ድምቀት ኣሸንዳ ኣብ መቐለ - ብስእሊ

Published

ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እቲ ክልል በዓል ኣሸንዳ ብዝተሓዋወሰ ስምዒታት ይጽምብላ ኣለዋ።

ሕዚ'ውን ኣብ ገለ መዋሰንቲ ከባብታት ትግራይ ዝርከባ ኣዋልድ ብዙሕ ግፍዕን መከራን እናሕለፋ ነዚ በዓል ከኽብራ ኣይከኣላን።

ካልኦት ድማ ኣብቲ እዋን ኲናት ተመዛቢለን ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ኰይነን የሕልፈኦ ኣለዎ። ብኣሸሓት ዝቑጸራ ድማ ግዳይ ጾታዊ መጥቃዕትን ግህሰትን ኮይነን፡ ካብ ቆስለን ዘይሓወያ ይርከበአን።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ኣብ መቐለ ዝነበረ በዓል ኣሸንዳ ተዘዋዊሩ ዘልዐሎም ስእልታት እነሆ፡ ተኣንገዱ።