ንሓደ ወዱ ቐቲሉ ነቲ ካልኣይ ብህይወት እንከሎ ዝቐበረ ኣቦ ብሞት ክቅጻዕ ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, iStock
መጠንቀቕታ ስምዒትካ ዝርብሽ ትሕዝቶ ኣለዎ!
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ኦሮምያ፡ ዞባ ባሌ ወረዳ መደወላቡ ንክልተ ደቁ ብኣሰቓቂ ኣገባብ ዝቐተለ ኣቦ ብሞት ክቅጻዕ ተፈሪዱ።
ኣኽባሪ ሕጊ ዞባ ባሉ ኣቶ ከድር ኣብዳ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ እቲ ቅትለት ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ 24 ታሕሳስ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ እዩ ተፈጺሙ።
ኣቦ ሓሙሽተ ቆልዑን ዕድሚኡ ኣብ 30ታት ዝርከብን ነዚ ገበን ዝፈጸመ፡ ኣቶ መሓመድ ዓበዱራሕማን ነቶም ክልተ ደቁ ከምዝቐተሎም ንፖሊስን ንቤት ፍርድን ቃሉ ከምዝሃበ ኣኽባሪ ሕጊ እቲ ወረዳ ኣቶ ከድር ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣቶ መሓመድ ነቶም ደቂ ሽዱሽተን ሸውዓተን ዓመት ደቁ ኣብ ዝቐተለሉ መዓልቲ፡ ክልቲኦም ምስኡ ከብቲ ንምሕላው ንበረኻ’ዃ እንተወጽኡ፡ ምሸት ግን ንበይኑ ንገዛ ከምዝተመለሰ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ገሊጹ።
ፈጻሚ እዚ ገበን ኣቶ መሓመድ ዓብዱራሕማን፡ ምሸት ናብ ገዛ ምስ ተመለሰ እቶም ምስኡ ዝወፈሩ ዘይዲንን ኣራርሶን ዝተብሃሉ ህጻናት ደቁ ኣብ በራኻ ከምዝጠፍእዎ ንብዓልቲ ቤቱ ከምዝሓበራ ኣኽባሪ ሕጊ ይሕብር።
ብድሕሪ እዚ ነበርቲ እቲ ከባብን ቤተ ዘመድን ነቶም ኣብ በራኻ ጠፊኦም ዝተብሃሉ ህጻናት ንምርካብ ክደልዩ ጀሚሮም።
እቲ ምድላይ ኣሰር እዞም ህጻናት ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ቀጺሉ።
ኣብ ከምዚ ኩነታት እንከሎ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ነቲ ኣቦ ብዘርእዮ ዝነበረ ዘይንቡር ምንቅስቓስ ክጥርጥርዎ ጀሚሮም።
እቲ ኣክባሪ ሕጊ “ነቶም ህጻናት ኣብ ምድላይ ንዝነበሩ ሰባት፡ ናብቲ እቶም ህጻናት ዝተቐበርሉ ከባቢ ገጾም ክኸዱ እንከለዉ ናብኡ ከይከዱ ክኽልክሎም ምስ ጀመረ’ዮም ክጠራጠሩ ጀሚሮም” ይብል።
መርመራ ፖሊስ ከምዘረድኦ ሬሳ ናይቶም ህጻናት ምስ ተቐተሉ ድሕሪ ሓደ ሰሙን 2 ጥሪ 2015 እዩ ተረኺቡ።
“እቶም ነቶም ህጻናት ዝደልዩ ዝነበሩ ሰባት ኣፍንጭኦም ዝስርስር ጨና ዝነበሮ ጉድጓድ ረኺቦም ምስ ኩዓትዎ ኣስክሬን ናይ ክልቲኦም ህጻናት ክረኽብዎ ክኢሎም።
ነበርቲ ብቅትለት እቶም ህጻናት ንኣቦ እቶም ህጻናት ከምዝጥርጥርዎ ንፖሊስ ምሕባሮም ኣኽባሪ ሕጊ ይሕብር።
ኣባላት ፖሊስ’ውን ነቲ ዝተውሃቦም ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር መርመራ ኣብ ዝጀመርሉ፡ ተጠርጣሪ ነቲ ገበን ከምዝውዓሎ ምግላጹ ኣቶ ከድር ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣኽባሪ ሕጊ ኣቶ ከድር ብምስዓብ “እቲ ኣቦ ናይ እምነትን ክሕደትን ቃል ኣብ ዝሃበሉ እወ ኣነ’የ ቐቲለዮም ብምባል ከመይ ገይሩ ከምዝቐተሎም ብዝርዝር ሓቢሩ”ይብል።
እዚ ኣቦ ነዞም ህጻናት ብኸመይ’ዩ ቐቲልዎም?
