እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንወጻእታኛታት ክኢላታት ዘስድዕ ዘሎ ዲጂታላዊ ቪዛ
ንዱባይ ኣብ ሕልናኹም ስኣሉዋ፤ እቶም ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት፡ ሰብ-ሰርሖ ደሴታትን ዓበይቲ ማእከላት ዕዳጋ’ዶ ይረኣዩኹም ኣለው?
ካብኡ ብዝተፈለየ ግን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ቀረባ እዋን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ ርሕቀት ሰራሕተኛታት፡ ንግዜኡ እግሮም ዘንብሩላን ስርሖም ዘካይዱላን ሃገር ብምዃን፡ ኣብ መንጐ ኤወሮጳን ኤስያን ዘላ ስትራተጂያዊት ማእከል ክትብሃል እያ።
ናብቲ ዞባ ሓድሽ ክእለት ንምስሓብ ብዝብል፡ ብመጋቢት 2021 ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብራሕቒ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ናይ ሓደ ዓመት መንበሪ ፍቓድ ከም እትህብ ወግዓዊ ገይራ።
እዚ ቪዛ፡ ንኸም ወዲ 31 ዓመት ክኢላ ሶፍትዌር ኢንጂነሪንግ ጁሌን ትሬምብለይ ዝኣመሰሉ ሞያውያን፡ ዓቢይ ዕድል ዝፈጥር እዩ።
ንሱ፡ እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘለዎ ስራሕ ከየቋረጸ፡ ካብ ሞንትሪል ናብ ዱባይ መጺኡ ይነብር ኣሎ።
ብተወሳኺ እዚ ቪዛ፡ ሓደስቲ መጻእቲ፡ መለለዪ መንነትን ነባርነትን ካልኦት ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ንኽረኽቡ የኽእሎም።
ንኣብነት ትሬምበለይ፡ ኣብታ ዝነብረላ ዘሎ ዱባይ ዝዀነ ዓይነት ግብሪ ከይከፈለ፡ ብሕጋዊ መገዲ ኣብታ ሃገር መንበሪ ገዛ ክካረ ወይ ሕሳብ ባንክ ክኸፍት ይኽእል።
“ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመትን መንፈቕን’የ ዲጂታላዊ ሰብኽ-ሳግም ኰይነ፤ ሽዑ ሒደት ኣማራጺታት ቪዛ’ዮም ነይሮም” ዝብል ትሬምብለይ፡ ኣብ ከም ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘለው ኣማራጺታት ግን ቀየርቲ-ሕምባበ ምዃኖም ይዛረብ።
‘ዲጂታል ሰበኽ-ሳግም’ ዝብሃሉ [digital nomads]፡ ቴክኖሎጅን ኢንተርነትን ተጠቒሞም ስርሖም እናሰርሑ ልክዕ ከም ሰበኽ-ሳግም ዝነብሩ ሰባት እዮም።
እዚኦም፡ ብዙሕ ንብረት ዘይብሎም፡ ስርሖም ኣብ ግዝያዊ መንበሪ ገዛ፡ ሆቴላት፡ ካፈታትን ህዝባዊ ኣብያተ-ንባብን ወይ’ውን መዐሸግ መካይን ኰይኖም ካብታ ቀዋሚ መንበሪኦም ዝዀነት ሃገር ርሒቘም፡ መስመር ኢንተርነትን ስማርት ቴሌፎናትን ተጠቒሞም ዝሰርሑ’ዮም።
ገሊኦም እናተጓዓዙ’ውን ዝሰርሑ ኰይኖም፡ ገሊኦም ድማ ንሓጺር ግዜ ኣብ ካልእ ሃገር እናተቐመጡ ኣብታ ዝመጽኡላ ሃገር ዘሎ ስርሖም ብርሕቀት ዝቕጽሉ’ዮም።
እዞም ነዚ ቪዛ ዝጥቀሙ ሰባት፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘሎ ስራሕ ክሰርሑ ይዅን ኣብታ ዘለውላ ሃገር ስራሕ ክቝጸሩ ኣይክእሉን ነይሮም።
እዚ ሓድሽ ቪዛ ግን፡ ኣብ መንጐ እቶም ዘስርሕዎምን ስርሖም ብራሕቒ ዝሰርሑን ሰባት ሕጋዊ ቅጥዒ ወይ ስርዓት ክህሉ ብምግባር፡ ምቹእ ኵነታት ከም ዝፍጠር ገይሩ ኣሎ።
እንተዀነ ሕጂ’ውን፡ ተጠቀምቲ እዚ ቪዛ፡ ዜግነት መበቈል ሃገሮም ንምዕቃብን ከም ጥቕምታት ኣገልግሎታት ጥዕና ንምርካብን፡ ንሃገሮም ግብሪ ክኸፍሉ ይግደዱ’ዮም።
