ከንቲባ ከተማ ሽዋ ሮቢት ብጥይት ተቐቲሉ

Published

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሾዋ እትርከብ ከተማ ሾዋ ሮቢት፡ ንጸጥታን ድሕንነትን ነበርቲ ዝምልከት ጽኑዕ መምርሒታት ድሕሪ ምውጽኣ ከንቲባኣ ተቐቲሉ።

ከተማ ሽዋ ሮቢት፡ ብሓሙስ ኣዋጅ እቶ እቶን ካልእ መምርሕታትን ድሕሪ ምውጽኣ ንምሸቱ ፡ እቲ ከንቲባ መንንቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ብጥይት ከምዝተቐትለ ተገሊጹ።

ከንቲባ ኣቶ ውብሸት ኣያሌው፡ ሓሙስ 26 ነሓሰ 2014 ዓ.ም. ሰዓት ሰለስተ ምሸት ካብ ስራሕ ናብ መንበሪ ገዝኡ ምስ ተመልሰ እዩ ተቐቲሉ ተባሂሉ።

ከተማ ሻዋ ሮቢት ኣብ ከባቢኣ ተደጋጊሙ ብዝተፍጥረ ጎንጺ ብዙሕ ግዜ ዘይምርግጋእ ኣጋጢምዋ ዝነበረ ዀይኑ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይዚ ዓመት ተቖጻጸሮምዋ ከምዝነበሩ ይዝከር።

ድሕሪ ዳግማይ ምውላዕ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ኣምሓራ ዝርከቡ ከባቢታት ሰሜን ወሎ፣ ደቡብ ወሎን ሰሜን ሾዋን ፀጥተኦም እናጠናኸሩ እንከለዉ እዩ እዚ ከንቲባ ተቐቲሉ ዘሎ።

ከንቲባ ኣቶ ውብሸት ኣያሌው ቅድሚ ምቕታሉ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ፡ ጸጥታ ምምሕዳር ከተማ ሸዋ ሮቢት፡ ሰላምን ጸጥታን እታ ከተማ ንምሕላውን 'መንነቶም ዘይፍለጡ ሓደሽቲ ሰባት' ንምክልኻልን ዘኽእሉ ዝበሎም ውሳኔታት ንህዝቢ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብ'ታ ከተማ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ክሳብ ሰዓት ክልተ ምሸት ክድረት፣ ምንቅስቓስ ሰባት ክሳብ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ምሸት ጥራይ ክኸውን፡ ከምኡ'ውን ምንቅስቓስ ናይቶም ኣብታ ከተማ ተዓቚቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ክሳብ ሰዓት 12 ናይ ምሸት ጥራይ ክድረት ዝብሉ ውሳነታት ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ሆቴላትን ቤት ብልዕን ዘድሊ ሓበሬታ ንፖሊስ ከህቡ፡ መግብን መስተን ንዓማዊሎም ክሳብ ኣርባዕተ ሰዓታት ናይ ምሸት ጥራይ ከቕርቡ ይግድብ።

ብተወሳኺ ካብ መንግስታዊ ትካላት ፀጥታ ወፃኢ፡ ኣፅዋር ምሓዝን ኣብ ዝተጨናነቐ ቦታታት ሒዝካ ምንቅስቓስን ብትሪ ዝተኸልከለ እንትኸውን፥ ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ኣኼባታት ምክያድ እውን ክልኩል ምዃኑ ይድንግግ።

ፖሊስ እታ ከተማ፡ ምስ ቅትለት እቲ ከንቲባ ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ጥርጡራት እንተሃልዮም ኣየነጸረን። እቶም ቀተልቲ ንምሓዝ ግን ጥቡቕ ምክትታል ይግበር ከምዘሎ ገሊፁ።

ብመሰረት ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ከተማ ሽዋ ሮቢት፡ ከንቲባ ኣቶ ውብሸት ኣያሌው፡ ቅድሚ ናብ ምምሕዳር እዛ ከተማ ምምጽኡ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምምሕዳር ካልኦት ከተማታት ሰሪሑ ነይሩ።

ኣቶ ውብሸት፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓንቲ ጓልን ሓደ ወድን ዝነበረ ዀይኑ፡ ስነስርዓት ቀብሩ፡ ሎሚ ዓርቢ ኣብኡ፡ ኣብ ከተማ ሽዋ ሮቢት ከም ዝፍጸም ተገሊጹ'ሎ።