ኣብ ደብረብርሃን መእተዊ ኣዲስ ኣበባ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ዝተኣጓጎሉ ተሳፈርቲ

ምንጪ ስእሊ, Socilal Media

Published

ካብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባታት ደቡብ ወሎ፣ ሰሜን ወሎን ዋግ ኽምራን ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝወስድ መንገዲ ደሴ - ኣዲስ ኣበባ ዝጓዓዙ ተሳፈርቲ መራሕቲ መካይንን ንሰሙናት ከምዝተንገላትዑ ገሊጾም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተጓዓዝትን መራሕቲ መካይንን ከም ዝበልዎ፡ ኣፍደገ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝርከብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ምስ በጽሑ፡ ኣብቲ መፈተሺ ነቑጣ ብሓይልታት ጸጥታ በደልን ምግፋዕን ይበጽሖም።

ብተወሳኺ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣውቶቡሳትን ሚኒባሳትን ተጓዓዝተን ሒዘን ናብ ዘዝመፅእኦ ክምለሳ ከምዝግደዳ ይዛረቡ።

ንሳቶም፡ "እቲ ምኽንያት ክንሓትት ከለና ዝተፈላለየ መልሲ ንረክብ" ይብሉ።

ብምኽንያት እዚ፡ ብዙሓት ካብ ናይ ስራሕ ፈተና፣ ናይ ሕክምና ቆፀራ፣ ስራሕ፣ ስድራቤታዊ ቀብሪ፣ መርዓን ካልኦት ማሕበራዊ ፍፃመታትን ተኣጓጊሎም ከምዘለዉ ይዛረቡ።

"ኣብ’ዚ እዋን ክረምቲ፡ ኣብ መንገዲ ህፃናት፣ ኣዴታት፣ ኣረጋውያን፣ ሕሙማትን ኣብቲ ዝሓሰብዎ ቦታ ከይበፅሑ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ" ኢሎም እቶም ተጓዓዝቲ።

ቢቢሲ ካብ ሓለፍቲ እቲ ከባቢ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ጸገም ዕልባት ክሳብ ዝረክብ ብዝብል፡ ትማሊ 4 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ እቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ መንገዲ ኣብ ደብረብርሃን ተዓፅዩ ነይሩ።

ምክትል ሓላፊ ሰላምን ፀጥታን ዞባ ሰሜን ሸዋ ሰለሞን ኣልታየ፡ ኣብ ሸኖ፣ ለጌጣፎን ኣለልቱን ኣብ ዝርከቡ መፈተሺ ነቑጣታት፡ ዘይፍለጡ ['ጸጉረ ልወጥ’] ሰባት ከይሓልፉ፡ ሓይልታት ፀጥታ ንተጓዓዝቲ መለለዪ ካርዲ  ከምዝሓቱ ሓቢሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ሓላፊ ግን፡ ክልቲአን ክልላትን ጎረባብቲ ዞባታትን ተዘራሪቦም ነቲ ፀገም ንምፍታሕ’ኳ እንተፈተኑ፡  ዛጊድ ፍታሕ ከምዘይተረኽበ እዩ ዝገልጽ።

ንሱ፡ "ሓደ መዓልቲ ሰላም ኰይኑ ይብሃል፡ ንጽባሒቱ ተመሳሳሊ ነገር የጓንፍ። ኣብ መዓልቲ ክሳብ ሰለስተ ኣውቶቡሳት ካብ መገዲ ዝምለስሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት እናገደደ መጺኡ ኣሎ” ኢሉ።

እቲ ምክትል ሓላፊ ወሲኹ፡ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ፌደራል መንግስቲ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ድሕሪ ምዝርራብ እቲ መንገዲ ረቡዕ 4 ነሓሰ 2014 ዓ.ም 12:00 ሰዓት ድሕሪ ቀትሪ ከምዝተኸፍተ ገሊጹ።

መለለዪ መንነት ኣዲስ ኣበባ ዘይብሎም ሰባት ከምዘይሓልፉን መራሕቲ መካይን ብዘይ ገበኖም መቕጻዕቲ ከምዝብየነሎም፡ “ስለምንታይ?” ኢሎም ዝሓተቱ ድማ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖም ይጠርዑ።

 ኣቶ ሰለሙን፡ ፈጸምቲ እቲ መጥቃዕቲ፡ ​​ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኦሮሚያን ናይቲ ከባቢ ምልሻታትን ምዃኖም ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣውቶቡሳትን ተጓዓዝትን ኣብ ጽርግያታት ተጨናኒቖም ዘርኢ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ተስተውዒሉ።

ምክትል ሚኒስተር ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን መንግስቲ፡  ሰላማዊት ካሳ፡ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ሓይልታት ትግራይ ተቖጻጺሮሞም ኣብ ዝጸንሑ ከባብታት ክልል ኣምሓራ፡ መለለዪ መንነትን ካልኦት ሰነዳትን ንምድላው ዝውዕሉ መሳርሕታት ከምዝወሰዱን፡ እቲ ስጉምቲ ምስ ጽኑዕ ሓለዋ ጸጥታ ዝተኣሳሰር ሙኻኑን ተዛሪባ።

ካብ መራሕቲ ትግራይ ብዛዕባ እዚ ክስታት፡ ዝተብሃለ የለን።

እቲ ልዕሊ ዒስራ ኣዋርሕ ዘቑጸረ፡ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ጀሚሩ፡ ናብ ክልል ኣምሓራ ልሒኹ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ንኣዲስ ኣበባ ቀረባ ዝዀነት ከተማ ደብረ ብርሃን በጺሖም ምንባሮም ይዝከር፤ ብዙሓት ዞባታት ደቡብ ወሎን ሰሜን ጎንደርን ድማ ኣብ ቀይዶም ኣውዒሎም ነይሮም።  

እቲ ደማዊ ኲናት ሰለማዊ ፍታሕ ክረክብ ይኸውን ዝብል ተስፋ ተገይሩ እንተነበረ’ኳ፡ ዳግማይ ውግእ ከይውላዕ ይስጋእ ኣሎ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ኣብቶም ተጓንፎታት፡ ምስ ገለ ሓለፍቲ ፖሊስን ኮምኒኬሽንን ክልል ኦሮምያ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተጓዓዝቲ ግን፡ መለለዪ መንነቶም 'ኣምሓራ' ዝብል እናተፈለዩ ምሕላፍ ይኽልከሉ ከምዘለዉ እዮም ዝዛረቡ።

ሓላፊ ሓደ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣውቶቡስ ኩባንያ ኣይተ ኩራባቸው ታደሰ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብፍላይ ካብ ሓደ ወርሒ ጀሚሩ መካይኖም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ንሰዓታት ኣብ መንገዲ ደው ክብላ ስለዝተገደዳ ኣብ ደብረብርሃን ክሓድሩ ከምዝተገደዱን ተዛሪቡ።

እዚ ድማ እቲ ተሳፋራይ ንተወሳኺ ወፃእታት ከምዝቃላዕን እቲ ኩባንያ ክሳራ ከምዘጋጠሞን ወሲኹ ገሊጹ።

"ብተደጋጋሚ ከምዚ ዓይነት ነገር የጋጥመና ኣሎ።ተጓዓዝቲ ብዙሕ መከራ የጋጥሞም ኣሎ። ናይ ወጻኢ በረራ ዘለዎም፣ ናይ ሕክምና ቆጸራ ዘለዎም ሰባት ኣብቲ ዝሓሰብዎ ከይበጽሑ ኣብ ሜዳ ይሓድሩ ኣለዉ።