ሰለስተ ሽሕ መካይን ኣብ ዝጸዓነት መርከብ ዘጋጠመ ባርዕ ሻቕሎት ፈጢሩ

እትነድድ ዘላ መርከብ

ምንጪ ስእሊ, Dutch Coastguard

Published

ኣስታት 3 ሽሕ መካይን ሒዛ እትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ፡ ኣብ ደች ገማግም ደሴት ኣምላንድ ብዘጋጠማ ባርዕ ሓዊ፡ ሓደ ባሕረኛ ክመውት እንከሎ 22 ጉድኣት ወሪድዎም።

ገሊኦም ባሕረኛታት ካብቲ ሓዊ ንምህዳም ክሳብ 30 ሜትሮ ናብ ውሽጢ ባሕሪ ኣትዮ።

ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ንምቍጽጻር ሰፊሕ ስርሓት ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ እቲ ባርዕ ንመዓልታት ክቕጽል ከምዝኽእል ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ገሊጾም።

ኣብ መጀመርታ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ነቲ ሓዊ ባዕሎም ከጥፍኡ ፈቲኖም፤ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ምስኮነ ግን ንርእሶም ክሃድሙ ተገዲዶዶም።

ካፕተን እታ መርከብ ዊላርድ ሞልናር፡ ሸውዓተ ሰራሕኛታት ናብ ባሕሪ ከምዝዘለሉ ተዛሪቡ።

"ሓደ ብሓደ ዘሊሎም ኣትዮም፤ ደሊና ኣውጺእናዮም" ክብል ን ወኪል ዜና ኤንኦኤስ ገሊጹ።

"ኣዝዮም ተስፋ ስለዝቖረጹ እዮም ዘሊሎም፤ ንክትዘልል ኢልካ ከምኡ ኣይትገብርን።"

ሓለውቲ ገማግም ደች ን ኤኤንፒ ከምዝሓበርዎ እቲ ሓዊ ንመዓልታት ክቕጽል ይኽእል እዩ።

ጀላቡ ህይወት ምድሓን፡ ነታ መርከብ ንምዝሓል ብጐድንታታ ማይ ይነጽጋ ኣለዋ፤ እታ መርከብ ከይትጥሕል ግን ብዙሕ ማይ ኣየፍስሳላን ዘለዋ።

እታ መርከብ ብሰሉስ ካብ ሰሜናዊ ጀርመን ደሴት ብሪመርሄቨን ተበጊሳ ናብ ግብጺ ፖርት ሰይድ ትጓዓዝ ዝነበረት እያ።

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ መበገሲ እቲ ባርዕ ዛጊድ ከምዘይተፈለጠ ዝገለጹ ኰይኖም፤ ቅድም ክብል ግን ኤሌክትሪክ መኪና ክዀና ከምዝኽእላ ገሚቶም ነይሮም።

ኣብታ መርከብ ኣስታ 25 ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ነይረን።

እታ እትነድድ ዘላ መርከብ ካብ ቀንዲ መተሓላለፊ መስመር ተጎቲታ ከተልግስ ተገይራ ኣላ። እቲ ሓዊ ምጥፋእን እታ መርከብ ምንስፋፍ ክትቅጽል ምግባርን ቀንዲ ፈተና ሰራሕተኛታት ምድሓን እዩ።

ጀላቡ ድሕነት ንዅሎም ዓይነት መፍትሒታት ከቢበን ዘለዋ ኰይነን፡ ላሕኲ ነዳዲ ከየጋጥም ነዳዲ እትመጥጥ ጀልባ'ውን ተላኢኻ፡፡

ኖርዝ ሲ ዝተባህለ ጕጅለ ተሓላቒ ክሊማ፡ ዓለምለኻዊ ቅርሲ ተባሂሉ ዝተመዝገበ ከባቢ ባሕሪ ዋደን፡ ዓበይቲ መራኽብ ብቐጻሊ ይመላለሳሉ ብምህላወን ንሓደጋ ከምዝተቓልዐ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ ብሰንኪ ማዕበል፡ ኬሚካል ዝርከቦም 270 ኮንተይነራት ካብ መርከብ ጸዲፎም፡ ገሊኦም ናብ ገማግም ባሕሪ ዳች ተገሊፎም ወጺኦም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ 4 ሽሕ ክቡራት መካይን ዝጸዓነት መርከብ ብዘጋጠማ ባርዕ ሓዊ ኣብ ከባቢ ኣዞረስ ጥሒላ፤ እቲ ሓዊ ባትሪ ሊትየም-ኣየን እተን መካይን ዘበገሶ እዩ ነይሩ።