ሕዝቦላህ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ እስራኤላውያን ኣደን ወድን ቀቲሉ

ዶብ እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ሕዝቦላህ ብዝተኰሶ ሚሳይል፡ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት እስራኤላዊትን ወዳን ከምዝተቐትሉ እስራኤል ገሊጻ።

እቲ ጸረ ታንኪ ሚሳይል ኣብ ሰሜናዊ ዶብ እስራኤል ኣብ እትርከብ ከተማ ክፋር ዩቫል ዝወቕዐ ኰይኑ ወዲ 45 ዓመት ባራክ ኣያሎንን ጓል 76 ዓመት ኣደኡ ሚሪ ኣያሎንን ሞይቶም።

ቅድሚኡ ሰራዊት እስራኤል ካብ ሊባኖስ ናብ እስራኤል ክሰግሩ ዝፈተኑ ኣርባዕተ ዕጡቓት ከም ዝቐተለ ገሊጹ ነይሩ።

እዚ፡ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ሰበስልጣን ጥዕና ሓማስ ብተኸታታሊ መጥቃዕቲ እስራኤል 125 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣብ ዝገለጹሉ እዋን'ዩ ተኸሲቱ ዘሎ።

እስራኤ፥ ኣንጻር ሓማስ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ኣብ ቓዛ ዝሞቱ ሰባት ዳርጋ 24 ሽሕ ክበጽሑ እንከለዉ፡ ካልኦት ኣሽሓት ድማ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ከምዝሞቱ ይእመን።

ሰበስልጣን እቲ ከባቢ፡ ኣስታት ክልተ ሲሶ ካብቶም ዝሞቱ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ከምዝዀኑ ይሕብሩ። ኣስታት 60 ሽሕ ሰባት ድማ ቆሲሎም ኣለዉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ወሃቢ ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጆን ኪርቢ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ናብ ዝተደረተ ስርሒታት ክትሰጋገር ከምዘለዋ ገሊጹ።

ኣብ ወተሃደራዊ ወፍሪ ዕላማታትካ እናተዓወቱ ኣብ ዝኸድሉ፡ ስልትታት ከም ዝምዕብሉን፡ ኣሜሪካ ድማ ተመኵሮኣ ኣብ ምክፋል ሓገዝ ከም ዝሃበትን ሓቢሩ።

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ንደቡባዊ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ብውሕዱ 1200 ብቐንዱ ሲቪላት ምቕታሉን ተወሳኺ 240 ድማ ጅሆ ድሕሪ ምሓዙን እስራኤል ኣብ ቓዛ መጥቃዕቲ ከምዝጀመረት ይዝከር።

ካብ ሽዑ ጀሚሮም ሕዝቦላን እስራኤልን እውን ኣብ ሰሜናዊ ዶብ እስራኤል ብስሩዕ ተዅሲ ክለዋወጡ ጀሚሮም።

ኣብ ክፋር ዩቫል፡ ባራክ ኣያሎን ኣካል ናይቲ ኣብታ ከተማ ህጹጽ ምላሽ ዝህብ ዝነበረ ጕጅለ ኣባል እዩ ነይሩ። ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ኣብኡ እውን በቲ መጥቃዕቲ ብኸቢድ ከምዝተጎድአ ኣቃሊሐን።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ብሕዝቦላህ ዝምራሕ ሚሳይላት ኣብ ሰሜን ንዝርከቡ ሓያሎ ማሕበረሰባት እስራኤል ዒላማ ከምዝገበሩን ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ሊባኖስ ንዝርከቡ ዒላማታት ሕዝቦላህ ይሃርም ከምዘሎን ገሊጹ።

መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስረላህ፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝትኩስ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ምዃኑ ገሊጹ።

ሓሰን ነስረላህ ኣስዒቡ፡ ኣብ የመን ዝርከብ ጕጅለ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከባ መራኽብ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ክቕጽል ምዃኑን ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ እቲ ጕጅለ ዝፈጸማኦ መጥቃዕቲ ጌጋ ከምዝነበረን ገሊጹ።

ኣሜሪካ፡ "ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪን ህድኣት ግንባር ሊባኖስን፡ ኮታስ ኣብ ዒራቕ ዘሎ ምዕባለታት እቲ ዞባን ደሚርካ ምስ ሓደ ነገር ዝተኣሳሰር ምዃኑ ክትግንዘብ ይግባእ፤ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ወራር ደው ንምባል'ዩ" ኢሉ።

ታንክታትን ነፈርትን እስራኤል ትማሊ ሰንበት ኣብ ደቡባውን ማእከላይን ከባቢታት ቓዛ ኣብ ዝርከቡ ዒላማታት መጥቃዕቲ ቀጺለን።

ኣብ ገለ ክፋል ቓዛ ንሳልሳይ መዓልቲ ብተኸታታሊ ኣገልግሎት መራኸቢታትን ኢንተርነትን ደው ከምዝበለ ይፍለጥ።

ቓዛውያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ደቡባዊት ከተማ ራፋ ዝነብር ዘሎ ዓላ በኪት ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ድሕሪ 100 መዓልታት’ውን እንተዀነ ኣብዛ ሃገር ንነብር ኣለና ግን ህይወት ከምዘይብሎም ኣካላት ኰይኑ’ዩ ዝስምዓና" ኢሉ።

"ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ህይወትና ህሞት ኲናት'ዩ። ኣብ ነፍስወከፍ ደቒቕ ኣብ ኲናት ኢና ዘለና። ኣብታ ሃገር ዝተረፈ ነገር የለን፣ ቤት ትምህርቲ የለን፣ ዩኒቨርሲቲ የለ፣ ኣገልግሎት ጥዕና የለን፡ ዋላ ሓንቲ የለን" ኢሉ።

"ብዛዕባ መጻኢ ናይዞም ኵሎም ቈልዑ ሕሰብ፣ ከመይ ክኸውን'ዩ? ድሕሪ እዚ ከመይ ክነብሩ ይኽእሉ?"

ካልኦት ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ድማ እቲ ኲናት ክውዳእ ተስፋ ከምዘይብሎም ገሊጾም።

"ብመጥቃዕቲ ኣየር ከይትውቃዕ እናፈራሕካ ኢኻ ትሰርሕ። ካብ ዕዳጋ ገለ ክትገዝእ ኢኻ ትወጽእ እሞ ኵሉ ዋጋታት ሰማይ ተሰቒሉ። ሞራልና ተበታቲኑ፡ ናብ ገዛና ክንምለስ ተስፋ የብልናን" ክብል ካብ ሰሜናዊ ቓዛ ተመዛቢሉ ዝነብር ዘሎ ኡም ሸሪፍ ኸሊል ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓማስ “ምሉእ ዓወት" ክሳብ እትረክብ፡ ክትቃለስ ምዃና ብሰንበት ደጊሙ ገሊጹ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝቕጽል ምዕራፍ ኲናት ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሓማስ ዝያዳ ዒላማ ዝገበረ ስርሒታት ክካየድ ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ዛንታይ ናይ ኣዳላዊ ምምሕያሽ ተገይሩሉ ኣሎ።