ከም ጸብጻብ ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ስደት፡ ልዕሊ 25 ሃገራትን ግዝኣታትን፡ ዲጂታላዊ ቪዛታት ወግዓዊ ገይረን ኣለዋ።
እዚ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሰፊሑ ክርአ እንከሎ፡ ነዚ እተን ኣብ ቱሪዝም ጽግዕተኛ ዝዀና ንኣሽቱ ሃገራት ኤውሮጳን ካሪብያንን ጀሚረናኦ።
ሕጂ፡ ከም ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ብራዚልን ኢጣልያን ካልኦት ዓቢይ ቍጠባ ዘለወን ሃገራት ተመሳሳሊ ተበግሶታት ይወስዳ ኣለዋ።
እዘን ሃገራት፡ ዲጂታላዊ ቪዛ ‘ሰበኽ-ሳግም’ ሰራሕተኛታት፡ ሓደስቲ ሓሳባትን ክእለታትን ናብ ከባቢአን ዝስሕባሉ መገዲ ገይረን ክወስድኦ እንከለዋ፡ ናይ ርሕቐት ስራሕ ብምዕባይ፡ ርእሰማል ወጻኢ ኣብ ቍጠባአን ዝውዕለሉ መገዲ ገይረን ይጥቀማሉ ኣለዋ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ እቲ ቪዛ ከም ትሬምብለይ ዝበሉ ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ግዜ ዝጸንሑ ሰባት፡ ባህሊ [ኣአንጋዲት ሃገር] ዝምሃርሉን ዕድላት ክረኽቡ የኽእሎም ኣሎ።
እዚ ቪዛ ንምርካብ ዘድልዩ ረቛሒታት ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ይፈላለ እዩ።
ብቐንዱ ግን ካብ ርሑቕ ዝተቘጸርካ ምዃንካ ዘረጋግጽ መረዳእታ፡ መድሕን ጕዕዞን ብውሑድ ወርሓዊ ኣታዊታትካ ዝገልጽ ሓበሬታን ከተቕርብ ትግደድ።
እዚ፡ እቶም ቪዛ ዝወሃቦም ሰባት ናይቲ ከባቢ ስራሕ ከይተቓጸጹ፡ ንርእሶም ክሕግዝሉ ዝኽእሉ ነገር ምህላው ንምርግጋጽ ዝዓለመ እዩ።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወርሓዊ 5000 ዶላር፡ ኣብ ማልታ 2770 ዶላር፡ ኣብ ብራዚል ድማ 1500 ዶላር ኣታዊ ከም ዘለካ ዝሕብር መረዳእታ ትሕተት።
ነቲ ቪዛ ንምርካብ ከተመልክት እንከለኻ ድማ፡ ካብ 200 ክሳብ 2000 ዶላር ትኸፍል። እቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር እትጸንሓሉ ግዜ ድማ፡ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ ክልተ ዓመት ክኸውን ይኽእል።
ገለ ኣመልከትቲ፡ ገንዘቦም መሊሶም ዝረኽብሉ ዕድላት ኣሎ። ንኣብነት ኣርጀንቲና፡ ነቶም ዲጂታላዊ ቪዛ እትህቦም ሰባት፡ ንገዛ መስርሒ ዝኸውን መሬት ዘለዎም፡ ንመገዲ ኣየር እታ ሃገር ተጠቒሞም ናይ ውሽጢ ዓዲ በረራ ዘካይዱን ሰባት ዝተፈላለየ መጠን ክፍሊት እያ ትጥቀም።
ኣባል ባይቶ ኢጣልያ ሉካ ካራቤታ፡ ኢጣልያ ኣብ ወርሒ መስከረም እዚ ቪዛ ምሃብ ከም እትጅምር ገሊጹ ነይሩ።
ነዚ ቪዛ ዝረኽቡ ሰባት፡ 5 ሚእታዊት ዕዳጋ እዚ ኣሰራርሓ ክስሕቡ ትጽቢት ይግበር፤ እዚ ኽኣ ኣብ ሓደ ዓመት ኣስታት 40 ሚሊዮን ሰባት ክኸውን ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።
“ቀዋሚ ቦታ ዘይብሉ ዲጂታላዊ ሰራሕተኛ፡ ካብ ስነህንጻ ክሳብ ምህንድስና [ኢንጅነሪን] ዘበለ ኵሉ ክእለታት ከምጽእ ይኽእል እዩ። ስለዚ ካብ ወጻኢ ንዝመጽኡ ክእለታት ንምኽፋት ጽቡቕ መገዲ እዩ” ኢሉ።
ኣብ ኤውሮጳ፡ ብዝሒ ብዕድመ ዓበይቲ ዝዀኑ ሰባት ኣዝዩ ዝለዓለ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ግዝያዊ ቪዛ መናእሰይ ነበርቲ ንምስሓብ፡ ኣብታ ሃገር ብቐዋምነት ንምንባር መፈተኒ ዝኸውን መሳርሒ ገይርካ እውን ምርኣይ ከም ዝክኣል የብርህ።
