌና ኣገዳሲ ተዋሳኢ ብምዃኑ፡ ንምጥባሩ ዝዓለመ እዩ ኔሩ” ይብል ፕሮፌሰር ካግዋንጃ። 

“ኣቦን ወድን ብሓባር እዮም ዝሰርሑ ኔሮም። ሙሁዚ፡ ዕግርግር ብምግባር፡ ንገዛእ ርእሱ ናይ ኣቦኡ ተቓዋሚ ከምስል ይፍትን፤ ንኣቦኡ ከኣ ዝሓሸ ሰብ የምስል።”

ኣብ ትዊተር ልዕሊ 600 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዎ፡ ጀነራል ካይነሩጋባ “ንናይሮቢ [ርእሰ ከተማ ኬንያ] ንምቁጽጻር ክልተ ሰሙን ኣይወስደልናን እዩ” ብምባል ዝያዳ ኣነዓቢ ርእይቶ’ውን ኣካፊሉ ኔሩ። 

እቲ ርእይቶ ነቲ ኣብ 1970ታት ዝዓበየ ክፋል ኬንያ ኣካል ዩጋንዳ እዩ ዝበለ ዩጋንዳዊ ውልቀ መላኺ ኢዲ ኣሚን ዘዘኻኽር ምንባሩን ነታ ንክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ እዋን እተሰሓሕብ ደሴት ሚጊንጎ መፍትሒ ከምዘድሊ ዘአንፍት ምንባሩን ፕሮፌሰር ካግዋንጃ ይገልጽ። 

ካብ ኬንያውያን ተሪር ተቓውሞ ምስ ገጠሞ ግና እቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ “ንሰራዊት ኬንያ ፈጺመ ኣይወቅዕን እየ፡ ምኽንያቱ ኣቦይ ፈጺመ ከይፍትኖ ነጊሩኒ ኣሎ!” ኢሉ። 

መንግስቲ ኬንያ ብወግዒ ዝሃቦ ርእይቶ እኳ እንተዘይነበረ፡ እቲ ምስሕሓብ እናተባኣኣሰ ምስመጸ፡ ሙሰቨኒ ንሩቶ ክድውልን ነቲ ወዱ “ዝፈጸሞ ጌጋ” ይቕሬታ ክሓትትን ተገዲዱ እዩ። 

እዚ ከኣ ሩቶ ኣብ ጽምብል መበል 60 ዓመት ነጻነት ዩጋንዳ ክሳተፍን ጀነራል ካይነሩጋባ “ንዝጸንሑ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ምሉእ ሓገዙ” ከበርክት ምዃኑ ክገልጽን መገዲ ከፊቱ። 

ሰራዊት ዩጋንዳ በቲ እቲ ጀነራል ዝልጥፎ ርእይቶታት ሻቕሎቱ ብምግላጹ፡ ሙሰቨኒ ንወዱ ካብ ሓላፍነት እቲ ሓይሊ ምድሪ ኣልዓሎ። 

“ላዕለዎት ጀነራላት ነቲ ኣብ ሰራዊት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ጉዳይ ዲሲፕሊን ኣልዒሎም፡ ሙሰቨኒ ከኣ ኣማራጺ ኣይነበሮን፡” ይብል ሰርዋንጃ። 

“ካልእ ሰብ እንተዝኸውን ኔሩ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ቤትፍርዲ ምቐረበ ኔሩ።”

እንተኾነ ግና ሙሰቨኒ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቂሙ ንወዱ ናብ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ማእርግ - በዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ጀነራል - ኣዕቢይዎ። ኣማኻሪ እቲ ፕረዚደንት ኮይኑ ምስራሕ’ውን ክቕጽል እዩ። 

'ኣዝዩ ህንጡይ'

ጀነራል ካይነሩጋባ ካብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ሳንድሀርስት ብሪጣንያ ድሕሪ ምምራቑ፡ ኣብቲ ኣብ 1999 ዝተጸንበሮ ሰራዊት ዩጋንዳ ማዕርግ ክውስኽ ጀሚሩ። 

በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑን ክኸውን እንከሎ ሰዓቢ እምነት ክርስትና ምዃኑን ንኽብርታት ስድራቤት ልዑል ክብሪ ከምዘለዎ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝልጥፎም ጽሑፋት የንጸባርቕ። 

ኣብ ምምስራት እቲ ድሕነት ኣቦኡ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ዘለዎ ኣሃዱ፡ እዚ ፍሉይ ሓይሊ (ኤስኤፍሲ)፡ ወሳኒ ተራ እዩ ተጻዊቱ። 

