እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ቅልጡፍ ሓገዝ እንተዘይረኺበ 750 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝበልዕዎ ኣይክህልዎምን'ዩ' - ሕቡራት ሃገራት
ህጹጽ ሓገዝ እንተዘይተረኺቡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 750 ሽሕ ስደተኛታት ዝበልዕዎ ከምዘይህልዎም ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኤጀንሲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣፍሊጦም፡፡
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራትን ኣገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ህጹጽ ሓገዝ ገንዘብ ዘይርከብ እንተዀይኑ ድሕሪ ዝመጽእ ዘሎ መስከረም 2015 ዓ/ም [ግእዝ] ኣብታ ሃገር ተዓቝቦም ዝርከቡ ስደተኛታት ዝብልዕዎ ኣይክህልዎምን እዩ፡ ኢሎም፡፡
ብሰንኪ እዚ ከጋጥም ዝኽእል ቅልውላው ድማ እቶም ስደተኛታት ንሕጽረት ምግቢ ክቃልዑን ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ክዳኸምን ከምዝገብር ስግኣቶም ገሊጾም፡፡
ተወካልን ዳይረክተርን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክላውድ ጂቢዳር ‘‘ብህጹጽ ሓገዝ ገንዘብ እንተዘይረኺብና ኣብ ውሽጢ ሰሙናት 750 ሽሕ ሰባት ዝበልዕዎ ኣይክህልዎምን'ዩ’’ ኢሉ፡፡
ምቕናስ ረድኤት
ሕቡራት ሃገራት ንስደተኛታት ዝህቦ ዝነበረ ረድኤት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ክቕንሶ ከምዝተገደደ ኣብቲ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ፡፡
ኣብ 2015 [ኣ.ኣ] ኣብ ኢትዮጵያ ንዘለዉ ስደተኛታት ዝወሃብ ዝነበረ መጠን ረድኤት ብ 16 ሚእታዊት ዝተቐነሰ ኰይኑ፡ ካብ ሕዳር 2013 [ግእዝ] ጀሚሩ ብ 40 ሚእታዊትን ከምኡ'ውን ካብ ከባቢ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ጀሚሩ ብ 50 ሚእታዊት ክቕንስ ተገይሩ እዩ፡፡
ምቕናስ ቀረብ ምግቢ ዓለም፡ ምንቍልቋል ቍጠባ ዓለም፡ ምኽባር ዋጋ ምግብን ነዳድን ከምኡ'ውን ግጭታት ምኽንያታት ምቕናስ ንስደተኛታት ዝቐርብ ዝነበረ ሓገዝ እዮም፡፡
ምቕናስ ሓገዝ ምግቢ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝውውረዶ ጽልዋ ንምፍላጥ ክልቲኦም ትካላት መጽናዕቲ ኣካይዶም እዮም፡፡
እቲ መጽናዕቲ፡ ቀረብ ረድኤት ዝተቐነሶም ስደተኛታት ነቲ ጸገም ንምጽዋር መጠን ዝበልዕዎ ምግብን ኣብ መዓልቲ ዝመገቡሉ መጠን ከምዝቐነሱ የመልክት፡፡
ክላውድ ጂቢዳር፡ ‘‘መሰረታዊ ድልየት ስደተኛታት ንምምላእ ናይ 73 ሚልዮን ዶላር ጕድለት ኣጋጢሙና ኣሎ፤ ሓገዝ ገንዘብ እንተዘይተረኺቡ ድሕነቶም ውሑስ ኣብዘይኰነሉ ናብ ዝመጹሉ ከባቢ ናይ ምምላስ ኣማራጺ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም’’ ክብል ኣጠንቂቝ፡፡
ካብ ሓገዝቲ ኣካላት ዝሓተቶ ገንዘብ እንተረኺቡ ግን፡ ካብ ዕዳጋ እቲ ከባቢ ምግቢ ገዚኡ ከምዘከፋፍል፡ መሰረታዊ ድልየቶም ከምዘማልእን ዕዳጋ እቲ ከባቢ ንምንቅቓሕ ጥረ ገንዘብ ከምዘቕርብን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ገሊጹ፡፡