ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዝተጀመረ ደብዳብ ምስፋሕ ኲናት ቓዛ የመላኽት ዶ?

ተዋጋእቲ ሑቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ኲናት ቓዛ ናብቲ ዞባ ከይጋፋሕ ጻውዒታት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ ኢንተርናሽናል ኢዲተር ቢቢሲ ጀረሚ ቦወን ግን ‘‘እቲ ኲናት ድሮ ኣስፋሕፊኡ እዩ’’ ይብል፤ ምልከትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡

ኩናት ቓዛ ኣብ ካልእ ከባቢታት ማእከላይ ምብራቕ ብዛዕባ ናይ ምዝርጋሕ ተኽእሎኡን ሓደጋታቱን ምዝራብ ክቋረጽ ኣለዎ። ምኽንያቱ ተጀሚሩ እዩ።

ነቲ ፍጻመታት ንምግታእ ዝግበር ዘሎ ተስፋታት፡ ምስቲ ዝኸፍአ ተርእዮታት ዞባዊ ኲናት ክነጻጸር እንከሎ፡ ገና ኣብ ትሑት ደረጃ ከምዘሎ ዘርኢ’ዩ።

ኣመሪካን እንግሊዝን ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዝፍጽምኦ ዘለዋ መጥቃዕቲ፡ ከምቲ ኣብ ለንደን ዝርከቡ ሚኒስተራት ዝሃብዎ ሓሳብ፡ ብዛዕባ ናጽነት መርከብን ንግዲ ዓለምን ጥራይ ዘተኮረ ኣይኮነን።

እቲ ዝወስድኦ ዘለዋ መጥቃዕቲ ምስቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ፍጻመ ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ቅልውላው ዘጋድዱ እዮም።

ሑቲ ብኡ ንብኡ ግብረ መልሲ ክህቡ ምዃኖም ቃል ኣትዮም። ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝርከቡ ደገፍቲ ኢራን ዝኾኑ ምልሻታት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ሓይልታት ኣሜሪካ ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምቲ ክውስኹ ተኽእሎታት ኣሎ።

ሓይልታት ኣመሪካ ሕነ ዝፈድዩ እንተኾይኖም፡ ኣሜሪካ ኣብ መንጎ እስራኤልን ብኢራን ዝድገፍ ሊባኒሳዊ ዕጡቕ ሕዝቦላህን፡ ቅሉዕ ኲናት ንምክልኻል እተካይዶ ዘላ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ዝኸበደ ክገብሮ እዩ።

ሑቲ እውን ኣካል ናይቲ ኢራን ኣንጻር ጸላእታ ንምክልኻል ዝሃነጸቶ መርበብ መሓዙትን ወከልትን ከምዝኾኑ ይፍለጥ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ ኢራን ዝያዳ ዝተራቐቐ ኣጽዋር ይረኽቡ ኣለዉ፡፡ እንተኾነ ግን ከም ወኪል ቴህራን ዘይኮነስ ከም መሻርኽቲ ምሕሳብ እዩ እቲ ዝበለጸ።

ምስቶም ኣብ የመን ዝርከቡ ሑቲ ቁሩብ ግዜ ኣሕሊፈ ኣለኹ፤ ልዑል ናጻ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት እዮም። ምስ ኣሜሪካውያን ክገጥሙ ድልየት ኣለዎም። ኣካል ናይዚ ኲናት ክኾኑ ድማ ይደልዩ። እቲ ክኸውን ዝጸንሐ ንሑቲን ንእስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራንን ይምችእ እዩ።

ኢራን ነቲ ሑቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ዓይነት ሓይሊ ተኹስን ኣሐይላቶ ኣላ። እዚ ድማ ጸረ መራኽብ ሚሳይላት፣ ናብ እስራኤል ዝትኮሱ ባሊስቲክ ሚሳይላት ከምኡ'ውን መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ የጠቓልል - እዚ ድማ ኢራን ኣንጻር ዩክሬን ክትጥቀመሉ ንሩስያ እተቕርቦ ዓይነት መሳርሒ እዩ። እኹል ዕጥቂ ዝዓጠቑ እዮም።

ካብ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ኣባላት ናይቲ ኣመሪካውያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣኪቦሞ ዘለዉ ጥምረት ዝገጥሞም ዘሎ ዓቕሚ ሓይሊ ባሕሪ ዝመሳሰል’ኳ እንተዘይኮነ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ መራኽብ ከስዕብዎ ዝኽእሉ ሓደጋ ግን ዝያዳ እዩ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንሓንቲ መርከብ ጨውዮም ብሓይሊ ናብ ሓደ ካብ ወደባቶም ኣእትዮምዋ። ብቐጥታ ናብ መራኽብ እውን ተኲሶም ገለ ጉድኣት ኣውሪዶም እዮም። እንተኾነ በቲ መጥቃዕቶም ክሳብ ሕጂ ዝጠሓለት መርከብ የላን።

ሑቲ ካብ 2014 ጀሚሮም ንርእሰ ከተማ የመን ሰንዓን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሓዊሱ ዓበይቲ ክፋላት እታ ሃገርን ተቖጻጺሮምዎ ኣለዉ።

