ሃብቶም ንደቈም ከምዘየውርሱ ዝዛረቡ ፍሉጣት ሰባት

ኣሜሪካዊት ሙዚቀኛ ሜሪ ኦስሞንድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣሜሪካዊት ሙዚቀኛ ሜሪ ኦስሞንድ
Published

ኣሜሪካዊት ሙዚቀኛ ሜሪ ኦስሞንድ ንደቃ ዝዀነ ነገር ከምዘየተውርስ ድሕሪ ምግላጻ ጉዳይ ‘ኔፖ ቤቢይስ’ ማለት ነቲ ወለዶም ዘለዎም ተፈላጥነት ዝምዝምዙ ቈልዑ ኣዘራራቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ኣሎ። 

እታ ከባቢ 20 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሃብቲ ዘለዋ ኦስሞንድ፡ ምስ ሓደ መጽሄት ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ፡ ሃብታ ንኸተካፍል ፍቓደኛ ዘይምዃና ብኽፍኣት ከምዘይኮነ ተዛሪባ። 

ነዚ ክተብርህ እንከላ፡ ደቃ ውልቃዊ ዝንባለኦም ኣለልዮም ብገዛእ ርእሶም ዝዕወቱሉ መገዲ ከናድዩ ከምእተደሊ ገሊጻ። 

‘ኔፖ ወይ ኔፖቲዝም ቤቢይስ’ ውልቃዊ ሞያኦም ንምምዕባል ንሃብትን ህቡብነትን ወለዶም ዝጥቀሙ ሰባት ዘመልክት እዩ። 

እታ ብ ‘ኣይ ኣም ሊቪን ኢት ኦል ኣፕ ቱ ዩ’ ብእትብል ደርፋ እትፍለጥ ሜሪ ኦስሞንድ፡ ንመጽሄት ‘ዩኤስ ዊክሊ’ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ “ገንዘብ ተዋሂቡ ኣብ ዝረብሕ ደረጃ ዝበጽሐ ሰብ ኣይፈልጥን” ኢላ። 

ተመሳሳሊ ርእይቶ ብዝተፈላለዩ ህቡባት ሰባት ክወሃብ ጸኒሑ እዩ። 

ገለ ካልኦት ወለዲ’ውን ሃብቶም ንደቆም ከውርሱ ከምዘይኰኑ'ኳ እንተገለጹ፡ ደቈም ንዝናን ዓወታትን ወለዶም ተጠቂሞም ርእሰማሎም ካብ ምዕባይ ኣይዓገቶምን።  

ገለ ዝርዝር ናይቶም ህቡባት ሰባትን ደቈምን እዚ ዝስዕብ እዩ። 

ዳንኤል ክረይግ

ብሪጣንያዊ ተዋሳኢ ዳንኤል ክረይግ፡ ንደቅኻ ሃብቲ ምውራስ ጽቡቕ ነገር ኰይኑ ከምዘይረኸቦ ብምግላጽ፡ ደቁ ካብቲ ዘለዎ 125 ሚልዮን ዶላር ሃብቲ ከምዘይረኽቡ ተዛሪቡ ነይሩ። 

እቲ ተዋሳኢ ‘ጀምስ ቦንድ’ ኣብ 2020 ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “ቅድሚ ምኻድካ ክትኣልዮ ኣለካ ኢለ እየ ዝኣምን፡” ኢሉ። 

እንተዀነ ቦኽሪ ጓሉ፡ ጓል 31 ዓመት ኤላ ድሮ ፍልጥቲ ኰይና ኣላ። 

ሓደ ካብ ዓበይቲ ናይ ሞዴል ትካላት ዓለም ብዝዀነ ፎርድ ሞዴልስ ክትውከል እንከላ፡ ኣብ ገበር ፈረንሳዊ መጽሄት ፋሽን ለ’ኦፊሸል ተራእያ። ኣሰር ኣቦኣ ብምስዓብ’ውን ኣብ ብርክት ዝበሉ ፊልምታትን ድራማታትን ክትዋሳእ ፈቲና እያ። 

ኤላ ብዛዕባ ኣብ ዋኒን ስድራኣ ዘለዋ ተገዳስነት ብቕሉዕ ክትዛረብ እንከላ፡ “ከም ብልጽቲ ተዋሳኢትን ብሉጽ ስራሕ ዝሰርሐትን” ክትክበር ከም እትደሊ ገሊጻ። 

