እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ሓደጋ መኪና ኣጋጢምዎ
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሓደጋ መኪና ከም ዘጋጠሞ፡ እንተዀነ ማህረምቱ ከቢድ ከም ዘይኰነ ኣፈኛኡ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኪቭ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ኣብ ጐደና ትጕዓዝ ዝነበረት መኪና፡ ነታ ፕረዚደንት ምስ ዓጀብቱ ዝነበርዋ መኪና ከም ዝገጨውት፡ ኣፈኛኡ ሰርጊ ኒኪፎሮቭ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መልእኽቲ ሓቢሩ።
ሰርጊ፡ “እቲ ፕረዚደንት ብሓኪም መርመራ ተገይሩሉ፣ ዝዀነ ከቢድ ማህረምቲ የብሉን፡” ኢሉ። መራሕ ናይታ ምስ መኪና ፕረዚደንት ዝተጋጨወት መኪና፡ ኣብቲ ቦታ ሓደጋ ቀዳማይ ረዲኤት ተገይሩሉ፣ ብኡ ንብኡ ብኣምቡላስ ተወሲዱ።
ኣፈኛ ሰርጊ ኒኪፎሮቭ ከም ዝገለጾ፡ ኵሉ ኵነታት እቲ ሓደጋ ብሰብ መዚ ምኽባር ሕጊ ዘድሊ ምጽራይ ክግበረሉ እዩ፤ እቲ ኣፈኛ፡ ክንዮ'ዚ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ‘ቲ ሓደጋ ኣይሃበን።
እዚ ዝግለጽ ዘሎ፡ ወዲ 44 ዓመት ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ኣብታ ቀንዲ ማእከል ሎጀስቲክስ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩክረይን ዝዀነት ኢዝዩም፡ ብሓይልታቱ ዳግማይ ድሕሪ ምትሓዛ፡ ብረቡዕ ድሕሪ ዘካየዶ ዑደት እዩ።
ዘለንስኪ ኣብ ዑደቱ፡ ነቶም ኣንጻር ሓይልታት ሩስያ ንዝተኻየደ ጸረ-መጥቃዕቲ ዘዐወቱ ወተሃደራቱ ድሕሪ ምምስጋን፡ ጽንብል ምስቃል ባንዴራ ኣካይዱ።
ካብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ሓይልታት ዩክረይን ኣብቲ ብሩስያ ተታሒዙ ዝጸንሐ ግዝኣታት ጸረመጥቃዕቲ ብምክያድ፡ ሓያለ መሬት ከም ዘምለሱን፡ ወተሃደራት ሩስያ ከም ዘንሰሓቡን ክግለጽ ቀንዩ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ሓይልታቱ ጸረ-መጥቃዕቶም ብምሕያል፡ ካብ ሩስያ ሓያለ ቦታታት ከምዝተቘጻጸሩ ምግላጹ ይዝከር።
ዘለንስኪ፡ ወተሃደራት ሃገሩ ኣብዚ ወርሒ መስከረም ጥራይ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሩስያ ካብ ዝጸንሐ ቦታታት ምብራቕን ደቡብን ዩክረይን፡ ልዕሊ 6 ሽሕ ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓቱ ከባቢታት ዳግማይ ከም ዘምለሱ ሓቢሩ ነይሩ።