ኣብ ቓዛ ጅሆ ናብ ዝተትሓዙ ሰባት መድሓኒት ንምብጻሕ ስምምዕ ተበጺሑ

ጅሆ ዝተትሓዙ እስራኤላውያን

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

ኣብ ሞንጎ ተጻባእቲ ሓይልታት ቓዛ ዝተበጽሐ ሓድሽ ስምምዕ፡ ኣብ ቓዛ ጅሆ ናብ ዝተትሓዙ እስራኤላውያን መድሓኒት ንምብጻሕ ከምዘኽእል ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁ ገሊጹ፡፡

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ገለ ስድራቤታት ናብ ቀጠር ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን፡ ጅሆ ዝተትሓዙ መቕርባቶም ኣገዳሲ ዝኾነ ብሓኪም ዝተኣዘዘ መድሃኒት ከምዘድልዮም ድሕሪ ምሕባሮም'ዩ ክብል ሲቢኤስ ኒውስ ጸብጺቡ።

ክሳብ ሕጂ ምብጻሕ ዘይተጀመረ ኮይኑ መድሃኒት ብኸመይ ከም ዝጉዓዝ እውን ንጹር ኣይኮነን።

እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣስታት 105 ጅሆ ዝተትሓዙ ዜጋታታ ብህይወት ከምዘለዉ ትኣምን።

ሓማስ ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝወሰዶ መጥቃዕቲ 240 ዝግመቱ ሰባት ተጨውዮም ዝተወሰዱ ኮይኖም፡ ድሒሮም ግን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውዕሊ እቶም 105 ሰባት ተፈቲሖም። ብውሕዱ 25 ሰባት ከምዝሞቱ ድማ ይግመት።

ሓማስን እስራኤልን መድሓኒት ናብቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ንኽበጽሕ ፍቓደኛታት ከምዝኾኑ ኣህጉራዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ ኒውስ ንዲፕሎማስያዊ ምንጪ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ኣሸማገልቲ ምስ ክልቲኦም ወገናትን ምስ ዓለም ለኻዊ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ብምትሕብባር ኣየኖት መድሃኒታት ከምዘድልዩን ክንደይን ብኸመይ ክበጽሑ ከምዝኽእሉን ንምርዳእ ይሰርሑ ከምዘለዉ እቲ ምንጪ ወሲኹ ይሕብር።

ብመሰረት ትማሊ ዓርቢ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ዝወጸ መግለጺ፡ እቲ መድሃኒት ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ክበጽሕ እዩ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ሓላፊ ሃገራዊ ትካል ስለያ እስራኤል [ሞሳድ] ዴቪድ ባርነያ ንቀጠር ድሕሪ ምእማኑ ዝተበጽሐ ስምምዕ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ሓደ ፍልስጤማዊ በዓል ስልጣን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ናብ ቓዛ ሕክምናዊ ሓገዝ ንምምጻእ ዘተ ተኻይዱ ከምዝነበረን፡ ገለ ክፋል ናይዚ ድማ "ድሌታት ናይቶም ኣብ ቓዛ ዝርከቡ እስራኤላውያን ጅሆታት" ዝሽፍን ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ምስተዛዘመ፡ ጉጅለ ስድራቤት ጅሆ ናብ ካቢነ ሚኒስተራት እስራኤል ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ “ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝርከቡን ሕጂ ድማ ተጨውዮም ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉን ጽኑዕ ስለያዊ ሓበሬታ ከምዘለዎም" ገሊጹ።

ብውሑዱ ሲሶ ካብቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ብሕማማት ዝሳቐዩን ስሩዕ ሕክምና ከምዘድልዮሙን ብምግላጽ እዚ ኣብዘይተማልአሉ ኩነታት ምቅጻል ድማ ሓደገኛ ምዃኑ ጠቒሶም።

ድሕሪ እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ቓዛ መብዛሕትኦም ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ልዕሊ 23 ሽሕ ሰባት ብናይ እስራኤል ሕነ ምፍዳይ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

እስራኤል ብወገና ሓማስ ብዝወሰዶ መጥቃዕቲ ኣስታት መብዛሕቲኦም ሰለማውያን ሰባት ዝርከብዎም ብውሕዱ 1200 ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊጻ።

እዚ ዛንታ ናይ ኣዳላዊ ምምሕያሽ ተገይሩሉ ኣሎ።