ጐርደን ራምሰይ

ሓሙሽተ ውሉዳት ጐርደን ራምሰይ፡ ዋላ’ኳ ካብ ኣዝዩ ፍሉጥ ከሻኒ እንተተወለዱ፡ ንሃብቲ ኣቦኦም ብዙሕ ኣየስተማቐሩን። 

ደቍ ኣብቲ ናቱ ኣብያተ መግቢ ሳሕቲ እዮም ዝበልዑ። ብነፋሪት ኣብ ዝገሹሉ እዋናት’ውን እቶም ቈልዑ ምስ ወለዶም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ (first class) ክዀኑ ኣይፍቀደሎምን እዩ። 

እቲ 63 ሚልዮን ፓውንድ ዝግመት ሃብቲ ዘለዎ ራምሰይ ኣብ 2017 ምስ ቴለግራፍ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ “ነዚ ክበቕዑ ኣበርቲዖም ዝሰርሕዎ ነገር የለን፡” ኢሉ። 

ንሱ ወሲኹ፡ ደቍ ክጽየቝ ከምዘይደሊ ብምግላጽ፡ ገንዘቡ ከምዘይገድፈሎም ተዛሪቡ። 

ደቂ ራምሰይ መመገዶም ዝሓዙ እዮም ዝመስሉ። 

ጓል 24 ዓመት ዓባይ ጓሉ ሜጋን ኣብ ዩኒቨርስቲ ስነ-ልቦና ክተጽንዕ እንከላ፡ ዓቢ ወዱ ጃክ ናብ ሓይሊ ባሕሪ ተጸንቢሩ ኣሎ። 

ጓል 21 ዓመት ጓሉ ማቲልዳ ግን ልክዕ ከም ኣቦኣ መደባት ቴለቪዥን ኣብ ምድላው እያ ትነጥፍ። ኣብ ሲቢቢሲ፡ ‘ማቲልዳ ኤንድ ዘ ራምሰይ’ ዝተበሃለ ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ምኽሻን መደባት ተቕርብ። 

ኣብ ኢንስታግራም ልዕሊ 1 ሚልዮን ኣብ ቲክቶክ ከኣ ከባቢ 10 ሚልዮን ሰዓብቲ ክህልውዋ እንከለው፡ ብዙሕ ግዜ ቪድዮታት ኣቦኣ ትልጥፍ። 

ስቲንግ 

ብሪጣንያዊ ሙዚቀኛ ስቲንግ ሓደ ካብ ዕውታት ሙዚቀኛታት ዓለምና ኰይኑ ከባቢ 400 ሚልዮን ዝኸውን ሃብቲ ኣለዎ። እንተዀነ ካብኡ ንደቁ ዝዀነ ክገድፈሎም ከምዘይደሊ እዩ ዝገልጽ። 

እቲ ኣቦ ሽዱሽተ ኣብ 2014 ንደይሊ መይል ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “እቲ እንረኽቦ ንሕሽሾ ኢና፡ ብዙሕ ዝተርፍ የለን” ኢሉ። 

እንተዀነ እዚ፡ ደቂ ስቲንግ ንጽልዋ ኣቦኦም ካብ ምጥቃም ኣየብኮሮምን። ጓሉ ሚኪ ሳምነር ኣብ ፊልም ፍራሰስ ሃ (2012) ክትርአ እንከላ፡ ካልኦት ክልተ ደቁ - ኤልዮትን ጆን - ሙዚቀኛታት እዮም። 

ስቲንግ ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ኣብ 2022 ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ዘካየዶ ምርኢት ንጆ ኣቕሪቡዎ ነይሩ። 

ዋረን ባፈት

ኣሜሪካዊ ኣውፋርን ቢልዮነርን ዋረን ባፈት 99% ካብ ሃብቱ ንግብረሰናይ ክውፍዮ ምዃኑን፡ ደቁ ብዙሕ ከምዘይረኽቡን ተዛበሪቡ ነይሩ። 

ንሱ ኣብ 2021 ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ “ንኣዝዮም ሃብታማት ስድራቤታት ድሕሪ ምዕዛበይ ዝብለኩም ነገር እንተሎ እዚ እዩ፡ ደቅኹም ዝዀነ ነገር ክሰርሑ ዘኽእል ግደፉሎም፤ ዝዀነ ነገር ንኸይሰርሑ ዘኽእል ግን ኣይትግደፉሎም” ኢሉ።  

ኵሎም እቶም በጽሕታት ደቁ ካብ ግብረሰናይን ሙዚቃን ክሳዕ ፖለቲካን ዕቃበ ኣከባብን ኣብ ዝኣመሰሉ ዓውድታት ተዋፊሮም ይርከቡ።