እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፈረንሳ: እቶም ብኻራ ዝተጠቕዑ ህጻናት ደሓን ከም ዘለዉ ተገሊጹ
ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ፈረንሳ ኣብ ሓደ መናፈሻ ግዳያት መጥቃዕቲ ካራ ዝዀኑ ኣርባዕተ ህጻናት ኣብ ደሓን ኵነታት ከም ዝርከቡ ሰብመዚ ንቢቢሲ ገሊጾም።
እቶም ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ግዳያት እዚ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን ይገብረሎም ኣለዉ።
ፖሊስ፡ ነቲ ነዚ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ናብ መጻወቲ ህጻናት ዝኣተወ ውልቀሰብ ብምስዓር፡ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮምዎ ኣለዉ።
ወዲ ሰለስተ ዓመት ብሪጣንያዊ ህጻንን ካልእ ኔዘርላንዳውን ካብቶም ግዳያት እዮም። ክልተ ኣባጽሕ እውን ግዳያት እዚ መጥቃዕቲ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቲ ሓደ ኣብ ኣስጋኢ ኵነታት ይርከብ።
ፖሊስ፡ እቲ ወዲ 31 ዓመት ጥርጡር ኣብ መዝገብ ስደተኛታት ሽወደን ዝነበረ ሶርያዊ ከም ዝኾነ ኣረጋጊፁ።
እዚ ዛንታ ገለ ኣንበብቲ ዘሻቕል ኰይኑ ክረኽብዎ ይኽእሉ እዮም።
ምክትል ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣንትዋን ኣርማንድ፡ ነዚ መጥቃዕቲ “ዘስካሕክሕ” ክብል ብምግላጽ፡ ሰብመዚ ምርመራ የካይዱ ከም ዘለዉን፡ እንተዀነ ብዛዕባኡ ኣዝዩ ውሑድ ከም ዝፈልጡን ተዛሪቡ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐን ኣብ መራኸቢብዙሃን ንምዝርጋሕ ዘስክሕን ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ኣብ ሓደ ንእሽተይ መጻወቲ ቈልዑ ሂወት ከም ልሙድ ክቕፅል የርኢ፤ ህጻናት ናብዝን ናብትን ይጐዩ፣ ወለዶምን ኣለይቶምን'ውን ኣብኡ ይረዓዩ።
ካብኡ ሓደ ሰብኣይ ካራ ሒዙ ኣትዩ፤ ብቕልጡፍ ድማ ኣውያት ይስማዕ። እቲ ሰብ ብቅሉዕ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ቈልዑ ክደሊ ይርአ… ኣብ ተሽከርካሪ ወንበር ኮፍ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ሓደ ህጻን ድማ መጥቃዕቲ ፈጺሙ።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፈረንሳ ኤልዛቤት ቦርንን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዠኻልድ ዳኽማናን፡ ናብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ከባቢ ከይዶም።
ቀዳመይቲ ሚኒስትር ኤልዛቤት ቦርን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ እቲ ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ውልቀሰብ፡ “ገበናዊ ይዅን ኣእምሮኣዊ ሕክምና ድሕረባይታ የብሉን” ኢላ።
ኣኽባሪት ሕጊ ከተማ ኣነሲ ላይን ቦነት-ማቲስ፡ እዞም ግዳያት መጥቃዕቲ ካራ ዝዀኑ ህጻናት ካብ 22 ወርሒ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝዕድመኦም ከም ዝዀኑ ንጋዜጠኛታት ሓቢራ።
እቲ ጥርጡር “ዝዀነ ዓይነት ባህጊ ግብረ-ራዕዲ ዘለዎ ኣይመስልን” ክትብል ድማ ተዛሪባ።
ፖሊስ፡ እቲ ጥርጡር ኣብ ሽወደን መዝገብ ስደተኛ ዘለዎን፡ ሰበይቱን ጓል ሰለስተ ዓመት ጓሉን ገዲፉ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ፈረንሳ ዝኣተወን ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር ኣብ ዘቕረቦ ዘይዕዉት ሕቶ ዑቕባ፡ ሶርያዊ ክርስትያን ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብዚ ፍጻመ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ስም እየሱስ ክርስቶስ ጸዊዑ።
ኣቐዲሙ በዓልቲ ቤቱ ከም ዝነበረት እትዛረብ ሰበይቲ፡ ንተለቬዥን ቢኤፍኤም ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ ውልቀሰብ ክርስትያን እዩ ነይሩ ኢላ።
“ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣይደወለለይን። ኣብ ሽወደን ስለእንነብር ርክብና ተቛሪጹ እዩ። ንሱ ኣብ ሽወደን ክነብር ኣይደልን” ብምባል፡ ቅድሚ ሕጂ ተጓናጺ ከምዘይነበረ ገሊጻ።
ካብ ቀረባ ዓመት ንነጀው ኣብ ፈረንሳ መጥቃዕቲ ካራ ልሙድ ይኸውን ኣሎ። መብዛሕትኦም ድማ ድሕረባይታ ገበንን እስላማዊ ርክብ ብዘለዎምን ብሕቱዋት መንእሰያት ደቂተባዕትዮ ዝተፈጸሙ እዮም።
እዚ መጥቃዕቲ ካብዚ ዝተፈለየ ባህሪ ከምዘለዎ ግን ርዱእ እዩ።
ዛጊት ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ኣብዚ መጥቃዕቲ ኣብ ሓደ መደምደምታ ንምብጻሕ ተጠንቂቘም እዮም ዘለዉ።
እንተዀነ እዚ መጥቃዕቲ ነቲ ኣብ ዛዕባ ስደት ዝካየድ ክትዕ መጓሃሃሪ ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ።