ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ዘይሕተትሉ ዓይነት ጸገም ጥዕና እንታይ’ዩ?

Published

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ገለ ሰባት ዝዀነ ገበን ድሕሪ ምፍጻሞም ብቤት ፍርዲ ካበቲ ገበን ነጻ ተባሂሎም እዮም።

ጥዕና ስነ-ኣእምሮ እቶም ሰባት ድማ ከም ምኽንያት ይጥቀስ።

ንኣብነት ኣብ 1977 ቢሊ ሚሊጋን ዝተበሃለ ሰብ ኣብ ከባቢ ኦሃዮ ስቴት ዩኒቨርሲቲ ንሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ብምጭዋይ፡ ብምዝማትን ብምዕማጽን ተታሒዙ።

ሓደ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ፡ ዲሶሽየቲቭ ኣይደንቲቲ ዲስኦርደር (ምዝንባዕ ፍልልይ መንነት) ዝበሃል ኵነታት ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ኣብ ቤት ፍርዲ፡ ቢሊ ሚሊጋን፡ ኣብቲ ገበናት ዝተፈጸመሉ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ካልኦት ክልተ ስብእናታት ስለዝነበረ ገበነኛ ኣይኰነን ዝብል ክትዕ ተላዒሉ፤ ራገን ዝበሃል ዩጐዝላቭያዊ ሰብኣይን ኣዳላና እትበሃል ሕደጾታዊት ሰበይቲን ተቘጻጺሮምዎ ነይሮም ተባሂሉ።

እቶም ኣባላት መጋባእያ ምስ ጠበቓ ተሰማሚዖም።

ነዚ ስዒቡ ሚሊጋን፡ ብሰንኪ ዲሶሽየቲቭ ኣይደንቲቲ ዲስኦርደር ዝበሃል ኵነታት ካብ ገበን ነጻ ዝተበሃለ ፈላማይ ሰብ ኰይኑ።

በዚ ጸገም ዝጥቅዑ ሰባት፡ ክልተን ልዕሊ ክልተን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ክሳብ 100 ዝበጽሑ መንነታት ከም ዘማዕብሉ ይግለጽ።

‘ካቲ’ (ሓቀኛ ስማ ኣይኰነን) ሓንቲ ካብቶም ልዕሊ ክልተ መንነት ዘማዕበሉ ሰባት እያ።

ጆርናል እስላማዊ ማሕበር ሕክምና ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብ 2005 ዲሶሽየቲቭ ኣይደንቲቲ ዲስኦርደር (ምዝንባዕ ፍልልይ መንነት) ዝምልከት ዘካየዶ መጽናዕቲ ሓቲሙ ነይሩ።

እቲ መጽናዕቲ ብፍላይ ኣብ ‘ካቲ’ ዘተኮረ ኰይኑ፡ ንሳ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተፈላለዩ መንነታት ከም ዘማዕበለት የመልክት።

ካቲ፡ በሰላኣ ጓል ሰለስተ ዓመት ከላ እዩ ዝጅምር።

ኣብቲ ዕድመ እቲ፡ ወለዳ መብዛሕትኡ ግዜ እናበኸየት ገዲፎምዋ ይዛነዩ ነይሮም። ንሳ ንሰዓታት ድሕሪ ምብካያ ድቃስ ይወስዳ’ሞ ዘስካሕክሕ መባህረሪ ሕልሚ ስለትርኢ መሊሳ ብፍርሒ እናጨደረት ትበራበር።

ጓል ኣርባዕተ ዓመት ከላ ድማ፡ ኣቦኣ ምስ ሓንቲ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ጐረቤት ኣብ ዓራት ረኺባቶ። ኣብቲ ግዜቲ፡ ኣቦኣ ኣብቲ ጾታዊ ርክብ ክትሳተፍ ኣእሚንዋ። ብድሕሪኡ ካቲ ስምዒት ገበን ስለዝተሰምዓ ንሓያሎ ሰዓታት በኽያ።

እቲ ፍጻመ ምስ ‘ፓት’ እትበሃል ሓንቲ ተለዋጢ ስብእና ከተዛምዶ ምስ ጀመረት ጥራይ እያ ብኽያታ ደው ኢሉ። ኣቦ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ክግህሳ ከሎ፡ ካቲ ፓት ተባሂላ ክትጽዋዕ ትጽዕር ነይራ።

ካቲ፡ ጓል ትሽዓተ ዓመት ኰይና፡ ሽዑ ኣደኣ ካቲን ኣቦኣን ብሓባር ኣብ ዓራት ረኺባቶም። ብድሕሪኡ እታ ህጻን ኵልሻዕ ምሸት ምሸት ኣብ ዓራታ ክድቅስ ገይራ፣ እዚ ድማ ምስ ካቲ ናብ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ኣምሪሑ።

ካቲ ነዚ ክትቅበሎ ስለዘይከኣለት ‘ቬራ’ እትበሃል ካልእ መንነት ፈጢራ፤ ‘ቬራ’ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብቲ ርክብ ጸኒሓ።

ካቲ ዕድመኣ 14 ዓመት ምስ በጽሐ ድማ ብናይ ቀረባ ዓርኪ ኣቦኣ ተዓሚጻ፤ ሽዑ ንገዛእ ርእሳ ‘ዴቢ’ ኢላ ክትጽውዕ ጀሚራ።

ኣብቲ እዋን እቲ ኣዝያ ተጨኒቓን ዓባስን ኰይና ናብ ሆስፒታል ኣትያ።

ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ ካቲ "ሕውስዋስ ጭንቀት፡ ስምዒታት ምፍልላይ፡ ቁጥዐን ሰፊሕ ምትላልን ዝመስሉ ምልክታትን ኣርእያ፤ እዚ ድማ ኣብ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ምድንጋርን ተስፋ ምቝራጽን ኣስዒቡ።"

ካቲ ኣብ 18 ዓመት ዕድመኣ፡ ወለዳ ምስ ኣፍቃሪኣ ንኸይትራኸብ ምስ ከልከልዋ ጠፊኣ ናብ ካልእ ከተማ ከይዳ። እንተዀነ ስራሕ ክትረክብ ስለዘይከኣለት ፋይቶ ኰይና ኣብ እትሰርሐሉ እዋን ንገዛእ ርእሳ ‘ናንሲ’ ኢላ ክትጽውዕ ጀሚራ።

እታ ቅድሚኣ ዝነበረት ‘ደቢ’ ዝተበሃለት መንነት ን’ናንሲ’ ነጺጋታ፤ ልዕሊ ዓቐን መደቀሲ መድሃኒት ክትወስድ ድማ ኣገዲዳታ።

ሽዑ እያ ካቲ ኣብ ሆስፒታል ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕክምና ኣትያ፡ ምዝንባዕ ብዙሕ መንነት ከም ዘለዋ ተፈሊጡ።

ካቲ ሕጂ ሓዳር መስሪታ’ኳ እንተዀነት፡ ምስ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮን ምስ ፍጻመታት ምዝንባዕ መንነት እናተቓለሰት ትርከብ።

ምዝንባዕ ፍልልይ መንነት እንታይ እዩ?

ኣብ ዝኽሪ፡ መንነት፡ ስምዒት፡ ኣስተብህሎ፡ ባህርያትን ርእሰ-ርድኢትን ዝኣመሰሉ ዘጋጥሙ ንነፍሲ ወከፍ መዳይ ስርሓት ኣእምሮ ክዘርጉ ዝኽእሉ ጸገማት ብሓፈሻ፡ ጸገማት ምፍልላይ (ዲሶሽየቲቭ ዲስኦርደር) ከም ዝበሃሉ መርበብ ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።

እዞም ጸገማት ኣብ ሰለስተ ይኽፈሉ፣ ዲሶሽየቲቭ ኣይደንቲቲ ዲስኦርደር፡ ዲሶሽየቲቭ ኣምነዥያን ዲፐርሶናላይዜሽን/ዲርያላይዜሽን ዲስኦርደር።

ብዲሶሽየቲቭ ኣይደንቲቲ ዲስኦርደር ወይ ድማ ምዝንባዕ ፍልልይ መንነት ዝተጠቕዑ ሰባት፡ ክልተ ወይ ልዕሊ ክልተ ዝተፈላለዩ መንነት ወይ ኵነታት ስብእና (dissociative identities) ኣለዎም።

ነፍሲ ወከፍ ስብእና ምስ ገዛእ ኣካላቱን ከባቢኡን ዝተኣሳሰር ናይ ገዛእ ርእሱ ተመኵሮ፡ ኣስተብህሎ፡ ርድኢት፡ ሓሳብ፡ ታሪኽ፡ ባህርያት፡ ዝፈትዎን ዘይፈትዎን ነገር ኣለዎ።

እዚ ማለት ናይቲ ውልቀሰብ ንቕሓትን ተግባርን ዝቈጻጸሩ ብውሑዱ ክልተ ፍሉያት መንነታት ወይ ስብእናታት ኣለዉ። እዞም መንነታት’ዚኣቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ንባህሪ ወይ ኣካይዳ እቲ ውልቀሰብ ይቈጻጸሩ።

ኣፈጻጽማ ንጥፈታት መዓልታዊ ህይወት፡ ከም ስግኣት ንዝበሉ ፍሉይ ኵነታት ዝወሃብ ግብረ መልሲን ካልኦትን እውን በቲ ኣብቲ እዋን ኣብ ቍጽጽር ዘሎ መንነት ዝጽለዉ ይዀኑ።

እዞም ስብእናታት እዚኣቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ባህሪ ናይቲ ውልቀሰብ ይቈጻጸሩ። ነፍሲ ወከፍ መንነት ናይ ገዛእ ርእሱ ውልቃዊ ታሪኽ፡ ባህርያት፡ ዝፈትዎን ዘይፈትዎን ኣለዎ።

ብብዝሒ ስንባደ ወይ በሰላ ዝፈጥሩ ተመኵሮታት እዮም። ብፍላይ ድማ ኣካላዊ፡ ጾታውን ስምዒታውን ግህሰታት ዘጋጠሞም ከምኡ’ውን ኣብ ንእሰነቶም ሸለል ዝተበሃሉ ሰባት፡ ነዚ ጸገም ከማዕብሉ ተኽእሎ ከም ዘሎ ክኢላታት ይገልጹ።

በዚ ጸገም ዝተጠቕዑ ገለ ሰባት ክሳብ 100 መንነት ኣማዕቢሎም እዮም።

መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ጠንቂ እዚ ምዝንባዕ መንነት፡ ብፍላይ ኣብ ንእስነት ዓመታት ንልዑል ጸቕጢ ዝወሃብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ምላሽ ክኸውን ይኽእል።

ክሳብ 99 ሚእታዊት ካብቶም ነዚ ጸገም ዘማዕብሉ ውልቀሰባት፡ ኣብ ተሃዋሲ ደረጃ ምዕባለ ንእስነት (መብዛሕትኡ ግዜ ቅድሚ 6 ዓመት ዕድመ) ተደጋጋሚ፡ ልዕሊ ዓቕምን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ግህሰት ወይ ስንባደታት ዘጋጠሞም እዮም።

ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ነቲ ዘጋጠሞም ልዑል መጠን ግህሰታት ምእንቲ ክጻወሩ፡ ዝተፈላለዩ መንነታት ከም ዘማዕብሉ ይሕሰብ።

እዚ ማለት እቲ ሰብ ኣዝዩ ዓመጽ ዝመልኦ፡ ስንባደ ዝፈጥር ወይ መሪር ዝዀነ ተመኵሮ ወይ ኵነታት ምስ ዘጋጥሞ ሕልናኡ ይዓጹ ወይ ካብቲ ክውንነት ይፍለ።

እዚ ጸገም ኣእምሮ ሳሕቲ ዘጋጥም ኰይኑ፡ ንኣስታት 1 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ከም ዘሳቒ ይግመት።

ልሙዳት ምልክታት ናይዚ ጸገም፡ ፍርሒ፡ ጭንቀት፡ ምድንጋር፡ ምዝንባዕ ኣንፈት፡ ሓሽሽ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ምጥቃም፡ ምርሳዕ፡ ምስ ነብሰ ቅትለት ወይ ነብሰ ምጕዳእ ዝተኣሳሰሩ ሓሳባትን ካልኦትን ይርከብዎም።

እዚ ጸገም ክሓዊ ይኽእል ድዩ?

ንምዝንባዕ ፍልልይ መንነት ዝኸውን መድሃኒት የለን። መብዛሕትኦም እቲ ጸገም ዘለዎም ሰባት ኣብ ምሉእ ህይወቶም ክጻወርዎ ይግደዱ።

ውህደት ሕክምናታት ግን ምልክታት ንምንካይ ክሕግዝ ይኽእል። እዚ ድማ ባህርያት ዝያዳ ምቍጽጻር ክመሃሩ የኽእሎም። ስለዝዀነ ድማ ምስ ግዜ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ገዛ ወይ ኣብ ማሕበረሰብ ብዝበለጸ ክነጥፉ ይኽእሉ ማለት’ዩ።

ብተወሳኺ እቲ ጸገም ድልዱል ስርዓተ ደገፍ ዝጠልብ ከም ዝዀነ ክኢላታት ይሕብሩ።

ምስቲ ጸገም ዝነብሩ ሰባት፡ ብዛዕባ’ቲ ኵነታት ዝፈልጡን ዝርድኡን ወሃብቲ ክንክን ጥዕና፡ ኣባላት ስድራቤትን ፈተውትን ድልዱል ስርዓተ ደገፍ ከም ዝሃነጹ ከረጋግጹ ኣገዳሲ እዩ።

ምስቶም ኣብ ስርዓተ ደገፍ ዘለዉ ሰባት ብግልጽን ብቕንዕናን ክዛተዩን ሓገዝ ክሓቱ’ውን ክፈርሑ ኣይግባእን።