“ናይ መወዳእታ ሸቶና፡ ክንሕዞም ምኽኣል እዩ፤ እወ፡ ኣብ ኢጣልያ ከም ኣጋይሽ ግን ክኣ ንርእሶም ኣብዚ ብቐዋምነት ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ምግባር እዩ” ክብል እቲ ኣባል ባይቶ ተዛሪቡ።
ኢጣልያን፡ ነዚ ሓድሽ ቪዛ ንምድላው ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዩሮ ወጻኢ ከም ዝገበረት ካራቤታ ይገልጽ። እዚ ክኣ፡ ናይ መርበብ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ካብ ምዕባይ ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ገጠራት ዘለው መጓዓዝያን ትሕተ ቕርጽን ምዝማን ዘጠቓለለ ከም ዝዀነ ሓቢሩ።
እዚ፡ እቶም ዝያዳ ኣርባሕቲ እንስሳት ኣብ ዝዀኑ፡ ኣብ ወሰናስን ኢጣልያ ዝረገጹ ሰባት፡ ንቝጠባዊ ዕብየት ከበርክቱ ንምግባር ዝዓለመ እዩ።
ኣብ ምልዋጥ ጂኦግራፊ ስራሕ መጽናዕቲ ዘካየደ ፒሪቲራጅ ቾድሃሪ፡ “ሰራሕተኛታት ራሕቒ፡ [ኣብታ ዝጸንሑላ ሃገር] ዶላር ስለ ዝጥቀሙ፡ በዚ ኣብ ቍጠባ ሓንቲ ሃገር ኣበርክቶ ይገብሩ’ዮም። ካብኡ ሓሊፉ፡ ምስቶም ንኣሽቱ መሃዝቲ ስራሕ [ኢንተርፕረነርስ] ርክባት ይፈጥሩ’ዮም” ይብል።
ምልውዋጥ ልምዲ ንሓንቲ ሃገር ዓቢይ ዕድል ከም ዝዀነ ዝገልጽ እቲ ክኢላ፡ ነቲ ህዝቢ ክጠቅም ዝኽእል ልክዕ ሰብ ኣብ ምስሓብ ጻዕሪ ክገብራ ከም ዘለወን ሓቢሩ።
ንሱ፡ እቲ ብ2010 ኣብ ቺለ ዝተጀመረ ፕሮግራም ከም ኣብነት የልዕል።
እዚ፡ ወጻእተኛታት መሃዝቲ ስራሕ፡ ናይ ባዕሎም ቢዝነስ ክጅምሩን ነቶም ዜጋታት ልምዲ ከካፍሉን ቪዛን ናይ ገንዘብ መተባብዕን ብምሃብ፡ ንሓደ ዓመት ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ዘፍቅድ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፡ ቺለ መበገሲ ዝኸውን ውልዶ ነገራት እያ ትርኢ ነይራ። ድሕሪ 10 ዓመት ግን እቲ ብወዝቢ ዝተፈጥረ ምልውዋጥ ሓሳባት፡ ቺለያውያን ፈጠርቲ ስራሕ፡ ኩባንያ መግቢ ኣሕምልቲ ዝዀነ ‘ኖትኮ’ን መተግበሪ መአዘዚ ኣስቤዛ ‘ኮርነርሾፕ’ን ዝርከቦም፡ ልዕሊ ሓደ ቢሊዮን ዶላር ዝግመት ቢዝነስ ክውንኑ ክኢሎም።
“ንሓደ ዓመት ጥራይ’ውን እንተዀነ፡ ክእለት ዘለዎም ወጻእተኛታት ናብ ሃገርካ ክትስሕብ እንተኽኢልካ፡ ሓደ ስርዓተ-ማሕድሮ ከመይ ይፍጠር ዝብል ንምርኣይ ዓቢይ ኣብነት ይኸውን እዩ” ክብል ጁድሃሪ ይገልጽ።
ዲጂታላዊ ቪዛ፡ ብዙሓት ተስፋ ዝህቡ ዕድላት ክፈጥር እንተኽኣለ’ውን፡ ሓደሽቲ ብድሆታት’ውን ከምጽእ ይኽእል እዩ።
ንኣብነት፡ ምኽባር ዋጋታት ክመጽእ፡ ንሕንሕ ሃብቲ ክውስኽ ክገብር ከም ዝኽእል ሰብ ሞያ ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ስደት፡ ኬት ሁፐርን ሜጋን ቤንተንን ይገልጻ።
እተን ተመራመርቲ፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት በዞም ጉዳያት ጸገም ዝገጠመን ባሊ፡ ኢንዶኔዥያን ህንድን ከም ኣብነት ኣልዒለን፡ ነቲ ከባብያዊ ትሕተ ቕርጺ ዝጥቀሙ ግን ክኣ ግብሪ ዘይከፍሉ፡ ደረጃ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ምህላዎም፡ ኣብ ውሽጢ እቶም ከፈልቲ ግብሪ ዝዀኑ ነበርቲ መረረታት ከልዕል ከም ዝኽእል የረድኣ።
ንሓሙሽተ ዓመታት መነባብሮኡ ኣብ ዱባይ ዝገበረ ትሬምብለይ ግን፡ ኣብታ ሃገር ነዚ ቪዛ ከመልክት ምኽኣሉ ሕጕስ’ዩ።
“ተቘጺርካ እንተዘይሰራሕካ’ውን ከም ነባሪ እትርኣየሉ ዕድል ምርካብ ጽቡቕ’ዩ” ኢሉ።