እቲ ኣሃዱ፡ ማእሰርቲን ምስቓይን ንጡፋት ተቓወምቲ ዝርከቦ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻም ይኽሰስ። 

“ሙሆዚ ካብ ማዕርግ ናብ ማዕርግ እናተሰጋገረ፡ ኣብ 2008 ኣዛዚ ሓለውቲ ኣቦኡ ክኸውን እንከሎ፡ ክሳዕ 2017 ኣብቲ ሓላፍነት ጸኒሑ። ኣብ 2020 ኣብ እዋን መረጻ ኣብ ዝነበረ ናዕቢ ናብቲ ኣሃዱ ምምላሱ” ዩጋንዳዊ ጋዜጠኛ ሙሲንጉዚ ብላንሸ ኣብ ኣፍሪካን ሪፖርት ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ይገልጽ።

ኣብዚ እዋን እቲ ጀነራል ካብ ሓላፍነት ሓይሊ ምድሪ ድሕሪ ምእላዩ ኣብቲ ሰራዊት ክሳዕ ክንደይ ጽልዋ ከምዘለዎ ንጹር ኣይኮነን ይብል ሰርዋንጃ። 

ሓደ ንጹር ዝኾነ ነገር እንተሎ፡ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ፡ ወዱ ኣብ ምርጫ 2026 ክትክኦ እዩ ንዝብል ተስፋ ኣህሲሱ ኣሎ። እዚ ከኣ ምክትል ፕረዚደንትን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ዝርከብዎም ናይ ቀደም ብጾቱ፡ ዳግማይ ንፕረዚደንት ክወዳደር ከጉስጉሱሉ ጀሚሮም ብምህላዎም ተንጸባሪቑ ኣሎ።

እዚ፡ ነቶም ኣብ ትዊተር #MKArmy ከምኡ’ውን #MK26 ብዝብል ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ ስልጣን ካብ ኣቦኡ ክቕበል ንምድጋፍ ክካየዱ ዝጸንሑ ጎስጓሳት ዓቢይ ጽፍዒት እዩ። 

ንሱ ኣብ ግንቦት ኣብ ትዊተር ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ “እቶም ኣብ 2026 ክወዳደር እትደልዩኒ ‘ሪትዊት’፡ እቶም ዘይትደልዩ ከኣ ‘ላይክ’ ግበሩ” ኢሉ። 

እዚ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ብዝግበር ጎስጓስ ክሕገዝ እንከሎ፡ ኣብ ሚያዝያ፡ መበል 48 ዓመት ዕለተ ልደት እቲ ጀነራል ምጽንባል፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንእሰያት ንዘሎ ምስሉ ንምዕባይ ዝተፈላለየ ተበግሶታት ምድጋፍ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ዘካተተ እዩ። 

“መሁዚ ዓቢይ ሰራዊት ናይ መንእሰያት ኣለዎ። ደገፍቱ ኣብ መንእሰያት ከተኩሩ ይፍትኑ ኣለው፡” ይብል ሰርዋንጃ። 

እዚ ነቲ እናዓበየ ክመጽእ ንዝጸንሐ ህቡብነት ከም ቦቢ ዋይን ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ መራሕቲ ተቓውሞ ንምግታእ ዝዓለመ ይመስል። 

እቲ ጀነራል ነቲ ካብ ሙዚቀኛ ናብ ፖለቲከኛ ዝተቐየረ ቦቢ ዋይን ከነኣእሶ ከሎ፡ “ካቦቢ” ኢሉ እዩ ዝጽውዖ እዚ ብቋንቋ ስዋሂሉ “ንእሽቶ ቦቢ” ማለት እዩ። 

እቲ ጀነራል ኣብ መረጻ 2026 ንምዕዋት፡ “ካብ መጠን ንላዕሊ ህንጡይ” ኮይኑ ከምዘሎ ሰርዋንጃ ይዛረብ። “ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ደው ዘብሎ ነገር የለን፤ ወላ ነቶም ናቱ’ውን እንተኾነ ካብ ምስዋእ ድሕር ኣይብልን እዩ” ኢሉ። 

ሙሰቨኒ ኣብ ዝቕጽል መረጻ ክወዳደር ምዃኑ እንተኣረጋጊጹ፡ እቲ ብገለ ሰዓብቱ ኣብ ትዊተር ላዕለዋይ መራሒ እዚ ወለዶ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወዱ ንዕኡ ከምዝጉስጉስ ኣየጠራጥርን እዩ።