ኣብ 2015 ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሓዊሱ ካልኦት’ውን ዝተሳተፋሉን ብስዑድ ዓረብ ዝምራሕ ሓይሊ ሑቲ ንምድምሳስ ተንቀሳቒሱ ነይሩ።

ስዑዳውያን፡ እቲ ኣብ ኲናት ሓድሕድ የመን ዝተገብረ ምትእትታው፡ ነቲ ሑቲ ዝዓለውዎ ሕጋውን ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘለዎን መንግስቲ እታ ሃገር ዳግማይ ንምቛም ምዃኑ ገሊጾም።

እቲ ምትእትታው ምስተጀመረ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ግን ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ስዑድ ዓረብ ተዘራሪበ ነይረ። ኢራን ኣብ ድሕሪት መረባኦም ንኸይትንቀሳቐስ ደው ንምባል ምዃኑ ነጊሮምኒ። የመን ምስ ስዑዲ ዓረብ ዶብ ኣለዋ።

ሑቲ ካብ 2015 ጀሚሩ ክሳብ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተፈረመ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ብስዑዳውያን ብዙሕ ደብዳባት ለሚዶም ስለዝጸንሑ ሓድሽ ዙርያ ደብዳባትን ከፈራርሖም ተኽእሎ የለን።

ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፍጽምዎ ዘለዉ መጥቃዕታት ብሰንኪ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ እስራኤል ሰላማውያን ሰባት ትቐትል ስለዘላን ብጀካ ብህይወት ንምንባር ዝሕግዞም ገለ መግባዊ ሓገዛት ኩሉ መእተዊ ኮሪደራት ዓጺያ ስእነት ትፈጥር ስለዘላን ከምዝኾነ ገሊጾም’ዮም።

ኲናት ቓዛ ኣብቂዑ ቀረብ ክኣቱ እንተዝፍቀድ ዋላ ሓደ ኣህጉራዊ መስመር መራኽብ ኣብ ሓደጋ ኣይምኣተዉን ኢሎም ኣለዉ።

ገለ ነቐፍቲ ኣሜሪካን እንግሊዝን፡ ሑቲ ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ንከቛርጽዎ ንዕኣቶም ካብ ምድብዳብ ምቑጣብን ኣብ ቓዛ ቅልጡፍ ተኹሲ ደው ንኽብል ምስራሕን እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ከምዝኾነ ይጠቕሱ።

ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዘካይዳኦ ዘለዋ መጥቃዕቲ ነቲ ምስ ሑቲ ዘሎ ኩነታት ካብ ምቁራጽ ንላዕሊ ከናውሖ ወይ ከጋድዶ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ ሑቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ኣብ ልዕሊ ንግዳውያን መራኽብ ፈላሚ መጥቃዕቲ ኣብ ዝወሰዱሉ እዋን፡ ምስ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መራሕቲ ሑቲ ዝኾነ መሓመድ ዓሊ ኣል ኣዋጊዐዮ ነይረ። ሑቲ ሓንጊዶም ከምዝቕጽሉ ፍጹም ርግጸኛ ኮይነ።

ሑቲ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሓያላትን ዘይተሳዕሩን ምዃኖም ንምርኣይ ተወሰኸቲ መጥቃዕቲ ከካይዱ ክደልዩ ይኾኑ’ዮም።

ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ብዙሕ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሑቲ ዝዓረደሉ ዒላማታት ወቒዑ’ዩ።

ካብ 2015 ጀሚሩ ብስዑዳውያን ዝካየድ ዘሎ ስሩዕ ደብዳብ ኣብ ዓቕሞም ዓቢይ ጽልዋ ዘሕደረ ኣይመስልን። የመን ኣኽራናዊት ሃገር እያ። ብቦምባ ናይ ምድብዳብ ዝነበሮም ተመኩሮ ኣብ ግምት ብምእታው ክሕብኡ ፈቲኖም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ምግማት ይከኣል።

ኢራን ነቲ ዘቕረበቶ ኣጽዋር ንምስራሕ ዝሕግዝ ኣማኸርትን ኣሰልጠንትን ናብ የመን ከምዝሰደደት ይግመት፡ ንሳቶም እውን ካብ መጥቃዕቲ ዝድሕነሉ መገድታት ሓሲቦም ክኾኑ እዮም።

ኢራን ንመሳርሕታት ሑቲ ከምዘዕበየቶ ክንመዝኖ ንኽእል፡ ካብ የመን ዝትኩስዎ ዘለዉ ዓይነት ኣጽዋር ብምርኣይ’ዩ። ዝያዳ ዝተራቐቑን ቀተልትን’ዮም።

ሑቲ ዝሓለፈ ወርሒ ንሓንቲ ናይ ንግዲ መርከብ ኣብ ዝሓዙሉ እዋን፡ ኣብ መጥቃዕቶም፡ ጽቡቕ ስልጠና ዝወሰዱ ኮማንዶታት ካብ ሄሊኮፕተር ክዓልቡ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ ነይሩ።