ኣውስትራልያ፡ ነፈርቲ ብውሕጅ ኣዕለቐሊቐን፤ ሓራግጽ ኣብ ከተማ ተራእዮም

ምንጪ ስእሊ, Joseph Dietz
ኣብ ኣውስትራልያ ኲንስላንድ ብደረጃ ክብረወሰን ዝተገለጸ ዝናብ ሓያል ውሕጅ ኣኸቲሉ። እዚ ድማ ኣብቲ ዞባ ዝኸፍአ ምዃኑ ሰበስልጣን ሓቢሮም።
ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ክግዕዙ ከለዉ ካልኦት ድማ ብማይ ተኸቢቦም ተሪፎም።
ካብቲ ከባቢ ዝተዘርግሑ ምስልታት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኬርንስ ዝጸንሓ ነፈርቲ ብማይ ኣዕለቕሊቐን የርእዩ። ኣብ ማእከል ከተማ ከኣ ሓራግጽ ተራእዮም። ሰባት ጀላቡ እናተጠቐሙ ካብ ገዛውቶም ይሃድሙ ኣለዉ።
ዛጊት፡ ዝሞተ ይዅን ዝጠፍአ ሰብ ብዝምልከት ዝቐረበ ጸብጻብ የለን።
እቲ ኣዝዩ ብርቱዕ ዝናብ ንተወሰኽቲ 24 ሰዓታት ክቕጽል ትጽቢት ይግበር።

ምንጪ ስእሊ, JOSEPH DIETZ
ብኣማኢት ንዝቝጸሩ ሰባት ካብቲ ሓደጋ ውሕጅ ምድሓን ዝተኽኣለ ክኸውን እንከሎ ብዙሓት ኣባይቲ ብማይ ኣዕለቕሊቘም። ሓይሊ ኤሌክትሪክን ጽርግያታትን ተቛሪጹ፤ ዝስተ ማይ ድማ እናነከየ ይመጽእ ኣሎ።
መራሒ ኲንስላንድ ስቲቨን ማይልስ ንኮርፖሬሽን ፈነወ ኣውስትራልያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቲ ዝኸፍአ ክዝክሮ ዝኽእል" ክብል ነቲ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ገሊጽዎ።
እቲ ሕጂ ዘሎ ሻቕሎት ነቶም ብራኸኡ እናወሰኸ ኣብ ዝኸይድ ዘሎ ማይ ተኸቢቦም ዘለዉ ብፍላይ ዉጃል ዉጃል ኣብ ዝተበሃለት ርሕቕ ዝበለት ከተማ ዝርከቡ ናብ ውሑስ ቦታ ምውጻእ ምዃኑ ሓቢሩ።
ሓደ ዝሓመመ ህጻን ዝርከቦም ትሽዓተ ሰባት፡ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ክበጽሕዎም ብዘይምኽኣሎም ኣብ ናሕሲ ሆስፒታል ሓዲሮም።
እቶም ሰባት ሎሚ ሰኑይ ናብ ካልእ ቦታ ክወጽኡ ዝተገበረ ኰይኑ ንዅሎም ነበርቲ እታ ከተማ ምውጻእ ከምዘድሊ እቲ መራሒ ኣፍሊጡ።
"ድሕሪኡ ብዛዕባ ዝስተ ማይ፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ቴሌኮሙኒኬሽንን ስክፍታታት ኣለና። ብዙሓት ጽርግያታት ተዓጽዮም ስለዘለዉ ብኣየር ደገፍ ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና" ክብል ኣረዲኡ።
እቲ ብርቱዕ ዝናብ ሰኑይ ከምዝቕጽልን ልዑል ውሕጅ ከምዘስዕብን፣ እዚ ድማ ኣብ ትሑት ከባቢታት ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ዘስዕቦ ጽልዋ ከምዘሐይሎ ሰብሞያ ትንበያ ኣጠንቂቘም።
ብዙሓት ሩባታት ነቲ ኣብ 1977 ኣጋጢሙ ዝነበረን ብክብረወሰን ዝተመዝገበን ሰፊሕ ውሕጅ ክሰብሩ ትጽቢት ይግበር። ንኣብነት ዳይንትሪ ዝተበሃለ ሩባ ድሮ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ክብረወሰን ብ2 ሜትሮ ሓሊፉ ኣሎ።
ሰበስልጣን እታ ግዝኣት፡ እቲ ሓደጋ ብገንዘብ ክግመት ከሎ 1 ቢልዮን ዶላር ኣውስትራልያ (529 ሽሕ ፓውንድ፤ 670 ሽሕ ዶላር) ከምዝኸውን ይግምቱ።
ምብራቓዊ ኣውስትራልያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብተደጋጋሚ ዕልቕልቕ ከምዝተሃስየት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብሓፈሻ እታ ሃገር ‘ኤል ኒኖ’ ንዝበሃል ምስ ከም ባርዕ ጫካን ህቦብላን ዝኣመሰሉ ጽንኩራት ፍጻመታት ዝተኣሳሰር ሓደጋ ኵነታት ኣየር ኣብ ምቅላስ ትርከብ።
ኣውስትራልያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብተኸታታሊ ብከቢድ ድርቂ፡ ባርዕ ጫካን ተኸታተልቲ ዓመታት ክብረወሰን ዝሰበረ ውሕጅ ተሃስያ’ላ።
ለውጢ ክሊማ ደው ንምባል ህጹጽ ስጕምቲ እንተዘይተወሲዱ እቲ ዝመጽእ እዋናት ብዝገደደ ሓደጋታት ዝመልአ ክኸውን ከምዝኽእል ናይ ቀረባ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