ኣኽባሪ ሕጊ፡ ኣቶ መሓመድ ዓብዱራሕማን ንፖሊስ ካብ ዝሃቦ ቃል ንደቑ ብኣዝዩ ኣሰቓቒ ኣገባብ ከምዝቐተሎም’ዩ ዘርኢ ይብል።
ኣቶ ከድር እቲ ጥርጡር ዝሃቦ ናይ እምነት ቃል ክሕብር እንከሎ “ነቲ ወዱ ሸውዓተ ዓመት ወዱ ብፋስ ክልተ ግዜ ሃሪሙ ምስ ኣውደቖ ኣብ እንስሳ ዘገዳም ዝዃዓትዎ ጉድጋድ ኣእትይዎ ነቲ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ወዱ ከኣ ብህይወቱ እንከሎ ብርእሱ ሒዙ ናብቲ ጉድጓድ ከምዘእተዎ’ዩ ገሊጹ” ይብል።
ኣቶ ከድር ብምስዓብ “እቲ ገበነኛ ከምዝሓበሮ ነቲ ዓቢ ወዱ ቐቲሉ ነቲ ምንኣሱ ግን ብህይወቱ እንከሎ’ዩ ቐቢርዎ” ኢሉ።
እዚ ኣቦ ቅድሚ ሕጂ ዝኾነ ዝተፈለየ ባህሪ ዘርኢ ወይ ነዚ ገበን እዚ ክፍጽም ዝደፋፍኦ ነገር እንተሃልዩ ንኣኽባሪ ሕጊ እቲ ዞባ ኣቶ ከድር ሕቶ ኣብ ዝቐረበሉ፡ ዝኾነ ዝተፈለየ ነገር ከምዘይነበረን “ጥዑይ ኣእምሮ” ዘለዎ ከምዝኾነ ንኹነታቱ ክኸታተል ዝጸንሓ ብዓል ሞያ ጥዕና ከምዝሓበረ ኣብሪሁ።
ኣቶ መሓመድ ናይ እምነትን ክሕደትን ቃል ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ እዋን፡ ነቲ ቅትለት ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን ሓሪቑ ከምዝነበረ ምግላጹ ኣቶ ከድር ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣቶ ከድር “ምስ ብዓልቲ ቤቱ ተባኢሱ ስለዝነበረ ብእኡ ሓሪቑ ንደቁ ከምዝቐተለ’ዩ ቃሉ ሂቡ” ኢሉ።
“የዕሩኽትኻ ገዛ ሰሪሖም፡ ንስኻ ግን ኣብ ድኽነት ኢኻ ሸሚምካና ዘለኻ ስለዝበለትኒ ሓሪቐ ነዚ ስጉምቲ ወሲደዮ” ኢሉ ቃል ከምዝሃበ’ውን ኣቶ ከድር ንቢቢሲ ገሊጹ።
እዚ ምስ ተፈጸመ ናብ ኣኻባሪ ሕጊ እቲ ዞባ ጸብጻብ ቐሪቡ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቶ መሓመድ ክሲ ጭካነ ዝተሓወሶ ቕትለት ተመስሪቱ።
ኣኽባሪ ሕጊ ብ1996 ብዝወጸአ ናይ ገበን መቕጽዒ ሕጊ ዓንቀጽ 539/1 ብምጥቃስ ብሞት ክቅጻዕ ከምዝተበየነሉ ተገሊጹ።
ክሱስ 10 ጥሪ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ዝውዓለ መጋባእያ ነቲ ገበን ከምዝውዓሎ ስለዝኣመነ እቲ ዝተውሃበ ፍርዲ ክጸንዕ ውሳነ ተመሓላሊፉ።
“ጭካነ ቐታሊ፡ እቶም ዝተቐተሉ ነብሶም ክከላኸሉ ዘይክእሉ ህጻናት ምዃኖም ከምኡ’ውን እቲ ዝተቐተልሉ ኣገባብ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ልዕሊ ገበነኛ ብሞት ክቅጻዕ ብይን ተዋሂቡ ኣሎ” ኢሉ።
ኣክባሪ ሕጊ ኣቶ ከድር፡ ናይ ሞት ፍርዱ ምስ ተበየበሉ “ዝኾነ ናይ ምጥዓስ” ምልክት ከምዘየርኣየ’ውን ሓቢሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
