እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዚንጐ ሰሪቓ ዝተባህለት ሚኒስተር፡ ፋሲካ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከተሕልፍ እያ
ሚኒስተር ካቢኔ ዩጋንዳ ሜሪ ኪቱቱ፡ ዚንጐ ሰሪቓ ብዝብል ተኸሲሳ። እታ ሚኒስተር ግን እቲ ተግባር ከም ዘይፈጸመት ትገልጽ።
እቲ ዚንጐ ኣብ ሰሜን ምብራቕ እታ ሃገር ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ክበጽሕ ዝተሓሰበ እዩ ነይሩ።
ኮሚሽን ምጽራይ ብልሽውና ዩጋንዳ ከም ዝበሎ፡ እቶም ናውቲ ንዝተሓሰበሉ ዕላማ ከይውዓሉ ሚኒስተራት ተማቒሎምዎ። ካብዚኦም ሚኒስትሪ ካቢነ ሜሪ ኪቱቱ ሓንቲ እያ ክብል ከሲሱ።
ካልኦት ዓሰርተ ላዕለዎት ሰብ መዚ እውን ካብዚ ዚንጐ ከም ዝተመቐሉ ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ኮሚሽን፡ ካብቶም ዚንጐ ዝተመቕሉ፡ ምኽትል ፕረዚደት፡ ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ይርከብዎም ኢሉ።
ብዝሒ እቲ ዝተዘምተ ዚንጐ 14 ሽሕን 500 እዩ።
ሽሞም ኣብ ዝርዝር እቶም ዝዘመቱ ሰብ መዚ ዝተጠቐሰ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ይቕሬታ ሓቲቱ፡ ነቲ ንብረት ክመልሶ እንከሎ፡ ካልኦት’ውን ኣሰሩ ክስዕቡ ምዒዱ።
ካልእ ሚኒስተር ድማ እቲ ዝተቐበሎ ዚንጐ ካብ ሓጹር መንበሪ ገዛኡ ነቒሉ መሊሱዎ፡ ክብላ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።
ዞባ ካራሞጃ፡ ንተኸታተልቲ ዓመታት ብደርቂ ዝተጐሳቘለ ከባቢ ኰይኑ፡ ዝናብ ክዘንብ እንከሎ ድማ ብውሑጅ ዝጥቃዕ ከባቢ እዩ።
ብሰንኪ'ዚ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ሓገዝ ዝተሞርኰሰ ህይወት ይመርሑ።
ኣመሓዳሪ እዚ ከባቢ ዝዀነት ሚኒስተር ብረቡዕ ኣብ ቀይዲ ክትኣቱ እንከላ፡ እቲ ንሓገዝ ተባሂሉ ዝመጽአ ዚንጐ ንግዳያት ኣክንዲ ምብጻሕ ንኣዝማዳን ሰበስልጣንን ኣከፋፊላቶ ዝብል ክሲ ቐሪቡላ።
ንሳ ግን እቲ ክሲ ሓሶት’ዩ ክትብል ኣብ ቤት ፍርዲ ተኻቲዓ።
ሓዋ ማይክል ኪቱቱ’ውን ክኽሰስ እንከሎ፡ 100 ዚንጐ ከም ዝወሰደ ተገሊጹ።
እንተዀነ ንሱ’ውን ገበነኛ ኣይኰንኩን ኢሉ።
እታ ሚኒስተር ኣብ ቤት ፍርዲ ክትቀርብ እያ ዝብል ሓያለ ትጽቢት ስለ ዝነበረ፡ ብዙሓት ሚድያታት ኣብ ዝተዓደምሉ መጋብኣያ ገጻን ርእሳን ብሻሽ ሸፊና ቀሪባ።
ጠበቓኣ መሰል ዋሕስ ክኽበረላ'ኳ እንተሓተተ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣይተቐበሎን።
ዓቃቢ ሕጊ ብዋሕስ ከይትወጽእ ክምጕት እንከሎ፡ ብፍላይ ኪቱቱ ኣብ ገዛ ወላዲታ ዚንጐ እኳ እንተተረኸበ፡ ቃላ ከይትህብ ተኸልኪላ እያ ኢሉ።
ስለዚ፡ ብዋሕስ እንተተፈቲሓ እቲ ሓደጋ ዝኸፍአ ክኸውን እዩ ክብል ነቲ ቤት ፍርዲ ኣረዲኡ።
ኪቱቱ ተመራማሪት ከባቢ ኰይና ብሰፊሑ ማውንት ኢልጎን ዝተባህለ ትውልዲ ዓዳ ብምጽናዕ ትፍለጥ።
ብ2016 ኣባል ባይቶ ክትከውን እንከላ፡ ሚኒስተር ማዕድንን ጸዓትን ኰይና ኣገልጊላ እያ።
ኣብ ዩጋንዳ ዓበይቲ ሰብ መዚ ብብልሽውና ምኽሳስ ዝተለምደ'ኳ እንተዀነ፡ እቶም ሚኒስተራት ይቕሬታ ክሓቱ ወይ ካብ ስልጣን ክወርዱ ምርኣይ ግን ብዙሕ ኣይተለምደን።
ፕረዚደንት ሙሰቪኒ ግን እቶም ዝሰረቝ ኵሎም ግቡእ ፍርዲ ክረኽቡ ሓቲቱ ኣሎ።