ኢራን፡ ንመንግስቲ ዝተቓወሙ ኣርባዕተ ሰባት ንሞት ፈሪዳ

ምንጪ ስእሊ, TWITTER/@VAHID
ኣብ ኢራን ብሰንኪ እቱ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣንጻር መንግስቲ ብዝተላዕለ ተቓውሞታት ብዝተሓሓዝ፡ "ጽልኢ ኣንጻር ፈጣሪ" ብዝብል ክሲ ኣርባዕተ ሰባት ንሞት ተፈሪዶም።
ኣብ ቴህራን ዝርከብ ሰውራዊ ቤት ፍርዲ፡ ሓደ ካብቶም ስሞም ዘይተጠቕሱ "ናዕበኛታት" ንሓደ ፖሊስ ብመኪና ወቒዑ ከም ዝቐተሎ ሚዛን ዝተባህለት ማዕከን ዜና እቲ ቤት ፍርዲ ገሊጻ።
እቲ ካልኣይ ካራን ሽጉጥን ስለ ዝነበሮ: እቲ ሳልሳይ ድማ መስመር ትራፊክ ዓጽዩ "ናዕቢ" ስለ ዝፈጠረ ብዝብል እዮም ተኸሲሶም።
እቲ ራብዓይ ከኣ፡ ብካራ ሰብ ኣጥቂዑ ብዝብል ከምዝተኸሰ ማዕከን ዜና ሚዛን ትማሊ ሰሊስ ጸብጺባ።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ካብ ሰንበት ኣትሒዙ ንሓሙሽተ ሰባት ብሞት ዝቐጽዐ ፍርዲ ዘይፍትሓዊ ናይ ፍርዲ መስርሕ ዝፈጠሮ እዩ ክብሉ ኰኒኖምዎ።
ሓላፊ እቲ ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኢራን፡ ማሕሙድ ኣሚር-ሞጋዳም "ተቓወምቲ፡ኣብ እዋን መስርሕ መርመራ ምስ ጠበቓታቶም ክራኸቡ ኣይፍቀደሎምን፤ ኣብ ርእሲኡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስቅያት ይወርዶም።
"ብድሕሪኡ ከኣ ብመሰረት እቲ ኣብ እዋን ስቅያት ብዝሃቡዎ ናይ እምነትን ክሕደትን ቃሎም ይፍረዱ" ክብል ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ኣጻራይ ሓቂ (ፋክት ቼክ) ኣብ ኢራን ኣስታት 15,000 ሰባት ንሞት ከም ዝተፈርዱ ሓቢሩ። ስለ ዝዀነ ኢራናውያን ተቓወምቲ ሓገዝ ወጻኢ ዓለም የቋምቱ።
መራሕቲ ኢራን ብሃገራት ወጻኢ ዝተደፍአ "ናዕቢ" ክብሉ ኣብ ዝገገለጹዎ ክሲ ብውሑዱ 348 ተቓወምቲ ከም እተቐትሉን 15,900 ካልኦትድማ ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን ኣብ ወጻኢ ዝመደበሩ ሓራና (HRANA) ዝተባህለ ማዕከን ዜና ንተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሩ ።
ብውሕዱ 15 እሱራት "ጽልኢ ኣብ ኣምላኽ" ከምኡውን "ብልሽውና ኣብ ምድሪ" ብዝብል ብሕጊ ሸሪዓ ኢራን ብሞት ዘቕጽዕ ምስ ጸጥታ ዝተሓሓዝ ክስታት ከም ዘጋጥሞም እዩ ዝእመን።
እቲ ብደቂ ኣንስትዮ ዝተመርሐ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ማህሳ ኣሚን ዝተባህለት ጓል 22 ዓመት መንእሰይ ኣብ ልዕሊ ሕጃብ ንዝወጽአ ጽኑዕ ሕጊ ብምቅዋም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምሟታ እዩ ተላዒሉ ።
እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ዝጀመረ ሓድሽ ዕግርግር ሸውዓተ ሰባት ምስ ተቐትሉ ብቤት ፍርዲ ዝተዋህበ'ዩ።
እቶም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ብ15 ሕዳር 2019 ዘጋጠመ ብተቓውሞ ወሰኽ ነዳዲ ዝተላዕለ ብዙሓት ሰባት ዝሞቱሉ ብ“ደማዊት ሕዳር” ዝፍለጥ ኣጋጣሚ ንምዝካር ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክግብር ድሕሪ ምጽውዐኦም እዩ እቲ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ።
ብሰሉስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጸ ቪድዮታት ከም ዝሕብሮ ኣብ ቴህራንን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ዝነብሩ ሰባት ኣንጻር ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኾመይኒ፡ "ሞት ንውልቀ መላኺ" ዝብል ጭርሖታት የስምዑ ነይሮም ።
ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ መደበር ባቡር፡ ሰልፈኛታት ንመጎልበቡ ጸጒሩ እናቃጸሉ ኣያቶላህ ኾመይ "ክወርድ ኣለዎ" ዝብል ድምጺ እናስምዑ ነቲ ሕጃባት ብሓዊ ኣንዲዶምዎ ።
ካብቲ መደበር ባቡር እተወስደ ካልእ ናይ ቪድዮ ክሊፕ ወተሃደራት ኣብተን ባጎኒታት ባቡር ኮይኖም ሰባት እናሃረሙን የርኢ።
ኣብ ካልእ ሳልሳይ ቪድዮ ከኣ ሓይልታት ጸጥታ ተዂሲ ክኸፍቱን ሰባት ክወድቁን ክሃድሙን የርኢ።
ብረቡዕ፡ ኩርዳውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝሓበሩዎ፡ ሓደ ተቓዋሚ ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኩርዲስታን እትርከብ ከተማ ካምያራን ሓደ ሰብ ብኣባላት ጸጥራ ብጥይት ተወቒዑ ከም ዝተቐትለ ሓቢሮም።
ብሰሉስ ኣብ ጥቓ እቲ ብሓይልታት ጸጥታ እተቐትለ ሰብ ሓደ ካልእ ሰብኣይ ደው ኢሉ ከም ዝነበረ ይንገር።
ካልኦት ክልተ ሰብኡት እውን ኣብ ጥቓኦም ኣብ እትርከብ ከተማ ሰናንዳጅ ከም ዝተቐትሉ ጸብጺቦም።
ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ሄንጋው፡ ትማሊ ሰሉስ ተቓወምቲ ነታ ኣብ ምዕራብ ኣዘርባጃን እትርከብ ከተማ ቡካን ከም እተቘጻጸርዋ እውን ገሊጹ።
ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብረቡዕ ኣብ ዝዘርግሓኦ ጸብጻብ፡ "ናዕበኛታት "ንሓደ ኮሎኔል ሓዊስካ ኣብ ቡካን ካሚራን ንዝነበሩ ክልተ ኣባላት እስላማዊ ሰራዊት ((IRGC)) ብጥይት ከም ዝቐተልዎ ሓቢረን።
እቲ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ሺራዝ ኣብ ዝርከብ ሞሎቶቭ ዝተባህለ ቦታ ብጥይት ምስ ተሃርመ ካህን ኣባል እቲ ብIRGC ዝፍለጥ ሓይሊ ምዃኑ ተገሊጹ።
እቲ ተቓውሞ ካብ ዝጅምር ዛጊት 38 ኣባላት ጸጥታ እታ ሃገር ከም ዝሞቱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን ኣለዋ።
ሓራና ዝተባህለ ማዕከን ዜና ግን ብዝሒ ምውታት ናብ 43 ኣደይቡዎ ኣሎ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

