ሕቡራት ሃገራት፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት እትፍጽሞ ዘላ ግፍዒ ከጻርይ እዩ

ሰልፈኛታት ደቂ ኣንስትዮ ኢራን

ምንጪ ስእሊ, TWITTER/@FSEIFIKARAN

Published

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኢራን ሰላማዊ ሰልፍታት ንምብታን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ንዝወስዶ ዘሎ ቀታሊ ስጉምቲ ዘጻርይ ጉጅለ ንምጥያስ ወሲኑ።

ምዕራባውያን ዲፕለማሰኛታት፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት በደል ዝፍጽሙ ዘለዉ ተሓተትቲ ንምግባር ዘይሻራዊ ምጽራይ ከምዝካየድ ዝገለጹ ኮይኖም እቲ ውሳነ ነተን ኣብ ኢራን ተቓውሞ ዘካይዳ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ሓያል ናይ ደገፍ  መልእክቲ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኢራን ብወገና እቲ ውሳነ ፖለቲካዊ ተንኮል ክትብል ነጺጋቶ።

ነቲ ውሳነ ንምሕላፍ እቲ ባይቶ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ 25 ሃገራት ናይ ደገፍ ድምጺ ክህባ እንከለዋ ኤርትራ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት - ኣርሜንያ፡ ቻይና፡ ኩባ፡ ፓኪስታንን ቬንዝዌላን- ተቓዊመንኦ።

16 ሃገራት ከኣ ድምጸን ዓቂበን።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ተርክ፡ ኢራን ኣብ “ምሉእ ቅልውላው” ከምዘላ ኣጠንቂቑ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ ትሸዓተ ሰሙናት ልዕሊ 300 ሰባት ምቕታሎምን ኣስታት 14 ሽሕ ምእሳሮምን እውን “ዘይቅቡል” ክብል ወቒሱ።

እቲ ብደቂ ኣንስትዮ ዝምራሕ ተቓውሞ፡ ማህሳ ኣሚኒ ዝተባህለት ጓል 22 ዓመት ንእስቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ጸጉረን ክሽፈና ዝእዝዝ ሕጊ ጥሒሳ ተባሂላ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ድሕሪ ምእታዋ ምሟታ ስዒቡ ዝተጀመረ እዩ።

እቲ ተቓውሞ ኣብዚ እዋን ናብ ልዕሊ 150 ከተማታት፣ 140 ዩኒቨርሲቲታትን ኩለን 31 ግዝኣታትን እታ ሃገር ክሰፍሕ እንከሎ፡ ድሕሪ 1979 ነታ እስላማዊት ሃገር ዝፈተነ ከቢድ ተቓውሞ ከምዝኾነ እዩ ዝእመን።

ነቲ መርማሪ ጉጅለ ንምጥያሽ ዝቐረበ እማመ ግን ከምቲ ዝተሓሰበሉ ድጋፍ ኣይረኸበን።

ንውሳነ እቲ ካውንስል ዝነኣደ፡ ጸሓፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቶም ንህዝቢ ኢራን ዝዕምጽጹ ዘለዉ ክፍለጡን ተግባራቶም ክስነድን ዝሕግዝ እዩ ኢሉ።

ኮይኑ ግና መንግስቲ ኢራን ነቶም ጉጅለ መርመርቲ ናብታ ሃገር ክኣትው ከፍቅደሎም ዘለዎ ተኽእሎ ሒደት እዩ።

ሓላፊ እቲ ካውንስል ተርክ ኣብ መኽፈቲ ዘረብኡ “ዘየድልን መጠን ዝሓለፎን ሓይሊ ምጥቃም ደው ክብል ኣለዎ” ክብል ዝገለጸ ኮይኑ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ከምዝሓዘነ እውን ተዛሪቡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣነሊና በይርቦክ ብተመሳሳሊ፡ ኢራን ሰብኣዊ መሰላት ክተኽብርን ተቓውሞ ከይትጭፍልቕን ዝቐረበላ ተደጋጋሚ ጻውዒት፡ ክትነጽጎ ጸኒሓ ኢላ።

ተወካሊት ኢራን ከዲጃ ካሪሚ ግና ሃገራት ምዕራብ “ነዚ ክሰብካ ሞራላዊ ተኣማንነት የብለንን” ክትብል ነቶም ክስታት ነጺጋቶም።

ንሳ “ንቡራት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ከም መሳርሒ ፖለቲካዊ ዕላማታት ውሑዳት ጉጅለ ሃገራት ምዕራብ ምጥቃም ዘሕዝንን ዘዋርድን እዩ” ኢላ።

ኣምባሳደር ቻይና ብተመሳሳሊ “ሰብኣዊ መሰላት ናብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ንምትእትታው ከም መሳርሒ ምጥቃም” ንዝግበር ምንቅስቓስ አጠንቂቑ።

ብካልእ ዜና ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢራን ዝነበረ ወዲ 35 ዓመት ቮርያ ጋፎሪ፡ ንመንግስቲ ብምውቃስ ንተቓወምቲ ደጊፉ ብዝብል ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተገሊጹ።