እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዛ ንእንሰርሖ ስራሕ ይከፈለና እንተዝብላ ክንደይ ይኸውን?
ቆልዓ ምንባይ፣ መግቢ ምስራሕ፣ ጽርየት ገዛ ምሕላው፣ ማይ ምውራድ፣ ዕንጸይቲ ምእራይ፣ ዝሓመሙ ሰባት ምሕጋዝ . . . መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዛ ዝዓይኦም ስራሕቲ እዮም።
ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝበሉ ትካላት እዚ ስራሕ ዘይኽፈሎ ናይ ምንባይ ስራሕ እዩ ክብሉ ይገልጹዎ።
ዓለምለኸ ትካል ሰራሕተኛታት፡ ደቂ ኣንስትዮ ግዝኤን ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ስራሕቲ ክልተ ዕጽፊ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዘሕልፋ ይጠቅስ።
እዚ፡ ብማእኸላይ ኣብ መዓልቲ ሓሙሽተ ሰዓት ማለት እዩ።
በዚ መሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዚ ስራሕ ከም ሓደ ዓውዲ ቁጠባ እንተዝቑጸር ዓውዲታት ንግዲ፣ መጓዓዝያን ሰንዓን ተደሚሮም ክረኽቡዎ ካብ ዝኽእሉ እቶት ክዛይድ ይኽእል ይብል።
ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ዘይክፈሎ ስራሕ ኣብ መዓልቲ ክንደይ ሰዓት ይሰርሓ?
ትነበብ ብርሃነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ኣብዚ ዙርያ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ናይ ዝሰርሕ ትካል ኣክሽን ኤይድ እያ።
"ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ መዓልቲ 13 ሰዓት መስዋእቲ ትገብር" ትብል።
ብደረጃ ዓለም ድማ ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሕኦ ናይ ምንክብኻብ ስራሕ ብገንዘብ እንተተሚኑ ክሳብ "11 ትሪሊዮን የውጽእ" ትብል።
ኣብ ኢትዮጵያ ዋላ'ውን መጽናዕቲ እንተዘይተኻየዶ እቲ ትካል ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዝተወሰነ ዳህሳስ ከም ዝገበረ ብምግላጽ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ መዓልቲ እትሰርሖ ናይ ምንክብኻበ ስራሕቲ ኣብ ወርሒ ክሳብ 90 ሽሕ ብር ዝግመት ምዃኑ ትገልጽ።
ብሰንኪ እዚ፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣዴታትን መሰረታዊ መሰላትን ከይተጠቐማ እየን ዝተርፋ።
ንኣብነት ካብ ቤት ትምህርቲ ይቦኽራ፣ ኣብ ጥዕንአን ጉድኣት ክበጽሐን ይኽእል፣ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ኣገልግሎታት ክስእና ይኽእላ፣ ከምኡ'ውን ንነብሰን ኣብ ምዕባይ ክጥቀማለ ዝግበአን ግዜ ይሻወመን ብምባል ተረድእ።
እዚ ብዙሕ ግዜን ጉልበትን ዝጠፍኣሉ ስራሕ ግን ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረሰተብ ኣፍልጦ ዘይምርካቡ ጥራይ ዘይኮነ ከም ስራሕ እውን ዘይርኣይ ምዃኑ ይልዓል።
እታ ዳይሬክተር ወሲኻ እዚ ከም ስራሕ ዘይምውሳዱ ሓደ ምንጪ እቲ ጸገም ከም ዝኾነ ብምግላጽ ሓንቲ ኣብ ገዛ እትውዕል ጓል ኣንስተይቲ ስራሕኪ እንታይ'ዩ ተባሂላ ክትሕተት እንከላ፡ ስራሕ የብለይን ኢላ እያ ትምልስ ትብል።
ትካል ሰራሕተኛታት ዓለም፡ እዚ ዘይኽፈሎ ስራሕ ብማእኸላይ 75 ሚኢታዊት ብደቂ ኣንስትዮ ዝስራሕ ምዃኑ የመልክት።
እዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ማዕረ ምክፍፋል ስራሕ ከም ዘየለን ደቂ ኣንስትዮ ኣርባዕተ ዕጽፊ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝሰርሓን ይጠቅስ።
70 ሚኢታዊት ኣብዚ ስራሕ ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ትሑት እቶት ኣብ ዘለዎ ክፋል ሕብረተሰብ ዝርከባ ምዃነን ዳይሬክተር ኣክሽን ኤይድ ትነበብ ትገልጽ።
ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ብደረጃ መትከል እዚ ስራሕ ብገንዘብ ተተሚኑ ደቂ ኣንስትዮ ክኽፈለን ኣለዎ ይብሉ።
ሰብ ሞያ ቁጠባ ብዝህቡዎ ግምት ድማ ከም ኣርጀንቲና ኣብ ዝበላ ሃገራት እዚ ንቑጠባ እታ ሃገር [ጂዲፒ] 7 ሚኢታዊት ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ይገልጹ።
ብፍላይ ኣብ ገጠር ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ነዊሕ ሰዓታት ኣብዚ ስራሕ ዘሕልፋ ኮይነን ኣብ ከተማ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ እውን ተቖጺረን ደሞዝ ንምርካብ ኣብዚ ስራሕ ይዋፈራ እየን።
ስለዚ ንኣዴታትናን ኣሕዋትናን ደሞዝ ክንከፍለን'ዶ ኣለና?
ኣብ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ኣክሽን ኤይድ ትነበብ፡ መጀመርታ እዚ ስራሕ ምዃኑ ኣፈልጦ ክወሃቦ ኣለዎ ትብል።
"ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ገዛ ትውዓል፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ትስራሕ፣ ኣብ ማሕረስ ትውዓል ኣብ ካልእ ስራሕ ኣለዋ ኢና ንብል። ከም መራሒ ስድራ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ደሞዝ ዝረኽበሉ ስራሕ ወዲኡ ናብ ገዛ ክኣቱ እንከሎ፡ ከዕርፍ ይኽእል እዩ። እታ ጓል ኣንስተይቲ ግን ካብ ስራሕ ተመሊሳ'ውን ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ዝጸንሕ ተወሳኺ ስራሕ ኣብ ገዛ ይጽበያ እዩ። እዚ መጀመርታ ክፍለጥ ኣለዎ" ኢላ።
"ኣቦታት፣ ኣሕዋትን ሰብኡትን ኣብዚ ስራሕ እንተተዋፊሮም፡ ሸኽሚ ካብ ምቅላል ሓሊፉ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓርሰ ህንጸት ትኹረት ክገብራ ይሕግዝ እዩ" ኢላ።
ንሳ ከም እትብሎ፡ ንኣብነት መግቢ ምስራሕ ክልቲኦም ክመሃሩዎ ዝግባእ ክእለት እዩ። ብተወሳኺ እዚ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዘለዎ ተራ ብመጽናዕቲ ክረጋገጽ ከም ዘለዎ ትሕብር።
በዚ መገዲ ደቂ ኣንስትዮ ተጠቀምቲ ዝኾናሉ ስርዓት ክፍጠር ከም ዝኽእል ኣረዲኣ።